bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 19
Isaiah 19
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብዛዕባ ግብፂ ዝተነግረ ፆር። እንሆ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ፈጣን ደመና ተቐሚጡ ናብ ግብፂ ኽመፅእ እዩ። ጣዖታት ግብፂ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ ክብሉ እዮም፤ ልቢ ግብፃውያን ከዓ ኽመክኽ እዩ።
2
“ግብፃውያን ኣብ ልዕሊ ግብፃውያን ክለዓሉ ኽገብሮም እየ እሞ፥ ሓው ምስ ሓዉ፥ ብፃይ ምስ ብፃዩ፥ ከተማ ምስ ከተማ፥ መንግስቲ ምስ መንግስቲ፥ ክዋግኡ እዮም።
3
መንፈስ ግብፃውያን ኣብ ውሽጦም ጥራሑ ክኸውን እዩ። ንምኽሮምውን ከንቱ ኽገብሮ እየ፤ ንሳቶም ድማ ንጣዖታትን ነስማተኛታትን ንጠንቈልትን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ክጥይቑ እዮም።
4
ንግብፃውያን ናብ ኢድ ጨካን ገዛኢ፥ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፤ ጨካን ንጉስ ድማ ኽገዝኦም እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”
5
ማይ ካብ ባሕሪ ኽጠፍእ እዩ፤ እቲ ሩባውን ክነፅፍ እዩ።
6
ሩባታት ክጨንዉ እዮም፤ መስኖታት ግብፂውን ክውሕዱን ክነቕፁን እዮም፤ ሰልሰላን ጋሳን ክፅምልዉ እዮም።
7
ኣብ ወሰን ሩባ ኣባይ ዘሎ ሰውሒ፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ኣባይ ዝተዘርአ ዅሉ፥ ክሃጒጕን ክጠፍእን ኣይክርከብንውን እዩ።
8
ኣስገርቲ ዓሳ ኽሓዝኑ፥ እቶም ኣብ ሩባ ኣባይ መቝለብ ዝድርብዩ ዅሎም ክበኽዩ፥ እቶም መርበብ ኣብ ልዕሊ ማያት ዝዝርግሑ ድማ፥ ልቦም ክጠልሞም እዩ።
9
እቶም ሰራሕቲ ዝተፋረኸ ቓንጫ እንጣጢዕን፥ እቶም ኣለምቲ ፃዕዳ ኽዳውንትን ክሓፍሩ እዮም።
10
ኣዕምዳ ኽስበሩ እዮም፤ ኵሎም እቶም ብዓስቢ ዝሰርሑውን ክሓዝኑ እዮም።
11
መሳፍንቲ ጣኔዎስ የመና ሰነፋት እዮም፤ እቶም ጥበበኛታት መማኽርቲ ፈርዖን ከዓ፥ ምኽሮም ድንቍርና ኾይኑ። ከመይ ኢልኩም ደኣ ንፈርዖን “ንሕና ደቂ ጥበበኛታት፥ ደቂ ዘርኢ እቶም ናይ ቀደም ነገስታት ኢና” እትብልዎ?
12
ፈርዖን፥ እቶም ጥበበኛታትካ ደኣ ኣበይ ኣለዉ? ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ግብፂ ዝወሰኖ፥ እንታይ ከም ዝኾነ ዝፈልጡ እንተ ደኣ ኾይኖምስ እስኪ ይንገሩኻ።
13
ኣሕሉቕ ጣኔዎስ ሰነፋት እዮም፤ መሳፍንቲ ሜምፎስ ከዓ ተጠበርቲ እዮም፤ እቶም እምኒ መኣዝን ዓሌታት ንግብፂ ኣጋገይዋ።
14
እግዚኣብሄር ንግብፂ ቐይናን መንፈስ ኣፍሰሰላ። ስለዙይ ስኹር ኣብ ትፋኡ ሰንከልከል ከም ዝብል፥ ንግብፂ ኸዓ ኣብ ኵሉ ተግባራታ ሰንከልከል ከም እትብል ገበርዋ።
15
ድሕሪ ደጊም ርእሲ ይኹን ጭራ፥ ስየ ይኹን ሰልሰላ፥ ዝኾነ ይኹን ስራሕ ንግብፂ ኣይጠቕማን እዩ።
16
በታ መዓልቲ እቲኣ ግብፃውያን ከም ኣንስቲ ክኾኑ እዮም፤ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ክቐፅዖም ኢሉ ኢዱ ኽዝርግሕ እንተሎ፥ ራዕራዕ ክብሉን ክድንግፁን እዮም።
17
ምድሪ ይሁዳ ንግብፂ እተደንግፅ ክትከውን እያ። እቲ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ዝመኽረላ ምኽሪ ዝተልዓለ፥ ኵሉ ወረኣ ዝሰምዐ ኽፈርሕ እዩ።
18
በታ መዓልቲ እቲኣ ብቛንቋ ከነዓን ዝዛረባ፥ ብጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከዓ ዝምሕላ ሓሙሽተ ኸተማታት ኣብ ሃገር ግብፂ ኽርከባ እየን፤ ካብኣተን እታ ሓንቲ “ናይ ጥፍኣት ከተማ” ተብሂላ ኽትፅዋዕ እያ።
19
በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ማእኸል ሃገር ግብፂ፥ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ኽስራሕ እዩ፤ ኣብ ወሰና ኸዓ ንእግዚኣብሄር ዓምዲ ኽትከል እዩ።
20
እዙይ ከዓ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ግብፂ ምልክትን ምስክርን ክኸውን እዩ። ብምኽንያት እቶም ገፋዕቶም ናብ እግዚኣብሄር እንትጠርዑ ድማ፥ ንሱ መድሓንን ሓያልን ሰዲዱ ኸድሕኖም እዩሞ።
21
በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ብግብፂ ዝተፈልጠ ይኸውን፤ ግብፃውያንውን ንእግዚኣብሄር ክፈልጥዎ እዮም፤ ብመስዋእትን ብቝርባንን ከምልኹ እዮም፤ ንእግዚኣብሄር መብፅዓ ኽመባፅዑ፥ ክፍፅምዎውን እዮም።
22
እግዚኣብሄር ንግብፃውያን ኽወቕዖም እዩ፤ ወቒዑ ግና ኽፍውሶም እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ናብ እግዚኣብሄር ክምለሱ እዮም፤ ንሱውን ክሰምዖምን ክፍውሶምን እዩ።
23
በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ግብፂ ናብ ኣሶር መንገዲ ክኸውን እዩ። ኣሶራውያን ናብ ግብፂ፥ ግብፃውያን ከዓ ናብ ኣሶር ክመፁ እዮም። ግብፃውያንን ኣሶራውያንን ብሓደ ኾይኖም ከምልኹ እዮም።
24
በታ መዓልቲ እቲኣ እስራኤል፥ ንግብፅን ንኣሶርን ሳልሰይተን ክትከውን እያ፤ ኣብ ማእኸል ምድሪ ድማ በረኸት ክኸውን እዩ።
25
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ድማ “ግብፂ ህዝበይ፥ ኣሶር ግብሪ ኢደይ፥ እስራኤል ርስተይ፥ ቡሩኻት ኩኑ” ኢሉ ኽባርኾም እዩ።
← Chapter 18
Chapter 20 →