bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 132
Psalms 132
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ፥ ንዳዊትን ንዅሉ የዋህነቱን ዘክር።
2
ንሱ ንእግዚኣብሄር ከም ዝመሓለ፥ ንኣምላኽ ያእቆብውን ከም ዝተመባፅዐ፥
3
ብሓቂ ናብ ድንኳን ገዛይ ኣይኣቱን እየ፤ ናብ ምንፃፍ ዓራተይውን ኣይድይብን፤
4
ነዒንተይ ድቃስ፥ ንቐራንብተይ ትኻስ፥ ንመላትሐይ ዕረፍቲ ኣይህብን፤ ንእግዚኣብሄር ስፍራ፥ ንኣምላኽ ያእቆብ መሕደሪ ኽሳዕ ዝረክብ ኢሉ።
6
እንሆ፥ ኣብ ኤፍራታ ሰማዕናዮ፤ ኣብ ውሽጢ በረኻ ኸዓ ረኸብናዮ።
7
ናብ መሕደሪኡ ኽንኣቱ ኢና፤ ኣብ መርገፂ እግሩውን ክንሰግድ ኢና።
8
ኦ ጐይታ፥ ንስኻን ታቦት መቕደስካን፥ ናብ ዕረፍትኻ ተስእ።
9
ካህናትካ ፅድቂ ይልበሱ፤ ቅዱሳንካ ድማ ደስ ይበሎም።
10
ስለ ኣገልጋሊኻ ስለ ዳዊት፥ ካብቲ ዝቐባእኻዮ ገፅካ ኣይትመልስ።
11
እግዚኣብሄር ንዳዊት ብሓቂ መሓለ፤ ኣይናሳሕንውን፤ ከምዙይ ኢሉ፦ ካብ ፍረ ኸርስኻ ኣብ ዙፋንካ ኸቐምጥ እየ፤
12
ውሉድካ ኺዳነይን ነቲ ዝምህሮም ምስክርነተይን እንተ ሓሊዮም፥ ደቆም ኣብ ዙፋንካ ንዘለኣለም ክቕመጡ እዮም።
13
እግዚኣብሄር ንፅዮን ሓርዩዋ እዩ እሞ፤ መሕደሪኡ ኽትከውን ድማ ፈትዩዋ እዩሞ፥ ከምዙይ ኢሉ፦
14
እዚኣ ንዘለኣለም መዕረፊተይ እያ፤ መሪፀያ እየሞ፥ ኣብኣ ኽሓድር እየ።
15
ንኣረግቶታውን ኣፀቢቐ ኽባርኸን እየ፤ ንድኻታታ ድማ እንጀራ ኸፅግቦም እየ።
16
ንኻህናታ ድሕነት ከልብሶም እየ፤ ቅዱሳና ኸዓ የመና ኽሕጐሱ እዮም።
17
ኣብኡ ንዳዊት ቀርኒ ኸብቍል እየ፤ ነቲ ዝቐባእኹዎውን መብራህቲ ኸዳሉ እየ።
18
ንፀላእቱ ሕፍረት ከልብሶም እየ፤ ብእኡ ግና ቕድስናይ ኽዕምብብ እዩ።
← Chapter 131
Chapter 133 →