bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Job 7
Job 7
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ህይወት ሰብ ኣብ ምድሪ ብርቱዕ ሰልፊዶ ኣይኮነን? መዓልትታቱኸ ኸምቲ በዓል ውዕለትዶ ኣይኮነን?
2
ከምቲ ኸፅልል ዝናፍቕ ኣገልጋሊ፥ ከምቲ ደመወዙ ዝፅበ በዓል ውዕለት፥
3
ከምኡ ነኣይ፥ ወርሓት ከንቱ ኾነኒ፤ ናይ ፃዕሪ ለይትታት ድማ ተወሰናለይ።
4
ምስ ደቀስኩ ‘መኣዝ ኮን ክትስእ እየ?’ እብል። ለይቲ ግና ይነውሕ፤ ክሳዕ ዝወግሕ ከዓ እገላበጥ።
5
ስጋይ ብሓሰኻን ብቕራፍን ተሸፊኑ፤ ቈርበተይውን እናተጨደደ ይመግል።
6
መዓልትታተይ ካብ መወርወሪ ኣላማይ ይቕልጥፋ፤ ብዘይ ተስፋውን ይውድኣ።”
7
“ኦ እግዚኣብሄር! ህይወተይ እስትንፋስ ከም ዝኾነ ዘክር፤ ኣዒንተይውን መሊሰን ፅቡቕ ነገር ኣይሪኣን እየን።
8
ዝሪአኒ ዘሎ ዓይኒ ሰብ መሊሱ ኣይሪአንን እዩ፤ ኣዒንትኻ ኣባይ ይኾና፤ ኣነ ግና ኣይርከብን።
9
ደመና ተበቲኑ ኸም ዝጠፍእ፥ ከምኡ ናብ መቓብር ዝወርድ ሰብ መሊሱ ኣይወፅእን እዩ።
10
ናብ ቤቱ ኸቶ ኣይምለስን፤ ቦታኡውን መሊሱ ኣየለልዮን።
11
ስለዙይ ኣፈይ ኣይክልክልን እየ፤ መንፈሰይ ስለ ዝተሃወኸ ኽዛረብ እየ፤ ንነፍሰይ ስለ ዝመረራውን ክቝዝም እየ።
12
ስለ ምንታይ ሓላዊ ትገብረለይ? ኣነዶ ባሕሪ ወይ ዓሳ ኣንበሪ እየ?
13
‘መንፀፈይ ከፀናንዐኒ፥ ምድቃሰይውን ሓዘነይ ከቕልለለይ እዩ’ እንተ በልኩ፥
14
ሽዑ ንስኻ ብሕልሚ ተፈራርሐኒ፤ ብራእይውን ተደንግፀኒ፤
15
ከምዙይ ኢልካ ኻብ ምንባር፥ ነፍሰይ፥ ተሓኒቕካ ሙማት መረፀት።
16
ንህይወተይ ነዓቕክዋ፤ ንዘለኣለም ክነብር ኣይደልን፤ ዘመን ህይወተይ ከም ትንፋስ እዩ እሞ፥ ሕደገኒ።
17
“ንኽተኽብሮ ልብኻውን ንኽትህቦ፥ ሰብ እንታይ እዩ?
18
በብፅባሕ እትቋመቶ፥ በብቕፅበትውን እትፈታተኖስ፥ ሰብ እንታይ እዩ?
19
ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትሓድገኒ? ምራቐይ ክሳዕ ዝውሕጥ ዘይትሓድገኒኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ?
20
ኣታ ንሰብ እትከታተል፥ በዲለ እንተ ኾይነስ፥ እንታይ ክገብረልካ? ስለ ምንታይ ኢኻ ዒላማኻ ዝገበርካኒ? ስለ ምንታይ ኣነ ሸኽሚ ኾንኩኻ?
21
ስለ ምንታይከ ኢኻ በደለይ ይቕረ ዘይትብለለይ? ሓጥያተይከ ንምንታይ ዘይትሓድገለይ? ኣነስ ሕዚ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ኽድቅስ እየ እሞ፥ ንግሆ ኽትደልየኒ ኢኻ፤ ግና ኣይትረኽበንን።”
← Chapter 6
Chapter 8 →