bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Proverbs 25
Proverbs 25
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እዚኣተን ድማ ናይ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ሰባት ዝኣኻኸብወን፥ ናይ ሰሎሞን ምስላታት እየን።
2
ክብሪ እግዚኣብሄር ነገር ምስዋር እዩ፤ ክብሪ ነገስታት ግና ምምርማር ነገር እዩ።
3
ሰማያት ልዕል ዝበሉ ኸም ዝኾኑ፥ ምድሪ እውን ዕምቈት ከም ዘለዋ፥ ከምኡ ድማ ልቢ ነገስታት ክምርመር ኣይከኣልን።
4
ንብሩር ካብ ዝዕገቱ ኣፅርዮ፥ ሽዑ ንኣንጠረኛ ኣቕሓ ይወፀሉ።
5
ንኽፉኣት ሰባት ካብ ቅድሚ ንጉስ ኣርሕቆም፤ ሽዑ ዙፋን ንጉስ ብፅድቂ ኽትፀንዕ እያ።
6
ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣይትመካሕ፤ ኣብ ስፍራ ዓበይቲ ኸዓ ኣይትቑም።
7
ኣዒንትኻ እናረአያ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ካብ እትዋረድ፥ “ናብዙይ ልዕል በል” ክትበሃል ይሕሸካ።
8
ብፃይካ ምስ ኣሕፈረካ ዳሓር ከይትናሳሕ፥ ቀልጢፍካ ናብ ባእሲ ኣይትውፃእ።
9
ዝሰምዐ ኸይፀርፈካ ስምካ ኸዓ ኸይጠፍእ፥ ክርክርካ ምስ ብፃይካ ተኸራኸር፤ ምስጢር ካልእ ሰብ ግና ኣይተውፅእ።
10
እንተ ዘይኮነ ግና ምስጢር ከም እተውፅእ ካልእ ሰብ ክፈልጠካ እዩ፤ ስምካ ምስ ከፍአ ድማ ኽትልውጦ ኣይትኽእልን ኢኻ።
11
ብግቡእ ዝተዘርበ ቓል፥ ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ፃሕሊ ብሩር እዩ።
12
ንትሰምዕ እዝኒ፥ ዝግስፅ ለባም ሰብ፥ ከም ኵትሻ ወርቅን ከም ዘንፀባርቕ ዕንቍን እዩ።
13
ብጊዜ ቐውዒ ዛሕሊ ኣስሓይታ ከም ዘሐጉስ፥ እሙን ልኡኽ ድማ ነቲ ዝለኣኾ ኸምኡ እዩ፤ ንሱ ንነፍሲ ጐይታኡ የዕርፋ እዩሞ።
14
ስለ ውህብቶኡ ብሓሰት ዝጅሃር ሰብ፥ ከምቲ ዝናም ዘይብሉ ደመናን ንፋስን እዩ።
15
ፈራዲ፥ ብትዕግስቲ ይልዝብ፤ ልዙብ መልሓስ ከዓ ኣዕፅምቲ ይሰብር።
16
መዓር እንተ ረኸብካ፥ እምብዛ ኸይትፀግብ እሞ ኸይትተፍኦስ፥ ዝኣኽለካ ብላዕ።
17
ብፃይካ ኸይመንወካ እሞ ኸይፀልአካ፥ እግርኻ ናብ ቤቱ ኣይተዘውትር።
18
እቲ ኣብ ብፃዩ ብሓሰት ዝምስክር፥ ከም መዶሻን ሰይፍን በሊሕ ፍላፃን እዩ።
19
ብጊዜ መከራ ኣብ ጠላሚ ሰብ ምፅጋዕ፥ ከም ዝተነቓነቐ ስንን፥ ከም ዝሰለለ እግርን እዩ።
20
ንሕዙን ልቢ ዝማሬ ዝዝምረሉ፥ ከምቲ ብጊዜ ቝሪ ንመደረብታኡ ዝቕንጥጦን፥ ኣብ ቍስሉ መፂፅ ዘፍስሰሉን እዩ።
21
ፀላኢኻ እንተ ጠመየ፥ እንጀራ ኣብልዓዮ፤ እንተ ፀምአውን፥ ማይ ኣስትዮ።
22
ከምዙይ እንተ ደኣ ጌርካ፥ ጓህሪ ሓዊ ኣብ ርእሱ ትእክብ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኽፈድየካ እዩ።
23
ከምቲ ንፋስ ሰሜን፥ ዝናም ዘምፅእ፥ ሓማዪት ልሳን ድማ ገፅ ተፀውግ።
24
ምስ ናግራም ሰበይቲ፥ ኣብ ሓደ ቤት ካብ ምቕማጥ፥ ኣብ ዝባን ናሕሲ፥ ብሓደ ወገን ምቕማጥ ይሐይሽ።
25
ከምቲ ዝፀምአ ሰብ፥ ዝሑል ማይ እንተ ረኸበ ዝሕጐስ፥ ከምኡ ኸዓ ኻብ ርሑቕ ሃገር ብስራት ዝረኸበ ሰብ ይሕጐስ።
26
ኣብ ቅድሚ ሓጥእ ዝወድቕ ፃድቕ፥ ከምቲ ዝተዘርገ ዓይኒ ማይን ከም ዝሰበበ ዒላን እዩ።
27
ከምቲ ኣብዚሕኻ መዓር ምብላዕ ፅቡቕ ዘይኮነ፥ ክብሪ ርእስኻ ምድላይውን ክብሪ ኣየምፅእን።
28
መንፈሱ ዘይገትእ ሰብ፥ ከምታ ቕፅሪ ዘይብላ ዝፈረሰት ከተማ እዩ።
← Chapter 24
Chapter 26 →