bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Jeremiah 29
Jeremiah 29
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ነቢይ ኤርሚያስ ነቶም ብህይወት ዝነብሩ ሽማግለታትን፥ ነቶም ካህናትን ነቢያትን፥ ንዅሎም ነቶም ናቡከደነፆር ካብ ኢየሩሳሌም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ዝወሰዶም ህዝቢ፥ ዝለኣኸሎም ቃል መልእኽቲ እዙይ እዩ።
2
እዙይ ዝኾነ፥ ኢኮንያንን እኖኡ ንግስትን ናይ መንግስቲ ሰብ ስልጣንን ኣሕሉቕ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ሃነፅትን ሰራሕቲ ሓፂንን ካብ ኢየሩሳሌም ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ምስ ከዱ እዩ።
3
ነታ መልእኽቲ ብኢድ እቶም ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ናብ ባቢሎን ናብ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዝለኣኾም ኤልዓሳ ወዲ ሳፋንን ገማርያ ወዲ ኬልቅያስን ለኣኻ፤ እታ መልእኽቲውን ከምዙይ እትብል ነበረት፦
4
“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ንዅሎም ካብ ኢየሩሳሌም ዘማረኾም ምሩኻት ከምዙይ ይብል፦
5
‘ቤት ሰሪሕኹም ተቐመጡ፤ ኣታኽልቲ ተኺልኩም ፍረኡ ብልዑ።
6
ኣንስቲ ኣእቲኹም፥ ኣወዳትን ኣጓላትን ውለዱ፤ ነወዳትኩምን ነጓላትኩምን ከዓ ኣመረዓዕውዎም፤ ንሳቶምውን ኣወዳትን ኣጓላትን ይውለዱ። ቍፅርኹም ኣብቲ ዘለኹምዎ ምድሪ ይብዛሕ እምበር፥ ኣይውሓድ።
7
ንኣኣ ሰናይ እንተ ኾነላ፥ ንኣኻትኩምውን ሰናይ ክኾነልኩም እዩሞ፥ ተማሪኽኩም ንዝኸድኩምዋ ኸተማ፥ ሰላምን ሃብትን ተመነዩላ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ፀልዩላ።
8
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ብርግፅ ከምዙይ ይብል ኣሎሞ፥ በቶም ኣብ ማእኸልኩም ዝነብሩ ነቢያትን ጠንቈልትን ኣይትታለሉ፤ ነቲ እትሓልምዎ ሕልሚ ኣይትእመኑ።
9
ንሳቶም ብስመይ ሓሰት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እምበር፥ ኣነ ኣይለኣኽክዎምን፤ ይብል እግዚኣብሄር።’ ”
10
“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ድሕሪ ሰብዓ ዓመት ኣብ ባቢሎን ምንባርኩም፥ ናብዝ ስፍራ እዙይ ክመልሰኩም እየ’ ኢለ ዝኣተኹልኩም ሰናይ ቃለይ ክፍፅመልኩም እየ።
11
ንኣኻትኩም ዘለኒ ሓሳብ ኣነ እፈልጦ እየ፤ ሰናይ ፍፃመን ተስፋን ክህበኩም፥ ናይ ሰላም ሓሳብ እምበር፥ ናይ ክፉእ ሓሳብ ኣይኮነን።
12
ክትፅውዑኒ፥ መፂእኹም ድማ ናባይ ክትፅልዩ ኢኹምሞ፥ ኣነውን ክሰምዐኩም እየ።
13
ክትደልዩኒ ኢኹም፤ ብምሉእ ልብኹም እንተ ደሊኹምኒ ኸዓ ኽትረኽቡኒ ኢኹም።
14
ክርከበልኩም፥ ንምርኮኹም ከዓ ኽምልሶ እየ። ካብ ኵሎም እቶም ናብኣቶም ዝሰጐጕኩኹም ህዝብታትን ስፍራታትን ድማ ኽእክበኩም እየ፤ ናብታ ተማሪኽኩም ክትከዱ እንተለኹም ዝሓደግኩምዋ ምድሪ ኽመልሰኩም እየ።”
15
ንስኻትኩም “እግዚኣብሄር፥ ኣብ ባቢሎን ነቢያት ኣተሲኡልና ኣሎ” ትብሉ ኣለኹም።
16
እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቲ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝተቐመጠ ንጉስን፥ ብዛዕባ እቶም ምሳኻትኩም ተማሪኾም ዘይከዱ ኣሕዋትኩም፥ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝነብሩ ዘለዉ ዅሉ ህዝብን ከምዙይ ይብል፦
17
“እንሆ፥ ሰይፍን ጥሜትን መቕሰፍትን ክሰደሎም እየ፤ ከምቲ ኻብ ምብልሻዉ ዝተልዓለ ኽብላዕ ዘይከኣል ሕማቕ በለስ ክገብሮም እየ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
18
ብሰይፍን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክሰጎም፥ ኣብ ኵሎም መንግስታት ምድሪ ኸዓ ፋሕ ከብሎም እየ። ኣብ ኵሎም እቶም ኣነ ናብኣቶም ዝሰጐጕክዎም ህዝብታት ድማ፥ ንመራገምን ንመገረምን ንመላገፅን ንመፃረፍን ክኾኑ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።
19
እዝ ዝበፅሖም ዘሎ ኸዓ፥ ብኣገልገልተይ ነቢያት ገይረ እንተየቋረፅኩ ዝለኣኽኩሎም ቃለይ፥ ምስማዕ ስለ ዝኣበዩ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩምውን ኣይሰማዕኹምንን፤ ይብል እግዚኣብሄር።
20
እምበኣር ኣቱም ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ባቢሎን ዝሰደድኩኹም ምሩኻት፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።
21
“ብዛዕባ እዞም ብስመይ ሓሰት ዝንበዩልኩም ዘለዉ ኣክኣብ ወዲ ቆላያን ሴዴቅያስ ወዲ ማዓሴያን፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣነ ናብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፤ ንሱውን ዓይንኹም እናረአየ ኽቐትሎም እዩ።
22
እቶም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ዅላቶም ምሩኻት ይሁዳ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር! ከምቶም ንጉስ ባቢሎን ኣብ ሓዊ ዝጠበሶም ሴዴቅያስን ኣክኣብን ይግበርካ፤ ኢሎም ክራገሙ እዮም።
23
እዙይ ዝበፅሖም ኣብ እስራኤል ክፍኣት ስለ ዝገበሩ፥ ኣብ ኣንስቲ ብፆቶም ስለ ዝዘመዉ፥ ኣነ ዘይኣዘዝክዎም ቃል ሓሰትውን፥ ብስመይ ስለ ዝተዛረቡ እዩ። ነዙይ ከዓ ኣነ እየ ዝፈልጦ እሞ ምስክር እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
24
ንሸማያ በዓል ኔሔላማዊ ኸምዙይ ኢልካ ኽትነግሮ ኢኻ፤
25
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ፀብፃብ መልእኽቲ ብስምካ ፅሒፍካ፥ ንዅሉ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ህዝብን ናብ ሶፎንያስ፥ ወዲ መኣስያ እቲ ኻህንን፥ ናብ ኵሎም ካህናትን፥ ከምዙይ ኢልካ ልኢኽካ ኢኻ።
26
ንነፍሲ ወከፍ ኣእምሮኡ ንዝሰሓተሞ፥ ንዝንበ ሰብ ኣብ እግሩ ሞቕሕ፥ ኣብ ክሳዱ ሰንሰለት ክተእትወሉ፥ እግዚኣብሄር ክንዲ ካህን ዮዳሄ ገይሩ ሸመካ።
27
ስለ ምንታይ ደኣ፥ ነቲ ዝንበየልኩም ዘሎ ንኣና ኸዓ፥ “ ‘ነዊሕ ጊዜ ተሪፉ ኣሎ፤ ኣባይቲ ስርሑ እሞ ተቐመጡሉ፥ ኣታኽልቲ ትኸሉ እሞ ፍረኡ ብልዑ’ እናበለ፥ ናብ ባቢሎን ዝለኣኸልና ኤርሚያስ በዓል ኣናቶት፥ ከምኡ ዘይገሰፅካዮ?”
29
እቲ ኻህን ሶፎንያስ ከዓ፥ ነዛ ፀብፃብ ኣብ እዝኒ ነቢይ ኤርሚያስ ኣንበባ።
30
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናብ ኤርሚያስ መፀ፤
31
እዝ መልእኽቲ እዙይ ናብ ኵሎም እቶም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ምሩኻት ለኣኽ፦ ብዛዕባ ሸማያ በዓል ኔሔላም እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሸማያ፥ ኣነ ዘይለኣኽኩዎ ስለ ዝተነበየልኩም፥ ኣብ ሓሰትውን ክትእመኑ ስለ ዝገበረኩም፥
32
ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ክሕደት ተዛሪቡ እዩሞ፥ እንሆ፥ ንሸማያ በዓል ኔሔላምን ንዘርኡን ክቐፅዖም እየ። ኣብ ማእኸል እዝ ህዝቢ እዙይ ዝተርፍ ውሉድ ሓደ እኳ ኣይህልዎን እዩ። እቲ ኣነ ንህዝበይ ዝገብረሉ ሰናይ ድማ ኣይርእን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
← Chapter 28
Chapter 30 →