bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Job 5
Job 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ሕዚ እውን ፀውዕ፥ ዝምልሰልካ ኣሎዶ? ካብ ቅዱሳንከ ናብ ኣየንኦም ግልፅ ክትብል ኢኻ?
2
ንሰነፍ ሰብ፥ ቍጥዓ ይቐትሎ፤ ንሰነፍ ከዓ ቕንኣት የጥፍኦ።
3
ሰነፍ ሰብ ሱር ሰዲዱ ረአኽዎ፤ ብድንገትውን ንቤቱ ረገምክዋ።
4
ደቁ ኻብ ድሕነት ርሒቖም እዮም፤ ኣብ ውሽጢ በሪ ተረጊፆም፥ ዘናግፎምውን የለን።
5
ነቲ ዝኣከቦውን ዝጠመየ ይበልዖ፤ እኳ ደኣ ኻብ ውሽጢ ዕሾኽ የውፅኦ፤ ዝፀምአ ነቲ ሃብቶም ይውሕጦ።
6
መከራ ኻብ ሓመድ ኣይመፅእን እዩሞ፥ ሽግርውን ካብ ምድሪ ኣይበቍልን።
7
ናይ ኣሞራ ጫቚታት ንላዕሊ እናነፈሩ ልዕል ከም ዝብሉ፥ ከምኡውን ሰብ ንመከራ እዩ ዝውለድ።”
8
“ኣነ ግና ንእግዚኣብሄር ምለመንኩ፤ ነገረይውን ናብ እግዚኣብሄር መቕረብኩ።
9
ንሱ ዘይምርመር ዓብዪ ነገርን፥ ዘይቝፀር ተኣምራትን ይገብር።
10
ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝናም የዝንም፤ ኣብ ልዕሊ ገራሁውን ማይ ይልእኽ።
11
ንዝተዋረዱ ናብ ላዕሊ የደይቦም፤ ንሕዙናት ንድሕነት ልዕል ልዕል የብሎም።
12
ነቲ ዝመኸርዎ፥ ኣእዳዎም ከይፍፅሞ፥ ንሓሳብ ተንኰለኛታት ከንቱ ይገብሮ።
13
ንጠቢባን ብተንኰሎም ይሕዞም፤ ንምኽሪ ጠዋያት ድማ ይብትኖ።
14
ብፀሓይ፥ ቀትሪ ይፅልምቶም፤ ብቐትሩ ድማ ኸም ብለይቲ ሃሰስ ይብሉ።
15
ንምስኪን ካብ ሰይፊ ኣፎም፥ ካብ ኢድ ሓያልውን የድሕኖም።
16
ስለዙይ ነቲ ምስኪን ተስፋ ኣለዎ፤ ክፍኣትውን ኣፋ ኽትዓፁ እያ።”
17
“እንሆ፥ እቲ እግዚኣብሄር ዝግስፆ ሰብስ ብፁእ እዩ፤ ስለዙይ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ተግሳፅ ኣይትንዓቕ።
18
ንሱ ይሰብር፤ ይፅግንውን፤ የቝስል፤ ኣእዳዉ ኸዓ ይፍውሱ።
19
ካብ ሽዱሽተ ኽፉእ ነገር ከድሕነካ እዩ፤ ኣብ መበል ሻውዓይ ግና ኽፉእ ኣይነኽአካን እዩ።
20
ብዘመን ጥሜት ካብ ሞት፥ ብጊዜ ውግእ ካብ ሰይፊ፥ ከድሕነካ እዩ።
21
ካብ ጭጕራፍ መልሓስ ክትስወር ኢኻ፤ ጥፍኣት ክመፅእ እንተሎ፥ ኣይትፈርሕን ኢኻ።
22
ኣብ ልዕሊ ጥፍኣትን ጥሜትን ክትስሕቕ፥ ካብ ኣራዊት ምድሪ እውን ኣይትፈርሕን።
23
ቃል ኪዳንካ ምስ ኣእማን በረኻ ክኸውን እዩሞ፥ ምስ ኣራዊት በረኻ ብሰላም ክትነብር ኢኻ።
24
ድንኳንካውን ብሰላም ከም ዘሎ ኽትፈልጥ ኢኻ፤ ንደምበኻ ክትምልከቶ ኢኻ፤ ሓደኳ ኣይጐድለካን።
25
ዘርእኻውን ዓብዪ ኸም ዝኸውን፥ ትውልድኻ ድማ፥ ከም ሳዕሪ ምድሪ ኸም ዝኸውን ክትፈልጥ ኢኻ።
26
ኵልሱስ እኽሊ ብጊዜኡ ኸም ዝኣቱ፥ ዕድመ ፀጊብካ ኽትቅበር ኢኻ።”
27
“እንሆ ነዙይ መርመርና፤ ዝሰማዕናዮውን እዙይ እዩ፤ ንስኻ ግና ዝኾነ ሰሪሕኻ እንተ ዄንካ ንባዕልኻ ፍለጦ።”
← Chapter 4
Chapter 6 →