bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Micah 6
Micah 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እቲ እግዚኣብሄር፥ “ተስእ፤ ኣብ ቅድሚ እምባታት ተፋረድ፤ ንኾረብታታት ከዓ ድምፅኻ ኣስምዓዮም ዝበሎ ስምዑ።”
2
እግዚኣብሄር ምስ ህዝቡ ነገር ኣለዎ፤ ምስ እስራኤልውን ሙግት ኣለዎ እሞ፥ ኣቱም እምባታት፥ ንስኻትኩምውን ኣቱም ፅኑዓት መሰረት ምድሪ፥ ክርክር እግዚኣብሄር ስምዑ።
3
“ኣታ ህዝበይ፥ እንታይ ገይረካ እየ? ብምንታይከ ኣድከምኩኻ? እስኪ መስክረለይ።
4
ኣነ ኻብ ሃገር ግብፂ ኣውፃእኹኻ፤ ካብ ቤት ባርነትውን ኣድሓንኩኻ፤ ቀቅድሜኻውን ንሙሴን ንኣሮንን ንማርያምን ሰደድኩልካ።
5
ኣታ ህዝበይ ፅድቂ እግዚኣብሄር ንኽትፈልጥ፥ ነቲ ባላቅ ንጉስ ሞኣብ ዝመኸሮ፥ በለዓም ወዲ ቢዖር ከዓ ዝመለሰሉ፥ ነቲ ኻብ ለሰ ሸጢም ክሳዕ ጌልገላ ዝኾነ ዘክር።”
6
ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንታይ ሒዘ ኽቐርብ? ከመይ ገይረኸ ኣብ ቅድሚ ልዑል ኣምላኽ ክሰግድ እየ? ዝቃፀል መስዋእትን ምራኽ ሓደ ዓመትን ከቕርብዶ ናብ ቅድሚኡ ኽመፅእ?
7
ብኣሽሓት ማጓሉን ብኣእላፋት ወሓይዝ ዘይትንዶ እግዚኣብሄር ደስ ይብሎ እዩ? ኽንዲ በደለይ በዅሪ ወደይ፥ ክንዲ ሓጢኣተይ ከዓ ፍረ ኸርሰይዶ ኽህብ እየ?
8
ኣታ ሰብ፥ ንሱ ዅሉ ሰናይ ነጊሩካ እዩ፤ እግዚኣብሄር ካባኻ ዝደልዮ እንታይ እዩ? ቕንዕና ኽትገብር፥ ምሕረት ከዓ ኽትፈቱ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽካውን፥ ብትሕትና ኽትነብርዶ ኣይኮነን?
9
ስምካ ምፍራሕ ጥበብ እዩ፤ ድምፂ እግዚኣብሄር ነታ ኸተማ ይፅውዓ። “ንበትሩ ዘክሩ፤ በትሪ መቕሰፍቲ ሕሰቡ፤ ንእኡ ዘዳለዎውን መን ምዃኑ ፍለጡ።
10
ብሓቂ ኣብ ቤት ሓጥእ፥ እቲ መዝገብ ሓጢኣትን፥ እቲ ፅዩፍ ናይ ሓሶት መስፈሪን ገና ይህሉዶ ይኾን?
11
ኣነዶ ብሚዛን ረሲዕነትን፥ በቲ ኸረጢት ጠባሪ መመዘንን፥ ንፁህ ክኸውን እየ።
12
እቶም ሃብታማታ ግፍዒ ዝመልኡ እዮም፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸዓ ሓሰውቲ እዮም፤ መልሓሶምውን ኣብ ውሽጢ ኣፎም መታለሊት እያ።
13
ስለዙይ ኣነ ኸዓ ብሕማም ቍስሊ ወቓዕኹኻ፤ ካብ ሓጢኣትካ ዝተልዓለ ድማ ኣፈራረስኩኻ።
14
ክትበልዕ ኢኻ፤ ግናኸ ኣይትፀግብን፤ ውርደትካ ኣብ ውሽጥኻ ክኸውን እዩ። ክትሕዝ ኢኻ፤ ግናኸ ኣይተድሕንን፤ ነቲ ዘድሐንካዮውን ንሰይፊ ኽህቦ እየ።
15
ክትዘርእ ኢኻ፤ ግና ኣይትዓፅድን፤ ፍረ ኣውሊዕ ክትፀምቝ፥ ግና ዘይቱ ኣይትቕባእን ኢኻ፤ ዀልዒ ወይኒ ኽትፀምቝ ኢኻ፤ ግና ወይኒ ኣይትሰትን።
16
ስርዓት ዖምሪን ኵሉ ልምዲ ኣክኣብን ሓሊኻ ኢኻ፤ ምኽሮምውን ተኸቲልኻ ኢኻ፤ ስለዙይ ፀርፊ ህዝበይ ክትፀውር ኢኻ፤ ንኣኻ ንመሰክሒ፥ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ድማ ንፋፃ ኽገብሮም እየ።”
← Chapter 5
Chapter 7 →