bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 13
Isaiah 13
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ብዛዕባ ባቢሎን ዝረአዮ ፆር።
2
ኣብ ልዕሊ ነዊሕ እምባ፥ ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ። ነቶም ሰራዊት ዓው ኢልኩም ኣድምፁሎም፤ ኣሕሉቕ ብበሪ ምእንቲ ኽኣትዉ ብኢድኩም ኣመልክቱሎም።
3
ነቶም ቅዱሳነይ ኣዚዘዮም ኣለኹ፤ ንጀጋኖይን ነቶም ብኽብረይ ዕልል ዝበሉንውን ቍጥዓይ ንምፍፃም ፀዊዐዮም ኣለኹ።
4
ድምፂ ወኻዕታ፥ ከም ብዙሕ ህዝቢ ኣብ እምባታት ኣሎ፤ ድምፂ እቶም እኩባት መንግስታት ኣህዛብ ይሃምም ኣሎ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፥ ነቶም ሰራዊት ክስለፉ ይእዝዞም ኣሎ።
5
እግዚኣብሄርን ኣፅዋር ቍጥዓኡን ነታ ምድሪ ብምልእታ ኸጥፍኡ ኻብ ወሰን ሰማይን ካብ ርሑቕ ሃገርን ክመፁ እዮም።
6
መዓልቲ እግዚኣብሄር፥ ቀሪባ እያ እሞ፥ ብኸዩ፤ ካብቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ጥፍኣት ይመፅእ ኣሎ።
7
ስለዙይ ኣእዳው ደቂ ሰብ ክለምሳ እየን፤ ልቢ ዅሉ ሰብ ከዓ ኽመክኽ እዩ።
8
ክድንግፁ፥ ቃንዛን ሓዘንን ክሕዞም እዩ፤ ከም እትሓርስ ሰበይቲ ኸቕለልዉ፥ ተገሪሞም ንስንሳቶም ክጠማመቱ እዮም፤ ገፆም ከዓ ኸም ገፅ ሃልሃልታ እዩ።
9
እኒሃ መዓልቲ እግዚኣብሄር፥ ምስ መዓትን ብርቱዕ ቍጥዓን ናህርን መሰክሒት ኮይና ትመፅእ ኣላ። ንምድሪ ኽተባድማ፥ ነቶም ኣብኣተን ዝነብሩ ሓጥኣን ድማ ኽተጥፍኦም እያ።
10
ከዋኽብቲ ሰማይን ሰራዊቶምን፥ ብርሃኖም ኣይህቡን እዮም፤ ፀሓይ ክትበርቕ እንተላ ኽትፅልምት እያ፤ ወርሒ ኸዓ ብርሃና ኣይትህብን እያ።
11
ንዓለም ስለ ኽፍኣታ፥ ንሓጥኣን ድማ ስለ ሓጢኣቶም ክቐፅዖም እየ። ንዅርዓት ዕቡያት ከዓ መወዳእታ ኽገብረሉ፥ ንትዕቢት እቶም ገፋዕቲውን ከዋርዶ እየ።
12
ነቶም ዝተረፉ ኻብ ፅሩይ ወርቂ፥ ካብቲ ወርቂ ኦፊር ድማ ዝኸበሩ ኽገብሮም እየ።
13
ንሰማያት ከንቀጥቅጦም እየ፤ ምድሪ ኸዓ ብመዓልቲ ርሱን ቍጥዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ስፍራኣ ኽትናወፅ እያ።
14
ከም እትህደን መይዳቝን፥ ጓሳ ኸም ዘይብለን መጓሰን ኮይኖም፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ህዝቦም ክምለሱ፥ ነናብ ሃገሮምውን ክሃድሙ እዮም።
15
ኵሉ ዝተረኽበ ኽውጋእ እዩ፤ ዝተትሓዘ ኸዓ ብሰይፊ ኽወድቕ እዩ።
16
ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ህፃናቶም ክጭፍጨፉ እዮም፤ ኣባይቶም ክብዝበዝ እዩ፤ ኣንስቶም ድማ ኽንውራ እየን።
17
እንሆ፥ ነቶም ንብሩር ግዲ ዘይብሎም፥ ንወርቂ ኸዓ ዘይብህግዎ ሜዶናውያን፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ከተስአሎም እየ።
18
መንትጎም ነጕባዝ ከውድቖም እዩ፤ ንፍረ ማህፀን ድማ ኣይምሕሩን እዮም፤ ኣዒንቶምውን ንህፃናት ኣይርህርሁሎምን እዮም።
19
መንግስቲ ባቢሎን ዕንቊ መንግስታት፥ ኵርዓት ከለዳውያን እያ። ግና እግዚኣብሄር ከምቲ ንሰዶምን ገሞራን ዘፍረሰን ከፍርሳ እዩ።
20
ሰብ ኣብኣ ንዘለኣለም ኣይሰፍርን እዩ፤ ንውሉድ ወለዶ ኸዓ መሕደሪ ሰብ ኣይትኸውንን እያ። ኣዕራብውን ኣብኣ ድንኳኖም ኣይተኽሉን፤ ጓሶት ድማ መጓሰኦም ኣየስፍሩላን እዮም።
21
ግና ኣራዊት በረኻ ኣብኣ ኽሰፍሩ እዮም፤ ኣባይታ ብጕጓታት ክመልእ እዩ፤ ሰገናት ኣብኣ ኽነብራ እየን፤ ኣጋንንቲውን ኣብኣ ኽሰራሰሩ እዮም።
22
ተዅላታት ኣብ ኣደራሻታ፥ ወኻሩ ድማ ኣብቲ ፅቡቕ ግምብታታ ኽንቅዉ እዮም። ጊዜኣ ቐሪቡ እዩ፤ መዓልትታታውን ኣይድንጕያን እየን።
← Chapter 12
Chapter 14 →