bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 43
Isaiah 43
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሕዚ ግና ኦ ያእቆብ፥ እቲ ዝፈጠረካ፥ ኦ እስራኤል፥ እቲ ዝሰርሐካ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ተቤዚወካ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ብስምካ ፀዋዕኩኻ፤ ንስኻ ናተይ ኢኻ።
2
ብውሽጢ ማያት እንትትሓልፍ፥ ምሳኻ ክኸውን እየ፤ ብውሕጅ እንትትሳገር፥ ኣየስጥመካን እዩ፤ ብማእኸል ሓዊ እንተ ኸድካ ኸዓ፥ ኣየንድደካን እዩ፤ እቲ ነበልባሉውን ኣየቃፅለካን እዩ።
3
ኣነ ናይ እስራኤል ቅዱስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ መድሓኒኻ እየ። ንግብፂ ንኣኻ ቤዛ ገይረ፥ ንኢትዮጵያን ሳባን ክንዲ ኽንዳኻ ሃብኩ።”
4
“ኣብ ኣዒንተይ ብሉፅን ክቡርን ስለ ዝኾንካን፥ ስለ ዘፍቀርኩኻን፥ ክንዲ ኽንዳኻ ሰባት፥ ክንዲ ህይወትካ ድማ ህዝብታት ክህብ እየ።
5
ምሳኻ እየ እሞ ኣይትፍራሕ።” “ንዘርእኻ ኻብ ምብራቕ ከምፅኦም፥ ካብ ምዕራብ ከዓ ኽኣኻኽበካ እየ።
6
ንሰሜን ‘ኣምፅእ’፥ ንደቡብ ከዓ ‘ኣይትኽላእ’ ክብሎ እየ። ነወዳተይ ካብ ርሑቕ፥ ነዋልደይ ካብ ወሰን ምድሪ፥
7
ኵሉ እቲ ብስመይ ዝተፀውዐ፥ ንኽብረይ ዝፈጠርክዎን ዝሰራሕኹዎን ዝገበርኩዎን፥ ኣምፅእ” ክብሎ እየ።
8
“ነቶም ኣዒንቲ ዘለውዎም ዕዉራት ህዝቢ፥ ኣእዛን ዘለውዎም፥ ፀማማት ዝኾኑ ህዝቢ ኣውፅእ።
9
ኵሎም ኣህዛብ ብሓደ ይተኣከቡ፤ ህዝብታትውን ይተኣከቡ፤ ካብ ማእኸሎም ብዛዕባ እዝ ሕዚ ዝኸውን ዘሎ፥ ኣቐዲሙ ትንቢት ዝተዛረበ ኣየናይ እዩ? ሰብ ሰሚዑ ‘ሓቂ እዩ’ ምእንቲ ኽብልስ እስኪ ምስክሮም የቕርቡ፤ ሰሚዖምውን ‘ሓቂ እዩ’ ይበሉ።”
10
“ኦ እስራኤል፥ ኣምላኽኩም ኣነ በይነይ ከም ዝኾንኩ፥ ምእንቲ ኽተስተውዕሉን ክትፈልጡን ንስኻትኩም መሰኻኽረይን፥ ዝሓረኹኹም ባሮተይን ኢኹም፤ ይብል እግዚኣብሄር። ብዘይ ዘኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን፤ ድሕሪ ሕዚውን ኣይህሉን እዩ።”
11
“ኣነ፥ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ብዘይ ዘኣይ ዘድሕን የለን።
12
ኣነ እየ ዝነገርኩ፥ ዘድሓንኩ፥ ዘርአኹ፥ ካልእ ኣምላኽ ድማ፥ ኣብ ማእኸልኩም ኣይነበረን። ንስኻትኩም ከዓ መሰኻኽረይ ኢኹም፤ ኣነ ኣምላኽ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
13
ካብ ጥንቲ፥ እግዚኣብሄር ኣነ እየ፤ ካብ ኢደይ ከናግፍ ዝኽእልውን የለን፤ ነቲ ኣነ ዝገብሮ ክኽልክል ዝኽእልከ መን እዩ?”
14
ናይ እስራኤል ቅዱስ ተቤዛዊኹም እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምእንታኻትኩም ናብ ባቢሎን ልኢኸ እየ፤ በተን ዝምክሑለን መራኽብውን፥ ንዅሎም ባቢሎናውያን ሰጒጐ ኸህድሞም እየ።
15
እግዚኣብሄር፥ እቲ ቕዱስኩም፥ ናይ እስራኤል ፈጣሪ፥ ንጉስኩም ኣነ እየ።”
16
ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ጐደና፥ ኣብ ብርቱዕ ማያት ከዓ፥ መሰጋገሪ ዝገበረ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦
17
መሊሶም ከይትስኡ፥ ኵላቶም ብሓደ ኽወድቑ፥ ከም መብራህቲ ጥዋፍ ክጠፍኡ እዮም፤ ነቶም ሰረገላታትን ኣፍራስን ዝነበርዎም፥ ጀጋኑን ሰራዊትን ብሓደ ኽወፁ ዝገበረ፥ ከምዙይ ይብል፦
18
“ነቲ ቐደም ዝነበረ ኣይትዘክሩ፤ ነቲ ናይ ጥንቲ ኸዓ ኣይትሕሰቡ።
19
እንሆ፥ ሓድሽ ነገር ክገብር እየ፤ ንሱውን ሕዚ ኽበቍል እዩ፤ ንስኻትኩምውን ኣይትፈልጥዎን ዲኹም? መንገዲ ኣብ ምድረ በዳ፥ ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድሪ ኣፃምእ ክገብር እየ።
20
እቲ ዝሓረኽዎ ህዝበይ ምእንቲ ኽሰቲ፥ ማይ ኣብ ምድረ በዳ፥ ወሓይዝውን ኣብቲ ምድሪ ኣፃምእ ክህብ እየሞ፥ እንስሳ በረኻን፥ ወኻርያን ሰገንን ከዓ፥ ከኽብሩኒ እዮም።
21
እቲ ንኣይ ዝፈጠርክዎ ህዝቢ፥ ምስጋናይ ክናገር እዩ።”
22
“ያእቆብ ንስኻ ግና ኣይፀዋዕኻንን፤ ኣታ እስራኤል ብዛዕባይ ሸለል በልካ።
23
ንዝቃፀል መስዋእቲ በጊዕ ኣየቕረብካለይን፤ ብመስዋእትታትካ ድማ ኣየኽበርካንን። ኣነ ብእኽሊ ቝርባን ኣየሸገርኩኻን፤ ‘ዕጣን ኣቕርበለይ’ ኢለውን ኣየሰልከኹኻን።
24
ጥዑም መዓዛ ዘለዎ ዕጣን ቀረፋ፥ ብገንዘብ ኣይዓደግካለይን፤ ብስብሒ መስዋእትኻውን ኣየፅገብካንን። እኳ ደኣ ብሓጢኣትካ ሸኽሚ ኾንካኒ፤ ብበደልካ ድማ ኣድከምካኒ።
25
ኣነ፥ ኣነ እየ ስለ ርእሰይ ኢለ፥ ሓጢኣትካ ዝድምስስ፤ መሊሰ ኸዓ ሓጢኣትካ ኣይዝክርን።”
26
“ኣዘክረኒ እሞ ንስንሳትና ንማጐት፤ ክትፀድቕስ ጭብጥኻ ኣቕርብ።
27
እቲ ቐዳማይ ኣቦኻ ሓጢኣት ገበረ፤ መምህራንካ ድማ በደሉኒ።
28
ስለዙይ ንኣሕሉቕ ቤተ መቕደስካ ኣርከስክዎም፤ ንያእቆብ ንርግማን፥ ንእስራኤል ድማ ንፀርፊ ኣሕሊፈ ሃብክዎ።”
← Chapter 42
Chapter 44 →