bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Jeremiah 6
Jeremiah 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣቱም ደቂ ብንያም፥ መዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ካብ ሰሜን ይመፅእ ኣሎ እሞ፥ ካብ ማእኸል ኢየሩሳሌም ህደሙ፤ ኣብ ቴቁሔ መለኸት ንፍሑ፤ ኣብ ርእሲ ቤት ሃካሪም ምልክት ኣልዕሉ።
2
ነዛ ፅብቕትን ሕንቅቕትን ጓል ፅዮን ከጥፍኣ እየ።
3
ጓሶት ምስ መጓሰታቶም ናብኣ ይመፁ። ድንኳናቶም ከዓ ኣብ ዙርያኣ ይተኽሉ፤ ነፍሲ ወከፍ በብወገኖም ድማ ኣብኣ መጓሰኦም የዋፍሩ።
4
“ክትዋግእዋ ተዓጠቑ፤ ተስኡ ቐትሪ እንተሎ ንውፃእ፥ ምድሪ መስዩ እዩ፤ ፅላሎት ምሸት ከዓ ነዊሑ እዩሞ ወይለና።
5
ተስኡ ብለይቲ ንውፃእ፤ ነዳራሻታታውን ነፍርሶ።”
6
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣእዋማ ቝረፁ፤ ንኢየሩሳሌም ከዓ ብቕፅሪ ኽበብዋ። ብዅሉ ወገና ዓመፅን ግፍዕን ኣለዋ እሞ፥ እትቕፃዕ ከተማ እያ።
7
ዒላ፥ ማይ ከም ዘፈልፍል፥ ከምኡ ኸዓ ኽፍኣት ተፈልፍል ኣላ። ኣብኣ ዓመፅን ጥፍኣትን ይስማዕ ኣሎ፤ ሕማምን ቍስልን ኵልሻዕ ኣብ ቅድመይ እዩ።
8
ኦ ኢየሩሳሌም፥ ኣነ ኸይሓድገክን፥ ሰብ ዘይብላ ምድረ በዳውን ኸይገብረክስ ተግሳፅ ተቐበሊ።”
9
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰብ ወይኑ ኸም ዝቕርም ከምኡ፥ ነቶም ተረፍ እስራኤል ክቕርምዎም እዮም፤ ከምቲ ኣራዪ ዘቢብ ኣብ ሃረግ ዝገብሮ መመሊስካ ኢድካ ዘርግሕ።”
10
ኣነ ኸዓ “እንሆ እዝኖም ዘይተገረዘ፥ ክሰምዑ ዘይኽእሉ እዮም። ንቓል እግዚኣብሄር ከም ነውሪ ስለ ዝቘፀርዎ፥ ደስ ኣየብሎምን እዩ። እሞኸ ደኣ ምእንቲ ኽሰምዑስ ንመን እየ ዝዛረብ? ንመንከ እየ ዘጠንቅቕ?
11
ስለዙይ ብቝጥዓ እግዚኣብሄር ተመሊአ ኣለኹ፤ ክዕገስ ድማ ኣይክእልን። ኣብ ሜዳ ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ኣብቶም መናእሰይ ባይቶን ኣሕቢርካ ኣፍስሶ፤ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ኽውሰዱ እዮም፤ ኣረጋውያንውን ምስ ጐበዝ ክተሓዙ እዮምሞ።
12
ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ኢደይ ክዝርግሕ እየሞ፥ ኣባይቶም፥ ገራሁኦምን ኣንስቶምን ብሓባር ንኻልኦት ክኾኑ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
13
ካብ ኣናእሽቶም ክሳዕ ዓበይቶም፥ ኵላቶም ስሰዐ ዝሓስቡ እዮም። ካብ ነቢይ ጀሚሩ ኽሳዕ ካህን ብተንኰል ይሰርሑ።
14
ሰላም ዘየለስ፥ ሰላምዩ እናበሉ፥ ንመውቃዕቲ ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለዉ።
15
ርኽሰት ስለ ዝገበሩዶኸ ኽሓፍሩ እዮም? ምንም ኣይሓፍሩን፤ ሓፍረት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን እዮም። ስለዙይ ምስቶም ዝወድቁ ኽወድቁ፥ ምስ ቀፃዕኹዎም ከዓ ፃሕ ኢሎም ክወድቁ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
16
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ጐደና ደው ኢልኩም ተመልከቱ፤ እቲ ጥንታዊ መንገድታት፥ እቲ ፅቡቕ ጐደና ኣየናይ ምዃኑ ጠይቑ እሞ፥ ብእኡ ተመላለሱ፤ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።” ንሳቶም ግና “ኣይንመላለሰሉን” ኢና በሉ።
17
ድምፂ መለኸት ስምዑ ኢለ ሓለውቲ ሸምኩልኩም፤ ንሳቶም ግና “ኣይንሰምዕን” በሉ።
18
“ኣቱም ኣህዛብ ስምዑ፤ ኣቱም ማሕበር፥ እቲ ዝመፆም ዘሎ ፍለጡ።
19
ኣቲ ምድሪ ስምዒ፤ ኣብ ቃላተይ ኣየድሃቡን፤ ንሕገይ ከዓ ደርብዮምዎ እዮምሞ፥ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም መዓት ከውርደሎም እየ፤ እዙይ ከዓ ፍረ ሓሳቦም እዩ።
20
ስለ ምንታይ ዕጣን ካብ ሳባ፥ ምዑዝ ቃንጫ ድማ ኻብ ርሑቕ ሃገር እተቕርቡለይ? ዝቃፀል መስዋእትኹም ደስ ኣየብለንን እዩ፤ እቲ ኻልእ መስዋእትኹምውን ኣየብህገንን እዩ።
21
ስለዙይ፥ እንሆ፥ ኣብ ቅድሚ እዝ ህዝቢ እዙይ መዐንቀፊ እምኒ አንብር ኣለኹ፤ ኣብኡ ኸዓ ኣቦታትን ውሉድን ሓቢሮም ክዕንቀፉ፥ ጐረቤትን ዓርኩን ሓቢሮም ክጠፍኡ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
22
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ህዝቢ ኻብ ሃገር ሰሜን ይመፁ፤ ካብ ወሰን ምድሪ ድማ ዓብዪ ህዝቢ ይለዓል።
23
ቀስትን ኲናትን ዝሓዙ፥ ጨካናት፥ ምሕረትውን ዘይብሎም እዮም። ድምፆም ከም ባሕሪ ይሃምም፤ ኣብ ልዕሊ ኣፍራስውን ይቕመጡ። ኣቲ ጓል ፅዮን፥ ንሰልፊ ኸም ዝተዳለወ ሰብ ክዋግኡኺ ተዳልዮም ኣለዉ።”
24
“ወረኦም ሰማዕና፤ ኢድና ደኺማ ኣላ። ሕርሲ ኸም ዝሓዛ ወላድ ሰበይቲ ቕልውላው ጭንቂ ሓዘና።
25
ሰይፊ ፀላኢን፥ ፍርሓትን ኣብ ኵሉ ወገን ኣሎሞ፥ ናብ መይዳ ኣይትውፅኡ፤ ብመንገድታትውን ኣይትኺዱ።”
26
“ኣቲ ጓል ህዝበይ፥ እቲ መጥፍኢ ብድንገት ክመፀና እዩ እሞ ኸሊ ተኸደኒ፤ ኣብ ሓሙዅሽቲ ፈፈው በሊ፤ ንሓደ ወዳ ኸም እትሓዝን ሕዘኒ፤ መሪር ብኽያትውን ብኸዪ።
27
መንገዶም ምእንቲ ኽትፈልጥን ክትምርምሮምን ኣብ ማእኸል ህዝበይ ፈታኒ ገይረ ኣቖምኩኻ።
28
ኵላቶም የመና ዓመፀኛታት እዮም፤ ከም ነሃስን ሓፂንን ዝተረሩ ጠለምትን ከዳዓትን እዮም። ኵላቶም ሓሜት እናዘርኡ ይኸዱ፤ ነሃስን ሓፂንን እዮም፤ ብልሽዋት እዮም።
29
እቲ መናፍሕ ይነፍሕ፤ እቲ ዓረር ብሓዊ መኸኸ። እቶም ክፉኣት ካብ መንጎኣቶም ስለ ዘይተፈልዩ ኸዓ ንህዝበይ ምንፃህ ከንቱ እዩ።
30
እግዚኣብሄር ኣወጊድዎም እዩሞ ‘ዝተወገዱ ብሩር’ ኢሎም ክፅውዕዎም እዮም።”
← Chapter 5
Chapter 7 →