bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 49
Isaiah 49
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣትን ደሴታት ስምዓኒ፤ ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘለኹም ኣህዛብ፥ ፅን በሉ፤ ኣብ ማህፀን እንተለኹ እግዚኣብሄር ፀውዐኒ፤ ካብ ከርሲ እኖይ ጀሚሩ ስመይ ኣልዓለ።
2
ንኣፈይ ከም ዝተስሓለ ሰይፊ ገበሮ፤ ኣብ ፅላል ኢዱ ኸዓ ሓብአኒ፤ ከም ዝተስሓለ ፍላፃ ገበረኒ፤ ኣብ ሰገባኣውን ሓብአኒ፤
3
ንሱውን “ኣታ እስራኤል፥ ንስኻ ባርያይ ኢኻ፤ ብኣኻውን ክኸብር እየ” በለኒ።
4
ኣነ ግና “ብኸንቱ ፀዓርኩ፤ ጥቕሚ ንዘይብሉ ብኸምኡ ሓይለይ ወዳእኹ፤ ግና ፍርደይ ኣብ እግዚኣብሄር፥ ዓስበይውን ኣብ ኣምላኸይ እዩ” በልኩ።
5
ሕዚ ኣነ ብዓይኒ እግዚኣብሄር ከቢረ ኣለኹ፤ ኣምላኸይውን ሓይለይ ኮይኑኒ እዩ፤ ንያእቆብ ናብኡ ምእንቲ ኽመልሶ፥ ንእስራኤልውን ናብኡ ምእንቲ ኽእክብ፥ ባርያኡ ክኸውን፥ ካብ ማህፀን ጀሚሩ ዝሰርሐኒ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል፦
6
ንሱውን “ንነገድ ያእቆብ ንምትሳእ፥ ነቶም ዝድሕኑ እስራኤል ናባይ ንምምላስ፥ ባርያይ ምዃንካ ንኣኻ የመና ዝቐለለ እዩሞ፥ ምድሓነይ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምእንቲ ኽበፅሕ፥ ብርሃን ኣህዛብ ክገብረካ” እየ።
7
እግዚኣብሄር እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስን ተቤዛዊኡን፥ ነቲ ሰባት ዝነዓቕዎ፥ ህዝብታት ዝፀልእዎ ባርያ ገዛእቲ፥ ከምዙይ ይብል፦ “ስለ እቲ እሙን እግዚኣብሄርን፥ ስለ እቲ ዝመረፀካ ናይ እስራኤል ቅዱስን፥ ነገስታት ሪኦም ክትስኡልካ፥ መሳፍንቲ ድማ ሪኦም ክሰግዱልካ እዮም።”
8
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በታ ሕርይቲ ጊዜ ሰማዕኹኻ፤ ብመዓልቲ ምድሓን ከዓ ረዳእኩኻ፤ ክሕልወካውን እየ፤ ንምድሪ ኽተቕንዕ፥ ዝባደሙ ርስትታት ክተውርስ፥
9
ንእሱራት ውፁ፤ ነቶም ኣብ ፀልማት ዝተቐመጡ ድማ፥ ተገለፁ ንኽትብሎም፥ ቃል ኪዳን ገይረ፥ ንህዝቢ ሂበካ ኣለኹ። በብመንገዱ ኽዋፈሩ እዮም፤ ኣብ ዝባደማ፥ ሳዕሪ ኣብ ዘይብለን ኰረብታታትውን፥ መጓሰዪ ኽረኽቡ እዮም።
10
እቲ ዝርህርሀሎም ክመርሖም፥ ናብ ዓይኒ ማያት ከዓ ኽወስዶም እዩ እሞ፥ ኣይጠምዩን ኣይፀምኡን እዮም፤ ሃሩር ፀሓይውን ኣይጐድኦምን እዩ።”
11
“ንዅሎም እምባታተይ መንገዲ ኽገብሮም እየ፤ ጐደናታተይውን ልዕል ክብሉ እዮም።
12
እንሆ፥ እዚኣቶም ካብ ርሑቕ ይመፁ፤ እንሆ እዚኣቶም ካብ ሰሜንን ካብ ምዕራብን፥ እዚኣቶም ከዓ፥ ካብ ምድሪ ሲኒም ክመፁ እዮም።”
13
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣፀናኒዑ እዩሞ፥ ንዝተሸገሩውን ክርህርሀሎም እዩ እሞ፥ ኣቱም ሰማያት፥ ዘምሩ፤ ኣቲ ምድሪ እውን፥ ተሓጐሲ፤ ኣቱም እምባታት ድማ፥ ዕልል በሉ።
14
ፅዮን ግና፥ “እግዚኣብሄር ሓዲጉኒ፤ ጐይታ ኸዓ ረሲዑኒ እዩ” በለት።
15
“ብሓቂ እኖ ንተጥብዎ ውሉዳ ትርስዖዶ? ነቲ ኻብ ማህፀና ዝተወለደኸ ኣይትርህርሀሉንዶ? እወ፥ ንሳ ትርስዕ ትኸውን፤ ኣነ ግና ኣይርስዐክን እየ።
16
እንሆ፥ ኣብ ከብዲ ኢደይ ቀሪፀኪ ኣለኹ፤ ቅፅርታትኪ ድማ ዅልሻዕ ኣብ ቅድመይ እዮም።
17
ደቅኺ ቐልጢፎም ክመፁ እዮም፤ መፍረስትኽን መጥፋእትኽን ከዓ፥ ክወፁልኪ እዮም።
18
ዓይንኺ ቘላሕ ኣቢልኪ ዙርያኺ ጠምቲ፤ ኵሎም ተኣኻኺቦም ናባኺ ኽመፁ እዮም። ኣነ ህያው እየሞ፥ ንዅላቶም ከም ሽልማት ክትክደንዮም፥ ከም መርዓት ከዓ ኽትውንዘፍዮም ኢኺ” ይብል እግዚኣብሄር።
19
“ኣብቲ ዓንዩን ባዲሙን ዘሎ ቦታኽን፥ ኣብቲ ዝጠፍአ ምድርኽን፥ ካብቶም ዝነብሩልኪ ዝተልዓለ፥ ሎሚ ኽትፀብዮም ኢኺ፤ እቶም ዝወሓጡኺ ድማ ኽርሕቑ እዮም።
20
እቶም ናይ ወላድ መኻን ምስ ኮንኪ፥ ዝተወለዱልኪ ደቅኺ፥ እዝንኺ እናሰምዐ፥ ‘ስፍራ ፀቢቡና እዩ እሞ፥ እንነብረሉ ቦታ ሃብና’ ኽብሉኺ እዮም።
21
ሽዑ ብልብኺ ‘ኣነ ናይ ወላድ መኻን ኮይነ እየሞ፥ ኣነ በይነይ ምርኽትን ስጕጕትን ዝነበርኩስ፥ ነዚኣቶም መን ወለደለይ? ነዚኣቶምከ መን ኣዕበዮም? በይነይ እየ ተሪፈ ዝነበርኩ፤ እዚኣቶም ደኣ ኣበይ ነበሩ?’ ኽትብሊ ኢኺ።”
22
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ናብ ኣህዛብ ኢደይ ከልዕል እየ፤ ዕላማይውን ናብ ህዝብታት ከቕውም እየ፤ ንሳቶም ድማ ነወዳትኪ ሓቚፎም፥ ነዋልድኪውን ሓንጊሮም ከምፅኡልኪ እዮም።
23
ነገስታት ከም መዕበይቲ ኣቦታትኪ፥ እተጌታቶም ድማ መጕዚታትኪ ክኾኑ እዮም፤ ብግምባሮም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ክሰግዱልኪ፥ በነንታ እግርኺውን ክልሕሱ እዮም። ንስኺ ኸዓ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ፥ ክትፈልጢ ኢኺ፤ እቶም ንኣይ ተኣማሚኖም ዝፅበዩኒ ድማ ኣይሓፍሩን።”
24
“ካብ ኢድ ሓያል ተዋጋኢዶ፥ ዝተዘምተ ኽውሰድ ይከኣል እዩ? ካብ ኢድ ጨካንከ፥ ምሩኽ ከምልጥዶ ይከኣል?”
25
እግዚኣብሄር ግና ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምርኮ እቶም ሓያላት ክውሰዱ እዮም፤ ምሩኻት እቶም ጨካናት ከዓ ኸምልጡ እዮም። ንኣኺ ዝፃረሩ ኽፃረሮም እየ፤ ንደቅኺውን ከድሕኖም እየ።
26
እቶም ዘጨንቑኺ፥ ናይ ባዕልቶም ስጋ ኸም ዝበልዑ ኽገብሮም እየ፤ ወይኒ ሰቲኻ ኸም ዝስከር፥ ናይ ባዕልቶም ደም ሰትዮም ክሰኽሩ ኽገብሮም እየ። ኵሉ ሰብ ድማ፥ ኣነ እግዚኣብሄር መድሓኒኽን ተቤዛዊኽን፥ እቲ ሓያል ናይ ያእቆብ ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጥ እዩ።”
← Chapter 48
Chapter 50 →