bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 98
Psalms 98
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንእግዚኣብሄር ሓድሽ ምስጋና ኣመስግኑ፤ እግዚኣብሄር ተኣምራት ገይሩ እዩ እሞ፥ የማናይ ኢዱን፥ ቅዱስ ቅልፅሙንውን ንእኡ ምድሓን ገበረ።
2
እግዚኣብሄር ምድሓኑ ኣፍለጠ፤ ፅድቁ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ገለፀ።
3
ንያእቆብ ምሕረቱ፥ ንቤት እስራኤልውን ሓቁ ዘከረ፤ ኵሎም ኣብ ወሰናት ምድሪ ዘለዉ፥ ምድሓን ኣምላኽና ረአዩ።
4
ኣቲ ምድሪ ዅልኺ ንእግዚኣብሄር ዕልል በሊ፤ ኣመስግኑ፥ ደስ ይበልኩም ዘምሩውን።
5
ንእግዚኣብሄር ብመሰንቆ፥ ብመሰንቆን ብድምፂ በገናን ዘምሩሉ።
6
ብእምብልታን ብድምፂ መለኸትን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ እግዚኣብሄር ዕልል በሉ።
7
ባሕርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን፥ ዓለምን ኣብኣ ዝነብሩ ዅሎምን ይናወፁ።
8
ወሓይዝ ኣፍላግውን ሓቢሮም በእዳዎም የጣቕዑ፤ እምባታትውን ደስ ይበሎም፤
9
ንሱ ኣብ ምድሪ ኽፈርድ ክመፅእ እዩ እሞ፤ ንሱ ንዓለም ብፅድቂ፥ ንኣህዛብውን ብቕንዕና ኽፈርድ እዩ።
← Chapter 97
Chapter 99 →