bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 8
Isaiah 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ “ዓብዪ ሰሌዳ ውሰድ፥ ኣብኡውን ‘ምርኮ ቐልጠፈ፤ ዘመተ ፈጠነ’ ኢልካ ብፊደል ሰብ ፀሓፍ።
2
ብዛዕባኡውን ነቶም እሙናት ሰባት፥ ንካህን ኦርዮን ንዘካርያስ ወዲ በራክዩን መሰኻኽር ግበረለይ” በለኒ።
3
ኣነ ኸዓ ናብታ ነቢዪት ቀረብኩ፤ ንሳውን ጠነሰት፤ ወዲ ኸዓ ወለደት።
4
ሽዑ እግዚኣብሄር “እቲ ህፃን ኣቦኡን እኖኡን ምፅዋዕ እንተይፈለጠ፥ ሃብቲ ደማስቆን ምርኮ ሰማርያን፥ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶር ክውሰድ እዩሞ፥ ‘ምርኮ ቐልጠፈ፤ ዘመተ ፈጠነ’ ኢልካ ስመዮ” በለኒ።
5
መሊሱ ኸዓ እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ተዛረበኒ፦
6
“እዝ ህዝቢ እዙይ ነቲ ብርግኣት ዝፈስስ ማይ ሰሊሆም ፀሊኡ፥ ረኣሶንን ወዲ ሮሜልዩን ፈትዩ እዩ እሞ፥
7
ምእንትዙይ እንሆ እግዚኣብሄር ነቲ ብርቱዕን ዓቢይን ፈለግ፥ ንሱ ኸዓ ንንጉስ ኣሶርን ምስ ኵሉ ኽብሩን፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ከምፅአሎም እዩ፤ ንሱውን ንዅሉ ደንደሱ ኽሓልፎን ኣብ ኵሉ ገማግሙ ኽውሕጅን እዩ።
8
ናብ ይሁዳ ኣዕለቕሊቑ ኽኣቱ፥ ካብ ልዕሊ ገማግሙ ወፂኡ እናሓለፈውን፥ ክሳዕ ክሳድ ክበፅሕ እዩ።” ኦ ኣማኑኤል ምዝርጋሕ ኣኽናፉ፥ ንስፍሓት ሃገርካ ክትመልእ እያ።
9
ኣቱም ህዝብታት፥ ፍለጡሞ ደንግፁ፤ ኣቱም ኣብ ርሑቕ ሃገር ዘለኹምውን ኣድምፁ፤ ንውግእ ተዓጠቑ ግና ደንግፁ፤ ተዓጠቑ ግና ደንግፁ።
10
ተመኻኸሩ ግና ምኽርኹም ክፍታሕ እዩ፤ ቃል ተዛረቡ፤ ግና እቲ ቓል ኣይፀንዕን፤ እግዚኣብሄር ምሳና እዩ እሞ።
11
እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድ፥ ከምዙይ ተናገረኒ፤ ብመንገዲ እዝ ህዝቢ እዙይ ከይከይድ ኣጠንቀቐኒ፤ ከምዙይ ድማ በለኒ፦
12
“እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ሻራ ኢሎም ንዝፅውዕዎ ዝኾነ ነገር ሻራ ኣይትበሉ፤ ነቲ ንሳቶም ዝፈርሕዎ፥ ኣይትፍርሕዎ፤ ብእኡውን ኣይትርዓዱ።
13
ግና ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ቀድስዎ፤ ዘፍርሐኩምን ዘደንግፀኩምን ንሱ ይኹን።
14
“ንሱ ንመቕደስ ክኸውን እዩ፤ ንኽልቲአን ቤት እስራኤል ግና እምኒ መዐንቀፍን መንደልሃፂ ዀዅሕን ክኸውን እዩ፤ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩውን፥ መድፈንን መፈንጠርን ክኾኖም እዩ።
15
ብዙሓት ብእኡ ኽዕንቀፉን፥ ክወድቑን፥ ክስበሩን ክፍንጠሩን፥ ክተሓዙን እዮም።”
16
ኣብ ማእኸል ደቀ መዛሙርተይ ምስክር እሰር፤ ሕግውን ሕተም።
17
ካብ ቤት ያእቆብ፥ ገፁ ንዝመለሰ እግዚኣብሄር እፅበ ኣለኹ፤ ብእኡውን ተስፋ እገብር ኣለኹ።
18
እንሆ፥ ኣነን እቶም እግዚኣብሄር ዝሃበኒ ደቅን፥ ኣብ እምባ ፅዮን ዝነብር ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንኣይን ነቶም ንሱ ዝሃበኒ ደቅን፥ ኣብ እስራኤል ምልክትን ተኣምራትን ኢና።
19
ንሳቶም፦ “ብሕሽዅሽዅን ብሰላሕላሕን ንዝዛረቡ ጠንቈልትን ኣስማተኛታትን ጠይቑ” እንተ በሉኹም፥ ንስኻትኩም “ህዝቢ ንኣምላኽዶ ኣይኮነን ዝጥይቕ? ወይ ከዓ ንህያዋን ኢሎም ንምዉታንዶ ይጥየቑ እዮም?” ኢልኩም መልሱሎም።
20
ናብ ሕጉን ናብ ምስክርነት ቃሉን ኪዱ፤ ንሳቶም ከምዙይ ዝበለ ቓል እንተ ዘይተዛሪቦም ብርሃን ወጋሕታ ኣይበርሀሎምን።
21
ንሳቶምውን ሸጊርዎምን ጠምይዎምን፥ ኣብታ ሃገር ከርተት ክብሉ እዮም። የመና ምስ ጠመዩ ድማ፥ ተቘጢዖም ንንጉሶምን ንኣምላኾምን ክረግሙ እዮም። ናብ ላዕሊውን ክጥምቱ እዮም።
22
ናብ ምድሪ ድማ ኽጥምቱ እዮም፤ ኣብኡውን መከራን ፀልማትን ዘሸብር ፅልግልግታን ኣሎ፤ ናብ ግብ ዝበለ ፀልማትውን ክስደዱ እዮም።
← Chapter 7
Chapter 9 →