bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 33
Isaiah 33
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣታ እንተይጠፋእኻ እተጥፍእ፥ ኣታ እንተይተጠለምካ እትጠልም ወይለኻ! ምጥፋእ ምስ ሓደግካ ኽትጠፍእ ኢኻ፤ ወንጀል ምስ ሓደግካ ኽትውንጀል ኢኻ።
2
ኦ እግዚኣብሄር፥ መሓረና፤ ንኣኻ ተስፋ ጌርና ኣለና። ኣብ ፀፅባሕ ቅልፅምና፥ ብጊዜ መከራ ኸዓ ምድሓን ኩነና።
3
ህዝብታት ካብ ድምፂ ዋዕዋዕታ ዝተልዓለ ሃደሙ፤ ብምትሳእኻውን ኣህዛብ ተበተኑ።
4
ኣንበጣ ኸም ዝእከብ፥ ዝዘመትኩምዎ ክእከብ እዩ፤ ኵብኵብታ ኸም ዝዘልል፥ ሰባት ክዘልሉ እዮም።
5
እግዚኣብሄር ኣብ ኣርያም ይነብር እዩሞ ልዕል ልዕል በለ፤ ንፅዮን ብፍትሕን ብፅድቅን መልኣ።
6
ኣብ ዘመናትካ ህድኣትን ብዝሒ ምድሓንን ፍልጠትን ጥበብን ክኸውን እዩ። ምፍራሕ እግዚኣብሄር ድማ መዝገቡ እዩ።
7
እንሆ፥ ጀጋኑኦም ኣብ ደገ የእውዩ ኣለዉ፤ እቶም ናይ ሰላም ልኡኻት ከዓ፥ ኣምሪሮም ይበኽዩ ኣለዉ።
8
ኣውራ መንገድታት ባደሙ፤ ሓላፊ መንገዲ ተስኣነ። ቃል ኪዳን ኣፍረሰ፤ ከተማታት ነዓቐ፤ ንሰብ ሓደ እኳ ኸም ሰብ ኣይረአዮን።
9
እታ ምድሪ በኸየት፤ መንመነት፤ ሊባኖስ ሓፈረትን ፀምለወትን፤ ሳሮን ከም ምድረ በዳ ኾነ፥ ባሳንን ቀርሜሎስን ድማ ቘፅሎም ረገፈ።
10
እግዚኣብሄር “ሕዚ ኽትስእ፥ ሕዚ ክኸብር፥ ሕዚ ልዕል ክብል እየ፤ ይብል ኣሎ።
11
ሓሰር ጠነስኩም፤ ቡቕቡቕውን ወለድኩም፤ እስትንፋስኩም ከዓ ዝበልዐኩም ሓዊ እዩ።
12
ህዝብታት ከምቲ ብሓዊ ዝነደደ ኖራ ኽነዱ፥ ከምቲ ተቘሪፁ ኣብ ሓዊ ሞዅ ዝብል ቈጥቋጥ እሾዅ ክኾኑ እዮም።
13
ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘለኹም ዝገበርክዎ ስምዑ፤ ኣብ ቀረባ ዘለኹምውን፥ ሓይለይ ፍለጡ።”
14
ኣብ ፅዮን ዘለዉ ሓጥኣን ፈሪሖም ኣለዉ፤ ንኽፉኣት ሰባት ድማ ራዕዲ ሒዝዎም ኣሎ፤ ካባናኸ ምስ ዝባላዕ ሓዊ፥ ክነብር ዝኽእል መን እዩ? ኻባናኸ ምስቲ ናይ ዘለኣለም ባርዕ፥ ክነብር ዝኽእል መን እዩ?
15
እቲ ብፅድቂ ዝነብር፥ ቅንዕና ዝዛረብ፥ ገንዘብ ዓመፃ ዘይደሊ፥ ጉቦ ኸይቕበል ኢዱ ዝእክብ፥ ደም ምፍሳስ ከይሰምዕ እዝኑ ዝዓፁ፥ ክፉእ ከይርኢውን ኣዒንቱ ዝዕምት፥
16
ንሱ ኣብ በሪኽ ቦታ ኽነብር፥ ፅኑዕ እምባታት ከዓ መፀግዒኡ ክኸውን፥ እንጀራኡ ድማ ኽረክብ እዩ፤ ማዩውን ኣይነፅፍን እዩ።
17
ኣዒንትኻ ነቲ ንጉስ ብፅባቐኡ ኽሪኣኦ እየን፤ ርሑቕ ንዘላ ሃገርውን ክምልከታ እየን።
18
ብልብኻ ድማ “ፀሓፊ ኣበይ ኣሎ? መዛኒኸ ኣበይ ኣሎ? ግንብታት ዝቘፅር ኣበይ ኣሎ?” እናበለ ዘፍርሕ ነገር ይሓስብ።
19
ነቲ ጨካን ህዝቢ፥ ነቲ ዘይርዳእ ቋንቋ ዝዛረብ፥ ነቲ ዘይስማዕ ኰርታዕ ዝመልሓሱ ህዝቢ፥ ኣይትሪኦን ኢኻ።
20
ንፅዮን፥ ነታ ናይ በዓላትና ኸተማ ተመልከታ፤ ኣዒንትኻ ናይ ሰላም መሕደሪ፥ ነታ ዘይትዘናበል ድንኳን፥ መታኽላ ንሓዋሩ ዘይንቀል፥ ኣውታራ ኸዓ ኸቶ ዘይብተኽ፥ ንዝኾነት ኢየሩሳሌም ክሪኣ እየን።
21
ኣብኣተንውን እግዚኣብሄር ሰፋሕቲ ወሓይዝን ቦታ መስኖን ኮይኑ፥ ብግርማኡ ምሳና ክኸውን እዩ። ብመቕዘፍ ዝምርሓ መራኽብ ኣይኣትዋኣን፥ ዓበይቲ መራኽብውን ብኣኣ ኣይሓልፋን እየን።
22
ኣግማድ ላሕሊሑ፥ ነቲ ደቐል ኣፅኒዑ ኣየትርሮን፥ ነቲ ጋንፅላ ኣይግትሮን። ሽዑ ዘመተ ክኸውን እዩ፤ ንሕናውን ብርቱዕ ምርኮ ኽንመቅል ኢና፤ ሓንካሳት እኳ ምርኮ ኽማርኹ እዮም። እግዚኣብሄር ፈራዲና፥ እግዚኣብሄር ሓጋግ ሕግና እዩ፤ እግዚኣብሄር ንጉስና እዩ እሞ፥ ንሱ ኸድሕነና እዩ።
24
ካብቶም ኣብኣ ዝነብሩስ ሓደ እኳ “ሓሚመ” ዝብል ኣይህሉን። ኣብኣ ንዝቕመጡ ህዝቢ እውን በደሎም ይቕረ ክበሃለሎም እዩ።
← Chapter 32
Chapter 34 →