bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Hosea 13
Hosea 13
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኤፍሬም ክዛረብ እንተሎ ፍርሓት ይኸውን ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ተዓበየ። ግና ንበዓል ስለ ዘምለኸ በደለ፤ ሞተውን።
2
ሕዚ እውን ሓጢኣት ክሰርሑ ወሰኹ፤ ብብሩሮም መኺኹ ዝተሰርሐ ምስሊ ኸም ጥበቦም ጣዖታት ሰሪሖም እዮም፤ ኵሎም ከዓ ስራሕ ኢድ ሰብ እዮም። ብዛዕባኣቶም ድማ “እቶም ዝስውኡ ሰባት፥ ነቲ ጣዖት ብተይ ይሳለምዎ” ይብሉ።
3
ስለዙይ ንሳቶም ከም ግመ ጊሓት፥ ከምቲ ቐልጢፉ ዝጠፍአ ኣውሊ፥ ከምቲ ኻብ ዓውዲ ብንፋስ ዝብተን ብቝቡቝ፥ ብመስኮት ከም ዝወፅእ ትኪ ክኾኑ እዮም።
4
ኣነ ግና ኻብ ምድሪ ግብፂ ጀሚረ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር እየ። ብዘይ ዘኣይ ካልእ ኣምላኽ ኣይትፈልጥን ኢኻ፤ ብዘይ ዝኣይ ድማ ኻልእ መድሓኒ የለን።
5
ኣነ ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣብ ምድሪ ኣፃምእ እንተለኻ እፈልጠካ ነይረ።
6
ስለዙይ ምስተዋፈሩ ፀገቡ፤ ምስ ፀገቡውን ልቦም ተዓበየ፤ ስለዙይ ረስዑኒ።
7
ስለዙይ ኣነ ድማ ኸም ኣንበሳ ኾንክዎም፤ ከም ነብሪ ኸዓ ኣብ መንገዲ ኣድበኹሎም።
8
ኰራዅራ ኸም ዘሕደግዋ ድቢ ኾይነ ክገጥሞም እየ፤ ነቲ ስብሒ ልቦም ክቐዶ እየ፤ ከም ዋዕሮ ኽውሕጦም፥ ከም ኣራዊት በረኻውን ክሰላልዖም እየ።
9
“ኦ እስራኤል፥ ኣብ ልዕለይ፥ ኣብ ልዕሊ ረዳኢኻ ስለ ዝተልዓልካ ኽትጠፍእ ኢኻ።
10
ኣብ ዅሉ ኸተማታትካ ኸድሕነካስ፥ ንጉስካ ኣበይ ኣሎ? ንጉስን ኣሕሉቕን ሃበኒ ኢልካ ዝተናገርካዮ፥ መሳፍንትኻ ኣበይ ኣለዉ?
11
ብቝጥዓይ ንጉስ ሃብኩኻ፤ ብመዓተይውን ሰዓርክዎ።
12
“በደል ኤፍሬም ተኣሲሩ ኣሎ፤ ሓጢኣቱ ድማ ተኣኪቡ ኣሎ።
13
ከም እትሓርስ ሰበይቲ ሕማም ሕርሲ ኽመፆ እዩ፤ ኣብዝውለደሉ ጊዜ፥ ብኣፍ ማህፀን ቀኒዑ ኣይመፅእን እዩሞ፥ ኣእምሮ ዘይብሉ ወዲ እዩ።
14
ካብ ኢድ ሲኦል ከናግፎም እየ። ካብ ሞትውን ክብዜዎም እየ፤ ኦ ሞት፥ መቕሰፍትኻ ኣበይ ኣሎ? ኦ ሲኦል፥ ጥፍኣትካ ኣበይ ኣሎ? ርህራሀ ኻብ ኣዒንተይ ተሰወረ።
15
ኣብ ማእኸል ኣሕዋቱ ፍርያም እንተ ኾነ እኳ፥ ንፋስ ምብራቕ ክመፅእ እዩ፤ ንፋስ እግዚኣብሄር ካብ ምድረ በዳ ኽመፅእ እዩ፤ ንዓይኒ ማይውን የድርቖ። ነቲ ወሓዚ ድማ የንፅፎ፤ ኵሎም ዝኸበሩ ኣቑሑ ዘለውዎ መዝገብ ይዘምት።
16
ሰብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ ኣምላኾም ዓሚፆም እዮም እሞ፥ በደሎም ክስከሙ እዮም። ብሰይፊ ኽወድቑ እዮም፤ ህፃናቶም ክጭፍለቑ፥ ጥኑሳት ኣንስቶም ድማ ኸብደን ክቕደዳ እየን።”
← Chapter 12
Chapter 14 →