bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Jeremiah 9
Jeremiah 9
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ነቶም ተወጊኦም ዝሞቱ ደቂ ጓል ህዝበይ፥ ለይትን መዓልትን ክበክስ፥ ርእሰይ ዒላ ማይ፥ ኣዒንተይ ድማ፥ ፈልፋሊ ንብዓት ኮይኑ እንተ ዝኸውን መን ምሃበኒ!
2
ህዝበይ ኵላቶም ዘመውትን፥ ጉባኤ ጠለምትን ኮይኖም እዮም እሞ፥ ንህዝበይ ክሓድጎም፥ ካብኣቶምውን ንኽፍለስ ኣብ ምድረ በዳ መሕደሪ ኣጋይሽ መን ምሃበኒ!
3
ንሳቶም ንልሳኖም ከም ቀስቲ ገይሮም፥ ሓሰት ይግትሩ ኣለዉ፤ ኣብ ምድሪ ብሓሰት በርትዑ፥ ግና ንሓቂ ኣይኮነን። ካብ ክፍኣት ናብ ክፍኣት ይኸዱ ኣለዉ፤ ንኣይ ኣይፈለጡንን እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
4
ነፍሲ ወከፍ ሓው፥ መታለሊ፥ ነፍሲ ወከፍ ብፃይ ድማ፥ ሓማዪ እዩ እሞ፥ ነፍሲ ወከፍ ካብ ዓርኩ ይጠንቀቕ፤ ንሓዉ እውን ኣይእመኖ።
5
እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የዐሽዎ፤ ሓቂ ዝዛረብ ከዓ የለን፤ ንመልሓሶም ሓሰት ምዝራብ የልምድዎ፤ ሓጢኣት ንምግባርውን ይደኽሙ።
6
እትነብረሉ ዘለኻ ኣብ ማእኸል ጥበራ እዩ፤ ብሰንኪ ጥበራኦም ድማ፥ ክፈልጡኒ ኣይደለዩን፤ ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ህዝበይ ኣነ ኣምላኾም ምዃነይ፥ ኣይፈልጡን እዮም” ይብል ኣሎ።
7
ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኽዅልዖምን ክፍትኖምን እየ፤ ስለ ኽፍኣት ጓል ህዝበይ፥ ካብዙይ ዝበለ እንታይ ክገብር እኽእል?
8
ልሳኖም ዝተስሓለ ፍላፃ እዩ፤ ሓሰትውን ይዛረብ፤ ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩ ብኣፉ ሰላም ይዛረቦ፤ ብልቡ ግና ይፀናተዎ።
9
በዝ ነገር እዙይዶ ኽቐፅዖም ኣይግብአንን እዩ? ነፍሰይከ ኣብ ልዕሊ ኸምዙይ ዝበለ ህዝቢ፥ ክትብቀልዶ ኣይግባእን? ይብል እግዚኣብሄር።”
10
“ንእምባታት ብኽያት፥ ነቲ መውፈሪ ምድረ በዳውን፥ ዋይ ዋይ ምባል ከልዕል እየ፤ ሰብ ከይሓልፉሎም ብሓዊ ነዲዶም እዮምሞ፥ ክቝዝመሎም እየ፤ ኣብኡ ድምፂ ኸፍቲ ኣይስማዕን፤ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እንስሳ ዘገዳምውን ሃዲሞም ከዱ።”
11
እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ንኢየሩሳሌም መዀመሪ ፍርስራስ እምንን፥ ሰፈር ወኻሩን ክገብራ፥ ንኸተማታት ይሁዳ ኸዓ፥ ሓደ እኳ ዘይነብረለን ዑናታት ክገብረን እየ” ይብል ኣሎ።
12
ኣነ ድማ “እታ ሃገር፥ ሓደ እኳ ብኣኣ ዝሓልፍ ዘየለ ኾይና፥ ከም ምድረ በዳ ነዲዳ ዝጠፍአትስ ስለ ምንታይ እዩ? እቲ ነዙይ ዘስተውዕሎ ጥበበኛኸ መን እዩ? ነዙይ ክገልፆኸ ኣፍ እግዚኣብሄር ንመን ተዛረበ?” በልኩ።
13
እግዚኣብሄር ከዓ ኸምዙይ ይብል፦ “እዝ ዅሉ ዝኾነ፥ ነቲ ኣብ ቅድሚኣቶም ዘንበርክዎ ሕገይ ሓደጉ። ቃለይ ኣይሰምዑን ብእኡውን ኣይተመላለሱን።
14
እኳ ደኣ ብትሪ ልቦም ከምቲ ኣቦታቶም ዝመሃርዎም በዓል ንዝብሃል ጣዖት ተኸተሉ።
15
ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣነ ነዝ ህዝቢ እዙይ ዕረ ኸብልዖ፥ መሪር ማይውን ከስትዮ እየ።
16
ኣብ ማእኸል እቶም ንሳቶም ኮኑ ኣቦታቶም ዘይፈልጥዎም ህዝብታት ፋሕ ከብሎም፥ ክሳዕ ዝውድኡ ድማ ሰይፊ ደድሕሪኣቶም ክሰደሎም እየ።”
17
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “በኸይቲ ኣንስቲ ኽመፃ ፀውዑ፤ ንኽመፃ ናብተን ብልሓተኛታት ኣንስቲ እውን ለኣኹለን።”
18
“ኣዒንትና ንብዓት ክቛፅር፥ ቅርንብ ዓይንናውን ማይ ከውሕጅ፥ ቀልጢፈን የልቅሳልና” በሉ።
19
“ኣታ ኽንደይ ተዘመትና! ንኣባይትናውን ኣፍሪሶምዎ እዮም እሞ፥ ምድርናውን ሓዲግና ኢናሞ፥ ውርደትናኸ ኽንደይ ዓብዪ እዩ!” ዝብል ድምፂ ቝዘማ ኻብ ፅዮን ይስማዕ ኣሎ።
20
“ኣትን ኣንስቲ፥ ንቓል እግዚኣብሄር ስምዓ፤ ኣእዛንክን ድማ ቓል ኣፉ ይቀበል፤ ነዋልድክን ኣውያት ኣልምዳአን፤ ንስንሳትክን ከዓ ቝዘማ ተመሃሃራ።
21
ሞት ንቘልዑ ኻብ መንገድታት ከጥፍእ፥ ነጕባዝ ድማ ኻብ ኣደባባያት ከፅንት ብመሳዅትና ደዪቡ፥ ናብ ኣዳራሻትናውን ኣትዩ እዩ።
22
ሬሳታት እቶም ሰባት፥ ከምቲ ደድሕሪ ዓፃዲ ዝእክቦ ዘይብሉ ቐሪምን፥ ከም ኣብ ግራት ዝወደቐ ድዅዕን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
23
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ጥበበኛ ብጥበቡ ኣይመካሕ፤ ሓያልውን ብሓይሉ ኣይመካሕ፤ ሃብታምውን ብሃብቱ ኣይመካሕ።
24
ዝምካሕስ፥ ኣነ ኣብ ምድሪ ምሕረትን ፍርድን ፅድቅን ዝገብር እግዚኣብሄር ምዃነይ፥ ብምስትውዓሉን ብምፍላጡን ደኣ ይመካሕ፤ ንኣይ ደስ ዘብሉ እዚኣቶም እዮምሞ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
25
“ኵላቶም ኣህዛብ ኣይተገርዙን፤ ኵሎም ቤት እስራኤልውን ልቦም ኣይተገርዘን እዩሞ፥ እንሆ ንዅሎም ግሩዛት ንግብፅን ይሁዳን ኤዶምያስን ኣሞንን ሞኣብን፥ ነቶም ፀጕሮም ወሰና ወሰን ዝላፅዩ፥ ኣብ ምድረ በዳ ዝነብሩ ዅላቶምን፥ ብዘይ ምግራዞም ዝቐፅዐለን መዓልቲታት ይመፃ ኣለዋ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
← Chapter 8
Chapter 10 →