bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 17
Isaiah 17
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብዛዕባ ደማስቆ ዝተነግረ ፆር። “ድሕሪ ደጊም ደማስቆ ኸተማ ኻብ ምዃን ክተቋርፅ እያ፤ ዑናን ኵምራ ፍርስራስን ክትከውን እያ።
2
ከተማታታ ኽባድማ እየን። መጓሰታት ዝውዕላለን ክኾና እየን፤ ዘፍርሐንውን የለን።
3
ዕርድታት ካብ ኤፍሬም፥ መንግስቲ እውን ካብ ደማስቆ፥ ክውገድ እዩ። ተረፍ ሶርያ ድማ፥ ከም ክብሪ ተረፍ እስራኤል ክኸውን እዩ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
4
ከምዙይ ክኸውን እዩ፦ “በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ክብሪ ያእቆብ ክትሕት እዩ፤ ህጥራን ስጋኡውን ኽዓብር እዩ።
5
ከምቲ ዓፃዳይ ነቲ ደው ኢሉ ዘሎ እኽሊ፥ ብኢዱ ኣኪቡ ነቲ ጕንቦ ዝዓፅዶ ክኸውን እዩ። ኣብ ለሰ ራፋይም ዝቕረም ከምኡ ክኸውን እዩ።
6
ከምቲ ኣውሊዕ ምስተነነወ፥ ኣብ ጫፍ እቲ ላዕለዋይ ጨናፍሩ ኽልተ ወይ ሰለስተ ፍረ፥ ኣብቲ ጨናፍር ፍርያም ኦም ከዓ፥ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ጥራሕ ዝተርፍ፥ ውሑድ ቀሪም ክተርፍ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል።”
7
በታ መዓልቲ እቲኣ ሰብ ናብ ፈጣሪኡ ኽጥምት እዩ፤ ኣዒንቱ ኸዓ ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ክሪኣ እየን።
8
ናብቲ ብኢዱ ዝሰርሖ መሰውኢታት ኣይጥምትን እዩ፤ ናብቲ በፃብዕቱ ዝገበሮ ጣዖታት ኣስታሮት ወይ ናብ ምስልታት ፀሓይ ድማ ኣይርእን እዩ።
9
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምተን ኣሞራውያንን ኤዊያውያንን፥ ብምኽንያት ደቂ እስራኤል እትሓድጋ ቦታታት ዝባደማ፥ እተን ፅኑዓት ከተማታት ክባድማ እየን።
10
እስራኤል፥ ንኣምላኽ ምድሓንኪ ረሳዕኺዮ፤ ነቲ ፅኑዕ ኰዅሒ ሓይሊ ዝኾነልኪ ኸዓ ኣይዘከርክዮን፥ ስለዙይ ደስ ዘብል ኣትክልቲ ትተኽሊ፥ ጋሻ ዝኾነ ዘርኢ እውን ትዘርኢ ኣለኺ።
11
ግና በታ ዝተኸልክላ መዓልቲ እኳ እንተ በቘለ፥ ብፅባሒቱውን እንተ ዓምበበ፥ በታ መዓልቲ መዓትን መሪር ስቓይን፥ እቲ ቐውዒ ኸንቱ ክኸውን እዩ።
12
ከም ምትማም ባሕሪ ንዝተሙ፥ ከም ብርቱዕ ማያት ድዋሕዋሕ ዝብል ድምፂ ዘስምዑ ህዝቢ ወይለኦም!
13
ኣህዛብ ከም ብዙሕ ማያት ድዋሕዋሕ እናበሉ ይመፁ፥ ግና እግዚኣብሄር ይገንሖም እሞ ኣርሒቖም ይሃድሙ። ከምቲ ኣብ እምባ ዘሎ ብቚቡቕ ብንፋስ፥ ከምቲ ሓሰር ድማ ብህቦብላ ዝብተን ክብተኑ እዮም።
14
ኣጋ ምሸት ድንጋፀ ይመፅእ፤ ግና ምድሪ ምስ ወግሐውን ኣይርከቡን። ግደ እቶም ዝማረኹናን፥ ብፅሒት እቶም ዝዘመቱናን እዙይ እዩ።
← Chapter 16
Chapter 18 →