bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 10
Isaiah 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣቱም ንፅጉማት ፍትሒ ኽትከልእዎም፥ ንድኻታት ህዝበይ ከዓ መሰሎም ክትግሕሱዎም፥ ንመበለታት ምርኮኹም ክትገብርወን፥ ንደኽታማት ድማ ምእንቲ ኽትከትርዎም ኢልኩም ሕግታት ዓመፃ እትሕግጉ፥ ሕሱም ሕግጋት ከዓ እትእውጁ፥ ወይለኹም!
3
ብመዓልቲ ቕፅዓት፥ ጥፍኣት ካብ ርሑቕ እንትመፅእ፥ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም? ሓገዝ ክትረኽቡኸ ናብ መን ክትሃድሙ ኢኹም? ንኽብርኹምከ ኣበይ ክትሓድግዎ ኢኹም?
4
ተኣሲርኩም ኣብ ትሕቲ እሱራት ካብ ምድናንን፥ ምስቶም ዝተሓረዱውን ካብ ምድርባይን ኣይተምልጡን ኢኹም። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
5
እግዚኣብሄር፥ “በትሪ ቝጥዓይ ንዝኾነ፥ ሻቘጥ ቍጥዓይውን ኣብ ኢዱ ንዘሎ ንኣሶር ወይለኡ!
6
ንእኡ ናብቲ ዝንጉዕ ህዝቢ ኽሰዶ እየ፤ ናብቲ ዘቘጥዐኒ ትውልዲውን ክልእኾ እየ፤ ንሱ ድማ ኽዘምቶምን ክብዝብዞምን ከም ጭቃ ኣደባባይ ክረግፆምን እዩ” በለ።
7
ንሱ ግና ኸምኡ ኣይሓስብን፤ ብልቡውን ከምኡ ኣይመስሎን፤ ግና ምጥፋእን ውሑዳት ንዘይኮኑ ኣህዛብ ምቍራፅን ኣብ ልቡ ኣሎ።
8
ከምዙይ ይብል፦ “ኵሎም መሳፍንተይ ነገስታትዶ ኣይኮኑን?
9
ካልኖ ከም ከርከሚሽ፥ ሃማት ከም ኣርፋድ፥ ሰማርያኸ ኸም ደማስቆዶ ኣይኮነትን?
10
ከምቲ ነቶም ካብ ኢየሩሳሌምን ሰማርያን ዝበልፅ ፅሩብ ምስልታት ዝነበሮም መንግስታት ጣዖታት፥ ኢደይ ዘርከበቶም፥
11
ከምቲ ኣብ ሰማርያን ኣብ ጣዖታታን ዝገበርክዎ፥ ከምኡ ኸዓ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ዝተቐረፁ ምስልታታን ክገብሮዶ ኣይኽእልን?” ይብል ኣሎ።
12
እግዚኣብሄር ግና “ኵሉ ግብሩ ኣብ እምባ ፅዮንን ኣብ ኢየሩሳሌምን ምስ ፈፀመ ንንጉስ ኣሶር ስለ ትዕቢት ልቡን፥ ንድርቅና እተን ኵሩዓት ኣዒንቱን ክቐፅዖ እዩ።”
13
ንጉስ ኣሶር “መስተውዓሊ ስለ ዝኾንኩ፥ ብሓይሊ ኢደይን ብጥበበይን ነዝ ዅሉ ገበርክዎ፤ ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝነበረ ወሰን ኣፍረስክዎ፥ ንመዛግብቶም ድማ ዘመትክዎ፤ ንነገስታቶምውን ከም ሓደ ብርቱዕ ጅግና ኾይነ ኣዋረድክዎም።
14
ሰብ ኢዱ ናብ ሰፈር ዒፍ ከም ዝሰድድ፥ ኣነውን ከምኡ ኢደይ ናብ ሃብቲ መንግስታት ሰደድኩ፤ ሰባት ዝተሓደገ እንቍላሊሕ ከም ዝእክቡ ኣነውን ከምኡ ንዅሉ ምድሪ ኣከብኩዎ። ክከላኸል ኢሉ ኽንፉ ዘንገብግብ ወይ ኣፉ ኸፊቱውን ዘእወየ ኣይነበረን” ይብል ኣሎ።
15
ምሳር ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቘርፀሉ ሰብዶ ይዘሃር እዩ? መጋዝከ ነቲ ሰሓቢኡዶ ይዕበየሉ እዩ? በትሪ፥ ኣብቲ ኣልዒልዎ ዘሎ ሰብዶ፥ ርእሱ ይንቕንቕ እዩ? በትሪኸ፥ ዕንፀይቲ ኸም ዘይኮነ ንባዕሉ ሓፍ የብል ድዩ?
16
ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ናብቶም ህጡራት፥ ዕብራን ክሰድድ እዩ፤ ኣብ ትሕቲ ኽብሩ ድማ ኸም ነበልባል ሓዊ ኸባርዕ እዩ።
17
እቲ ብርሃን እስራኤል ከም ሓዊ፥ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከዓ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ክኸውን እዩ፤ ንእሾኹን ኳዂቶኡን ድማ ኣንዲዱ ብሓንቲ መዓልቲ ኸቃፅሎ እዩ፤ ክበልዖውን እዩ።
18
ከምቲ ሕማም ንሰብ እናመንመነ ዝቐትሎ፥ ከምኡ ድማ ንኽብሪ እቲ ዱርን ንፈራዪ ገራሁን ካብ ነፍሲ ኽሳዕ ስጋ ፈፂሙ ኸጥፍኦ እዩ።
19
እቲ ኻብ ዱር ዝተረፈ ኣእዋም ከዓ፥ ንእሽተይ ቈልዓ እኳ ኽሳዕ ዝፅሕፎ፥ ቍፅሩ ውሑድ ክኸውን እዩ።
20
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቶም ካብ ዘርኢ እስራኤል ዝተረፉን፥ እቶም ካብ ቤት ያእቆብውን ዝደሓኑን ብሓቂ ኣብ እግዚኣብሄር፥ ኣብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ክእመኑ እዮም እምበር፥ ድሕሪ ደጊም ኣብቶም ዝወቕዕዎም ኣይእመኑን እዮም።
21
እቶም ካብ ያእቆብ ዝተረፉ፥ ናብቲ ሓያል ኣምላኽ ክምለሱ እዮም።
22
ኦ እስራኤል፥ ህዝብኻ ኸም ሑፃ ባሕሪ እኳ እንተ ኾኑ፥ እቶም ተረፍ ጥራሕ ክምለሱ እዮም። ዓብዪ ጥፍኣት ተኣዚዝዎ እዩ፤ እዙይውን ንፅድቂ ኸውሕዞ እዩ።
23
እወ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምቲ ኽገብሮ ዝወሰኖ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ጥፍኣት ከምፅእ እዩ።
24
ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር “ኣታ ኣብ ፅዮን እትነብር ዘለኻ ህዝበይ፥ ኣሶር እኳ ብበትሪ እንተ ወቕዐካ፥ ከምቲ ግብፂ ዝገበረካ ኣሶርውን በትሩ እንተልዓለልካ ኣይትፍራሕ።
25
ቍጥዓይ ክሳዕ ዝፍፀም፥ መዓተይውን ክሳዕ ዘጥፍኦም፥ ቁሩብ ጊዜ ተሪፉ እዩሞ።
26
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ኣብ ኰዅሒ ኮሬብ ንምድያም ዝገበሮ፥ ጭጕራፍ ከልዕለሉ እዩ። ከምቲ በትሩ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ኣልዒሉ ንግብፃውያን ዝቐፅዖም፥ በትሩ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ኸልዕል እዩ።
27
በታ መዓልቲ እቲኣ ፆሩ ኻብ ማእገርኩም፥ ነርዑቱ ድማ ኻብ ክሳድኩም፥ ከውርዶ እዩ። እቲ ኣብ ክሳድኩም ዘሎ ኣርዑት ከዓ፥ ካብ ምርጓዱ ዝተልዓለ ኽስበር እዩ” ይብል ኣሎ።
28
ናብ ኣንጋይ መፀ፤ ብመጌዶን ኣቢሉውን ሓለፈ። ኣብ ማክማስ ድማ ኣቑሑኡ ኣንበረ።
29
በቲ መተሓላለፊ ሓሊፉ ኣብ ጌባ ሓደረ። ራማ ራዕራዕ ትብል። ናይ ሳኦል ገባዖን፥ ሃደመት።
30
ኣቲ ጓል ጋሊም፥ ዓው ኢልኪ ኣእውዪ፤ ላይሻ ከዓ ፅን በሊ፤ ኣናቶት ድማ መልስላ።
31
ማድቤና ትሃድም ኣላ፤ ኣብ ግቤር ዝነብሩውን ስድራኣቶም ኣህደሙ።
32
በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ኖብ ይውዕል፤ ኢዱ ኣብ እምባ ጓል ፅዮን፥ ኣብ ኰረብታ ኢየሩሳሌም የዋጣውጥ ኣሎ።
33
እንሆ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከም ንጨናፍር፥ ብዘስካሕክሕ ሓይሊ ኽሰልዖም እዩ። እቶም ነዊሕ ዝቑመቶም ክቝረፁ፥ እቶም ልዑላት ከዓ ኽዋረዱ እዮም።
34
ነቲ ዕሙር ዱር ብሓፂን ክቘርፆ እዩ፤ ሊባኖስ እውን ብኢድ እቲ ሓያል ክወድቕ እዩ።
← Chapter 9
Chapter 11 →