bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Jeremiah 52
Jeremiah 52
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ጐበዝ ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌምውን ዓሰርተ ሓደ ዓመት ነገሰ። እኖኡ ኣሚጣል እትብሃል ጓል ኤርሚያስ በዓል ሊብና ነበረት።
2
ሴዴቅያስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከምቲ ዅሉ ንጉስ ኢዮኣቄም ዝገበሮ ሓጢኣት ገበረ።
3
እግዚኣብሄር ከዓ የመና ስለ ዝተቘጥዐ፥ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ይሁዳን ዝነብሩን ህዝቢ፥ ካብ ቅድሚ ገፁ ምእንቲ ኽሰጎም፥ ሴዴቅያስ ኣብ ልዕሊ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዓመፀ።
4
ናቡከደነፆር ከዓ ሴዴቅያስ ምስ ነገሰ ኣብ ታሽዐይቲ ዓመቱ፤ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ዓስረይቲ ወርሒ፥ ሰራዊቱ ኣኽቲቱ ናብ ኢየሩሳሌም ዘመተ። ኣብ ዙርያኣ ድማ ሰፈሩ፤ ዕርድታት ሰሪሖም ከዓ ኸበብዋ።
5
እታ ኸተማ ኽሳዕ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት መንግስቲ ሴደቅያስ ተኸቢባ ነበረት።
6
ኣብ ታሽዐይቲ መዓልቲ ናይታ ራብዐይቲ ወርሒ፥ ኣብታ ኸተማ ጥሜት በርቲዑ ስለ ዝነበረ፥ ህዝቢ እታ ሃገር ዝበልዖ ሰኣነ።
7
ሽዑ እታ ኸተማ ጋሕ ኢላ ተኸፍተት። ባቢሎናውያን ነታ ኸተማ ኸቢቦምዋ እኳ እንተ ነበሩ፥ ኵላቶም እቶም ተዋጋእቱ ብለይቲ መሊቖም ወፁ፤ በቲ ኣብ ጥቓ ኣታኽልቲ ንጉስ ኣብ መንጎ ኽልተ መንደቕ ዘሎ ኣፍ ደገ ሓሊፎም ከዓ፥ ናብ ዓረባ ኣቢሎም ሃደሙ።
8
ሰራዊት ከለዳውያን ግና ነቲ ንጉስ ሰዓብዎ፤ ንሴዴቅያስ ድማ ኣብ ጐልጐል ኢያሪኮ ሓዝዎ። ሰራዊቱ ድማ ሓዲጎምዎ ፋሕ በሉ።
9
ንሴዴቅያስ ከዓ ናብ ንጉስ ባቢሎን ኣምፅእዎ። ናቡከደነፆር ሽዑ ኣብታ ኣብ ሃማት እትርከብ ሪብላ እትብሃል ከተማ ነበረ። ኣብኣ ኸዓ ንሴዴቅያስ ፈረዶ።
10
ንደቁ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሓረዶም፤ ንዅሎም ኣሕሉቕ ይሁዳ ኸዓ ኣብኣ ኣብ ሪብላ ቐተሎም።
11
ብድሕሪዙይ ንሴዴቅያስ ኣዒንቱ ኣንቈሮ፤ ብመቝሕ ነሃስ ኣሲሩ ድማ ናብ ባቢሎን ወሰዶ። ክሳዕ ዕለተ ሞቱ ኸዓ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣንበሮ።
12
ናቡከደነፆር ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ፥ ኣብ ዓሰርተ ትሽዓተ ዓመት ናይታ ሓምሸይቲ ወርሒ፥ ዓስረይቲ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ዝቐውምን፥ ኣዛዚ ሰራዊቱን ናቡዘረዳን ናብ ኢየሩሳሌም መፀ።
13
ንቤተ መቕደስን ቤተ መንግስትን ንዅለን ኣባይቲ ኢየሩሳሌምን ንዅለን ዓበይቲ ህንፃታት ብሓዊ ኣባርዐን።
14
እቲ ምስኡ ዝነበረ ሰራዊት ባቢሎን ከዓ፥ ንዅሉ እቲ ኣብ ዙርያ ኢየሩሳሌም ዝነበረ መንደቕ ኣፍረሶ።
15
ሽዑ ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት ባቢሎን፥ ንገሊኦም ካብቶም ድኻታት ህዝብን፥ ነቶም ኣብታ ኸተማ ተሪፎም ዝነበሩን፥ ምስቶም ቅድም ዓሚፆም፥ ምስ ንጉስ ባቢሎን ኣሻርዮም ዝነበሩን፥ ብሓባር ማሪኹ ንባቢሎን ወሰዶም።
16
ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት፥ ነቶም መሬት ዘይነበሮም፥ የመና ድኻታት እታ ሃገር እቲኣ፥ ተኸልቲ ወይንን ሓረስቶትን ክኾኑ ሓደጎም።
17
ባቢሎናውያን ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝነበረ፥ ብነሃስ ዝተሰርሐ ኣዕማድን ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ መቐመጢ ኣቑሑን፥ ብነሃስ ዝተሰርሐ ጋብላን ሰባበርዎ፤ ንዅሉ እቲ ነሃስ ከዓ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።
18
ከምኡውን ነቲ ድስትታትን መፅሓሪታትን ካራታትን ሒላባትን ፅዋዓትን፥ ንዅሉ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልግሉሉ ዝነበሩ ብነሃስ ዝተሰርሑ ኣቑሑን ብምሉኡ ወሰድዎ።
19
እቲ ኣዛዚ ዘብዐኛታት፥ ካብ ንፁህ ወርቅን ብሩርን ኵሉ ኣፃሕልን መፅሓሪታትን ሒላባትን ድስትታትን ቀዋሚ ቐንዲልን ፅንሃሃትን ፅዋዓትን፥ እዝ ኣዛዚ ሰራዊት ወሰዶ።
20
እቲ ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዘስርሖ ኽልተ ኣዕምድን፥ መቐመጢ ኣቑሑትን፥ ኣብ ዓሰርተ ኽልተ ምስሊ ኣብዑር ዝተቐመጠ ጋብላን፥ ዝተሰርሐሉ ነሃስ የመና ኸቢድ ስለ ዝነበረ ኽምዘን ኣይተኽኣለን።
21
እተን ኣዕምዲ ኽልቲአን ማዕረ ነበራ። ቁመተን ዓሰርተ ሸሞንተ እመት፥ ዙርያአን ዓሰርተ ኽልተ እመት ነበራ። ውሽጠን ጓንጓ እቲ ዝተሰርሐሉ ሓፂን ከዓ ምርጓዱ ኣርባዕተ ኣፃብዕቲ ነበረ።
22
ኣብ ልዕሊ ኽልቲአን ሓሓሙሽተ እመት ዝምንዋሑ ጕልላት ነበረን። እቲ ጕልላት ከዓ ብቕርፂ ዓይኒ ርግብን ሮማንን ዘጌፀ ነበረ፤ እቲ ኻልእ ዓምዲ እውን፥ ናይቲ ሮማን ጌፃጌፅ ወሲኽካ ምስዙይ ሓደ ዓይነት ነበረ፤ ኵሉ ኸዓ ኻብ ነሃስ ዝተሰርሐ ነበረ።
23
ኣብ ሓንቲ ዓምዲ ሚእቲ ሮማን ነበራ፤ እተን ሮማናት ብወፃኢ ተስዓን ሽዱሽተን ጥራሕ ይረአያ ነበራ።
24
ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት ባቢሎን፥ ነቲ ሊቀ ካህናት ዝነበረ ሰራያን፥ ነቲ ምኽትሉ ዝኾነ ኻህን ሶፎንያስን ነቶም፥ ሰለስተ ሓለውቲ በርን ወሰዶም።
25
ካብታ ኸተማ ኸዓ፥ ንሓደ ነቲ ኣዛዚ እቶም ተዋጋእቲ ዝነበረ ስሉብን፥ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ሸውዓተ መማኽርቲ ንጉስን፥ ነቲ ንህዝቢ እታ ሃገር፥ ንውግእ ዝምልምል ዝነበረ ፀሓፊ ናይቲ ኣዛዚ ሰራዊትን፥ ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ፥ ኣብታ ኸተማ ዝተረኽቡ ኻልኦት ስሳ ሰብኡትን ወሰደ።
26
ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት ነዚኣቶም ወሲዱ ናብታ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዝነበረላ ኸተማ ሪብላ ኣምፅኦም።
27
ንጉስ ባቢሎን ከዓ፥ ኣብታ ኣብ ሃማት ዘላ ኸተማ ሪብላ ወቒዑ ቐተሎም። በዝ ኸምዙይ ከዓ ይሁዳ ኻብ ሃገሩ ተማረኸ።
28
ናቡከደነፆር ማሪኹ ናይ ዝወሰዶ ቑፅሪ ህዝቢ እዙይ እዩ፦ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት መንግስቱ፥ ሰለስተ ሽሕን ዕስራን ሰለስተን ኣይሁድ ማረኸ።
29
ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት መንግስቱ፥ ሸሞንተ ሚእትን ሰላሳን ክልተን ሰብ ካብ ኢየሩሳሌም ማረኸ።
30
ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመት መንግስቱ፥ ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊቱ፥ ካብ ይሁዳ ሸውዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን ሰባት ማረኸ። ብምሉኦም እቶም ዝተማረኹ ኣርባዕተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ነበሩ።
31
ዮርማሮዴክ ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ፥ ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመቱ፥ ንኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ ምሕረት ገበረሉ፤ ካብ ቤት ማእሰርቲውን ኣውፅኦ። እዙይ፥ ኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ፥ ካብ ዝማረኽ ኣብ መበል ሰላሳን ሸውዓተን ዓመቱ፤ ኣብ መበል ዕስራን ሓሙሽተን መዓልቲ ናይታ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ ኾነ።
32
ኤዊል መሮዳክ ብፅቡቕ ረአዮ፤ ንመንበሩ ድማ ኻብ መንበር እቶም ምስኡ ተማሪኾም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ነገስታት ልዕል ኣበሎ።
33
ንኢኮንያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝኽደኖ ዝነበረ ኽዳን ለወጠሉ፤ ምሉእ ዕድሚኡ ኸዓ ኣብ ቅድሚኡ እንጀራ ይበልዕ ነበረ።
34
ንጉስ ባቢሎን ኵልሻዕ ንኢኮንያን እንተየቋረፀ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ ቐለቡ ይህቦ ነበረ።
← Chapter 51