bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 9
Genesis 9
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ንኖህን ንደቁን ባረኾም፤ ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ብዝሑን ተባዝሑን ንምድሪ ኸዓ ምልእዋ።
2
ኵሎም ኣራዊት ምድርን ኣዕዋፍ ሰማይን ንኣኻትኩም ይፍርሑን ይደንግፁን፤ ኵሎም ኣብ ምድሪ ለመም ዝብሉን፥ ኵሎም ዓሳታት ባሕርን ክግዝኡኹም ሂበኩም ኣለኹ።
3
ኵሉ ዝንቀሳቐስ ህይወት ዘለዎ ምግቢ ይኹንኩም። እዝ ዅሉ ኸምቲ ልሙዕ በቝሊ ዝሃብኩኹም፥ ሂበኩም ኣለኹ።
4
ግና ህይወት ኣብ ደም እዩ እሞ፥ ደም ዘለዎ ስጋ ኣይትብልዑ።
5
ነቲ ህይወት ዘለዎ ደምኩም ዘፍሰሰ ኣነ ሕነ ኽፈድዮ እየ። ካብ ኢድ ኵሉ ኣራዊትውን ሕነ ኽፈድዮ እየ። ንነፍሲ ሰብ ድማ ኻብ ኢድ ሰብ፥ ካብ ኢድ ሓዉ ሕነ ኽፈድዮ እየ።
6
እቲ ደም ሰብ ዘፍስስ፥ ደሙ ብሰብ ክፈስስ እዩ፤ እግዚኣብሄር ንሰብ ብምስሉ እዩ ፈጢርዎሞ።
7
“ንስኻትኩም ግና ብዝሑን ተባዝሑን፤ ንምድሪ ድማ ምልእዋ፤ ኣብኣውን ተባዝሑ።”
8
እግዚኣብሄር ከዓ ንኖህን ንደቁን ከምዙይ በሎም፦
9
“እንሆ ኣነ ምሳኻትኩም፥ ብድሕሬኹም ድማ ምስ ዘርእኹም ኪዳነይ አቕውም ኣለኹ።
10
ምስቲ ዅሉ ምሳኻትኩም ዘሎ ህይወት ዘለዎ ፍጡር፥ ኣዕዋፍ፥ እንስሳ፥ ኵሉ ኣራዊት በረኻ፥ ምስቲ ምሳኻትኩም ካብ መርከብ ዝወፀ ዅሉን፥ ምስ ኵሉ ኣብ ምድሪ ዘሎ ፍጡርን ኪዳነይ አቕውም ኣለኹ።
11
ድሕሪ ደጊም ዅሉ ህይወት ዘለዎ ብማይ ጥፍኣት ኣይጠፍእን እዩ። ንምድሪ ዘጥፍእ ማይ ጥፍኣት ድማ መሊሱ ኣይመፅእን እዩ። እንሆ ኺዳነይ ምሳኻትኩም አቕውም ኣለኹ።”
12
እግዚኣብሄር ከዓ በለ፦ “ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻትኩምን ኣብ መንጎ እቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ህይወት ዘለዎ ፍጡርን፥ ንዘለኣለም ዝኣትዎ ኺዳን፥ ምልክቱ እዙይ እዩ፤
13
ቀስተይ ኣብ ደመና አንብር ኣለኹ፤ ንሱ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ምድርን ዘሎ ኺዳን ምልክት ክኸውን እዩ።
14
እንሆ ደመና ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸደምን እንተለኹ፥ ኣብቲ ደመና ቐስቲ ኽረአ እዩ።
15
ሽዑ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን፥ ኣብ መንጎ እቲ ህይወት ዘለዎ ዅሉ ፍጡርን ዘሎ ኺዳነይ ክዝክር እየ። እቲ ንዅሉ ፍጡር ዘጥፍእ ማይ ጥፍኣት ድማ፥ ድሕሪ ደጊም ኣይኸውንን እዩ።
16
እቲ ቐስቲ ድማ ኣብ ደመና ኽረአ እዩ፤ ኣነ ኸዓ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ምድሪ ዝነብር ህይወት ዘለዎ ዅሉ ፍጡርን ዘሎ ዘለኣለማዊ ኺዳን ምእንቲ ኽዝክር ክሪኦ እየ።”
17
እግዚኣብሄር ድማ ንኖህ “ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ፍጡርን ዘቖምክዎ ኺዳን፥ ምልክቱ እዙይ እዩ” በሎ።
18
እቶም ካብ መርከብ ዝወፁ ደቂ ኖህ፥ ሴምን ካምን ያፌትን እዮም። ካም ኣቦ ከነዓን እዩ።
19
እዚኣቶም ሰለስቲኦም ደቂ ኖህ እንትኾኑ፥ ካብዚኣቶም ዝተወለዱ ኸዓ ንዅላ ምድሪ መልእዋ።
20
ኖህ ድማ ሓረስታይ ምድሪ ክኸውን ጀመረ፤ ወይኒ ኸዓ ተኸለ።
21
ካብቲ ወይኒ ሰትዩ ድማ ሰኸረ፤ ኣብ ማእኸል ድንኳኑ ኸዓ ጥራሑ ወፀ።
22
ኣቦ ከነዓን ካም ከዓ፥ ዕርቃን ኣቦኡ ሪኡ፥ ናብ ደገ ወፂኡ ንኽልቲኦም ኣሕዋቱ ነገሮም።
23
ሴምን ያፌትን ግና፥ ክዳን ወሲዶም ኣብ ማእገሮም ገይሮም ናይ ኣቦኣቶም ዕርቃን ከይሪኡ ገፆም ኣዚሮም ዕርቃን ኣቦኣቶም ከደኑ።
24
ኖህ ከዓ ኻብ ስኽራኑ ናብ ልቡ ተመለሰ፤ እቲ ንእሽተይ ወዱ ዝገበሮውን ፈለጠ።
25
“ከነዓን ርጉም ይኹን። ነሕዋቱውን ባርያ ይኹን” በለ።
26
ኣስዒቡውን “ኣምላኽ ሴም፥ እግዚኣብሄር ይባረኽ። ከነዓን ድማ ባርያኡ ይኹን።
27
እግዚኣብሄር ንያፌት የስፍሕ፤ ኣብ ድንኳናት ሴምውን ይንበር፤ ከነዓን ድማ ባርያኡ ይኹን” በለ።
28
ኖህ ከዓ ድሕሪ ማይ ጥፍኣት ሰለስተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ነበረ።
29
ኖህ ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን።
← Chapter 8
Chapter 10 →