bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 59
Isaiah 59
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እንሆ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ንምድሓን ሓፃር ኣይኮነትን፤ ከይሰምዕ ኸዓ እዝኑ ኣይፀመመትን እያ።
2
ግና በደልኩም ኣብ መንጎኹምን፥ ኣብ መንጎ ኣምላኽኩምን ፈልያ ኣላ፤ ከይሰምዐኩምውን ሓጢኣትኩም ንገፁ ኻባኻትኩም ሰወሮ።
3
ኣእዳውኩም ብደም፥ ኣፃብዕትኹም ብበደል ረኺሰን ኣለዋ፤ ከናፍርኩም ሓሰት ይዛረባ፥ ልሳንኩምውን ክፍኣት ይናገር ኣሎሞ።
4
ብፅድቂ ዝጠርዕ ሓደ እኳ የለን፤ ብሓቂ ዝፈርድ ሓደ እኳ የለን፤ ኣብ ከንቱነት ይእመኑ፤ ሓሰት ከዓ ይዛረቡ፤ ክፍኣት ይጠንሱ፤ ሓጢኣትውን ይወልዱ።
5
እንቍላሊሕ ገበል ይሓቝፉ፤ ዓለባ ሳሬት ከዓ ይኣልሙ፤ እቲ ኻብ እንቍላሊሖም ዝበልዕ ይመውት፤ እንተ ተሰበረውን መንደላይ ተመን ይወፅእ።
6
ፈትሎም ክዳን ኣይኸውንን፤ ብግብሮም ኣይሽፈኑን። ግብሮም ግብሪ ኽፍኣት እዩ፤ ኣብ ኣእዳዎም ድማ ግብሪ ዓመፃ ኣሎ።
7
ኣእጋሮም ናብ ክፍኣት ይጐያ፤ ንፁህ ደም ንምፍሳስ ይቕልጥፋ፤ ሓሳቦም ሓሳብ ክፍኣት እዩ፤ ጥፍኣትን ዕንወትን ድማ ኣብ መንገድታቶም ኣሎ።
8
ንመንገዲ ሰላም ኣይፈልጥዋን፤ ኣብ ኣካይዳኦም ፍርዲ የለን፤ ንመንገድታቶም ይጠዋውይዋ፤ እቲ ብኣኣ ዝኸይድ፥ ሰላም ኣይፈልጥን።
9
ስለዙይ ፍትሒ ኻባና ረሓቐ፤ ፅድቂውን ኣይረኸብናን። ብርሃን ብተስፋ ንፅበ፤ እንሆ ኸዓ ፀልማት ኮነ፤ ድሙቕ ብርሃን ንፅበ፤ ግና ብፀልማት ኢና እንመላለስ ዘለና።
10
ከም ዕዉራት ንመንደቕ ሃሰስ ንብሎ ኣለና፤ ከምቶም ዓይኒ ዘይብሎም ሃሰስ እናበልና ንኸይድ ኣለና፤ ቀትሪ እንተሎስ፥ ከም ብጊዜ ፅልግልግ፥ ደርገፍገፍ ንብል ኣለና። ምስ ምሉእ ሓይልና ኸም ምዉታት፥ ኣብ ፀልማት ስፍራ ኢና።
11
ኵላትና ኸም ድብታት ነእዊ፤ ከም ርግቢታትውን ንቝዝም ኣለና። ፍርዲ ብተስፋ ንፅበ ኔርና፤ ግና ንሱውን የለን፤ ድሕነት ተፀበና፤ ግና ንሱውን ኻባና ረሓቐ።
12
“በደልና ኣብ ቅድሜኻ ብዙሕ እዩሞ፥ ሓጢኣትና ድማ ይምስክረልና ኣሎ። በደልና ምሳና እዩ ዘሎሞ፥ ሓጢኣትና ንፈልጦ ኢና።
13
ካብ እግዚኣብሄር ከዳዕና፤ ከሓድናዮውን፤ ንኣምላኽና ኸይንስዕቦ ድማ ንድሕሪት በልና፤ ግፍዕን ዓመፅን ተዛረብና፤ ዘረባ ሓሰት ጠኒስና፥ ካብ ልብና ኣውፃእናዮ።
14
ስለዙይ ፍትሒ ንድሕሪት ተመለሰ፤ ፅድቂ ኸዓ ኣብ ርሑቕ ቆመ፤ ሓቂ ኣብ ኣደባባይ ወዲቑ እዩሞ፥ ቅንዕናውን ክኣቱ ኣይከኣለን።
15
ሓቂ ተስኣነ፤ እቲ ኻብ ክፍኣት ዝረሓቐ ሰብ ድማ ርእሱ ንዘመተ የቃልዕ። እግዚኣብሄር ነዙይ ረአየ፤ ቅንዕና ስለ ዘየለ ኸዓ ሓዘነ።”
16
ሓደ ሰብ እኳ ኸም ዘየለ ረአየ፤ ሓደ እኳ ዝማልድ ስለ ዝተስኣነ ተገረመ። ስለዙይ ቅልፅሙ ድሕነት ኣምፅአሉ፤ ናይ ባዕሉ ፅድቂ ድማ ሓገዞ።
17
ንፅድቂ ኸም ድርዒ ገይሩ ተኸደኖ፥ ንምድሓን ድማ ኸም ቍራዕ ርእሲ፥ ኣብ ርእሱ ደፍኦ። ክዳን ምፍዳይ ሕነ ተወንዘፈ፥ ንቕንዕና ድማ ኸም ባርኖስ ገይሩ ደረቦ።
18
ከከም ግብሮም ክፈድዮም እዩ፤ ቍጥዓ፥ ንተፃረርቱ፥ ፍዳ፥ ንፀላእቱ ኽፈድዮም እዩ፤ ንደሴታትውን ፍዳ ኽፈድዮም እዩ።
19
ኣብ ምዕራብ ዘለዉ ንስም እግዚኣብሄር፥ ኣብ ምብራቕ ዘለዉ ድማ ንኽብሩ ኽፈርሑ እዮም። ፀላኢ ኸም ውሕጅ እኳ እንተ መፀ፥ ንፋስ እግዚኣብሄር ክሰጎ እዩ።
20
ንፅዮንን፥ ነቶም ካብ ሓጢኣቶም ዝንስሑ ቤት ያእቆብን፥ ዘድሕን ክመፅእ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
21
ኣነስ ምስኣቶም ዘለኒ ኺዳን እዙይ እዩ ይብል እግዚኣብሄር፦ “እቲ ኣባኻ ዘሎ መንፈሰይ፥ እቲ ኣብ ኣፍካ ዘንበርኩዎ ቓለይ፥ ካብ ኣፍካ ወይ ካብ ኣፍ ደቅኻ ወይ ካብ ኣፍ ደቂ ደቅኻ፥ ካብ ሕዚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም ኣይፍለን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
← Chapter 58
Chapter 60 →