bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 86
Psalms 86
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ፥ ኣነ ምስኪንን ድኻን እየ እሞ፥ እዝንኻ ናባይ ፅን ኣብል፤ ስምዐኒውን።
2
የዋህ እየሞ ንነፍሰይ ሓልዋ፤ ኦ ኣምላኸይ፥ ብኣኻ ንዝተኣመነ ባርያኻ ኣድሕኖ።
3
ኦ ጐይታ፥ ኵሉ መዓልቲ ናባኻ አእዊ ኣለኹ እሞ መሓረኒ።
4
ኦ ጐይታ፥ ነፍሰይ ናባኻ ኣንቃዕርር ኣለኹሞ፥ ንነፍሲ ባርያኻ ኣሐጕሳ።
5
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ መሓርን ይቕረ በሃልን ኢኻ፤ ምሕረትካውን ንዅሎም ዝፅውዑኻ ብዙሕ እዩ።
6
ኦ ጐይታ፥ ፀሎተይ ኣድምፅ፤ ድምፂ ልመናይውን ስማዕ።
7
ንስኻ ትምልሰለይ ኢኻ እሞ፥ ብመዓልቲ መከራይ ክፅውዐካ እየ።
8
ኦ ጐይታ፥ ካብ ኣማልኽቲ ንኣኻ ዝመስል የለን፤ ከም ስራሕኻውን ዝበለ የለን።
9
ኦ ጐይታ፥ እቶም ኵሎም ዝፈጠርካዮም ኣህዛብ ክመፁ እዮም፤ ኣብ ቅድሜኻ ኽሰግዱ፤ ንስምካውን ከኽብሩ እዮም።
10
ኦ ጐይታ፥ ተኣምራት እትገብር ንስኻ ዓብዪ ኢኻ እሞ፥ ንስኻ በይንኻ ዓብዪ ኣምላኽ ኢኻሞ።
11
ኦ ጐይታ፥ መንገድኻ ምርሐኒ፥ ብሓቅኻ ክኸድ እየ፤ ስምካ ንምፍራሕ፥ ልበይ ደስ ይብሎ።
12
ኦ ጐይታ ኣምላኸይ፥ ብምሉእ ልበይ አመስግነካ ኣለኹ፤ ስምካውን ንዘለኣለም ከኽብር እየ።
13
ምሕረትካ ኣባይ ዓብያ እያሞ፤ ንነፍሰይ ከዓ ኻብ መዓሙቕ ሲኦል ኣድሓንካያ።
14
ኦ ኣምላኸይ፥ ዓማፅያን ኣብ ልዕለይ ተልዒሎም ኣለዉ፤ ማሕበር እኩያንውን ንነፍሰይ ይደልዩዋ ኣለዉ፤ ንኣኻውን ኣብ ቅድሚኣቶም ኣይገበሩኻን።
15
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ግና መሓርን ርህሩህን ኣምላኽ ኢኻ፤ መዓትካ ዝረሓቐ ምሕረትካን ፅድቅኻን ዝበዝሐ ኢኻ።
16
ናባይ ተመልከት፥ መሓረኒውን፤ ንባርያኻ ሓይሊ ሃቦ፤ ንወዲ ባርያኻውን ኣድሕኖ።
17
ትእምርቲ ሰናይውን ምሳይ ግበር፤ ፀላእተይ ይርኣዩ፤ ይሕፈሩውን፤ ረዲእኻንን ኣፀናኒዕኻንን ኢኻሞ።
← Chapter 85
Chapter 87 →