bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Job 10
Job 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ነፍሰይ ንህይወተይ ሰልከየታ፤ ስለዙይ ጥርዓነይ ብቝዘማ ኸስምዕ እየ፤ ብምረት ነፍሰይ ድማ ኽዛረብ እየ።
2
ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ክብሎ እየ፤ ኣይትፍረደኒ፤ ብምንታይ ትዅንነኒ ኸም ዘለኻ ንገረኒ።
3
ክተጨንቕን፥ ንስራሕ ኢድካኸ ክትንዕቕን፥ ንምኽሪ ኽፉኣት ሰባት ክተብርህስ፥ ብኣኻ ፅቡቕ ድዩ?
4
ዓይንኻ ኸም ዓይኒ ሰብ ድዩ? ወይ ከም ኣረኣእያ ሰብ ዲኻ እትርኢ?
5
መዓልቲታትካ ኸም መዓልቲታት ሰብ ድየን? ዓመታትካኸ ኸም ዓመታት ወዲ ሰብ ድየን?
6
ስለ ምንታይ ደኣ ሓጢኣተይ እትምርምር? ብበደለይ ከዓ እትከታተለኒ ዘለኻ?
7
ኣብ ልዕሊ እዙይውን በዳሊ ኸም ዘይኮንኩ፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ፤ ካብ ኢድካ ዘናግፍ ከም ዘየለውን ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።”
8
“ኣእዳውካ ቐረፃኒ፤ ሰርሓኒውን፤ ሕዚ ግና ኽተጥፍአኒ ትደሊ ኣለኻ።
9
ከም ጭቃ ኸም ዝለወስካኒ ዘክር፤ ሕዚ ደኣ ስለ ምንታይ፥ ናብ ሓመድ ክትመልሰኒ ትደሊ ኣለኻ?
10
ከም ፀባዶ ኣየፍሰስካንን? ከም ርግኦስ ኣየርጋእኻንን ዲኻ?
11
ቈርበትን ስጋን ኸደንካኒ፤ ብዓፅምን ጅማትን ኣገጣጠምካኒ።
12
ህይወት ሃብካኒ፤ ሕያዋይነትካ ድማ ኣርአኻኒ፤ ምክንኻንካ ንመንፈሰይ ሓለዎ።
13
ነዞም ነገራት እዚኣቶም ኣብ ውሽጢ ልብኻ ሓባእኻ፤ ሓሳብካ እዙይ ከም ዝነበረ ፈሊጠ ኣለኹ።
14
ሓጢኣት እንተ ገበርኩ ንስኻ ትምልከተኒ፤ ካብ ሓጢኣተይውን ንፁህ ኣይትገብረንን።
15
ሓጥእ እንተ ኾንኩ ወይለይ! ፃድቕ እንተ ኾንኩውን ርእሰይ ከቕንዕ ኣይክእልን፤ ውርደት ተመላእኹ፤ መከራይውን እርኢ ኣለኹ።
16
ርእሰይ ልዕል እንተ ዘብል ድማ፥ ከም ኣንበሳ ምሃደንካኒ፤ መሊስካ ኣብ ልዕለይ ነቲ ዘደንቕ ሓይልኻ መርአኻ።
17
ኣብ ልዕለይ ሓደስቲ መሰኻኽር መቖምካለይ፥ ንቝጥዓኻ ኣብ ልዕለይ መብዛሕኻዮ፤ ጭፍራ ኣብ ልዕሊ ጭፍራ ምወሰኽካለይ።”
18
“ንምንታይ ደኣ ኻብ ማህፀን ኣውፃእኻኒ? ኣበይሞ ዓይኒ እንተይረአየኒ ሞይተ እንተ ዝኸውን!
19
ከም ዘይነበረ ምኾንኩ፤ ካብ ማህፀንውን ናብ መቓብር ምተወሰድኩ ነይረ።
20
መዓልቲታት ህይወተይ ውሑዳትዶ ኣይኮናን?
21
ስለዙይ ናብታ ዘይምለሰላ ቦታ ቕድሚ ምኻደይ፥ ናብ ምድሪ ፀልማትን ፅላል ሞትን፥
22
ከም ፀልማት ናብ ዝፀልመተት፥ ስርዓት ናብ ዘይብላ ናብ ፅላል ሞት፥ ብርሃና ከም ፀልማት ናብ ዝኾነ ምድሪ እንተይከድኩ፥ ቍሩብ ምእንቲ ደስ ክብለኒ ሕደገኒ።”
← Chapter 9
Chapter 11 →