bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 50
Genesis 50
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ዮሴፍ ኣብ ልዕሊ ገፅ ኣቦኡ ወዲቑ እናበኸየ ሰዓሞ።
2
ዮሴፍ ከዓ ነቶም ሰብ መድሓኒት ሓሻኽሩ፥ ነቦኡ ብምዑዝ ቅብኢ ኽደርዝዎ ኣዘዞም። እቶም ሓኻይም ድማ ብምዑዝ ቅብኢ ደረዝዎ።
3
ከምቲ ልሙድ ኣርብዓ መዓልቲ ደረዝዎ። ግብፃውያን ድማ ሰብዓ መዓልቲ በኸዩሉ።
4
መዓልቲታት ሓዘን ምስ ተወድአ ኸዓ፥ ዮሴፍ ንቤተ ሰብ ፈርዖን፦ “ኣብ ቅድሜኹም ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ በይዛኻትኩም ንፈርዖን፦
5
ኣቦይ፥ እንሆ፥ ‘ኣነ እመውት ኣለኹ። ኣብታ ምድሪ ከነዓን ንኣይ ኢለ ዝዀዓትክዋ መቓብረይ ኣብኣ ቕበረኒ’ ኢሉ ኣምሒሉኒ እዩ። ሕዚ ኸዓ ኸይደ ነቦይ ቀቢረ ኽምለስ ፍቐደለይ ኢልኩም ንገሩለይ” በሎም።
6
ፈርዖን ድማ፥ “ኺድ እሞ ኸምቲ ዘምሓለካ፥ ነቦኻ ቕበሮ” በሎ።
7
ዮሴፍ ከዓ ነቦኡ ኽቐብሮ ኸደ። ኵላቶም መኳንንቲ ፈርዖንን ሹመኛታት ቤተ መንግስቱን፥ ኵላቶም ዓበይቲ ምድሪ ግብፅን ድማ ምስኡ ኸዱ።
8
ኵላቶም ስድራ ዮሴፍን ኣሕዋቱን፥ ስድራ ኣቦኡንውን ምስኡ ኸዱ። ኣብ ምድሪ ጌሴም ቈልዑቶምን ኣባጊዖምን ከፍቶምን ጥራሕ ሓደጉ።
9
ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ድማ ምስኡ ኸዱ፤ የመና ብዙሕ ህዝቢ እውን ነበረ።
10
ናብታ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ ዓውዲ ኣጣድ ከዓ በፅሑ። ኣብኣ ድማ ንያእቆብ መሪር ብኽያት በኸዩሉ። ዮሴፍ ከዓ ነቦኡ ሸውዓተ መዓልቲ መልቀስ ገበረሉ።
11
እቶም ኣብታ ምድሪ ዝቕመጡ ከነዓናውያን ድማ፥ ነቲ ኣብ ዓውዲ ኣጣድ ዝኾነ መልቀስ ምስ ረአዩ፥ “እዙይ ዓብዪ መልቀስ ግብፃውያን እዩ” በሉ። ስለዙይ ከዓ “ኣቤል ሚስራይም” ኢሎም ሰመይዋ። ንሳ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ እያ።
12
ደቂ ያእቆብ ድማ ኸምቲ ዝኣዘዞም ገበሩሉ።
13
ንሳቶም ነቦኦም ፆይሮም ናብ ምድሪ ከነዓን ወሰድዎ፤ ኣብታ ኣብ መንፅር መምሬ ዘላ፥ ኣብርሃም ንርስቲ መቓብር ኢሉ ኻብ ኤፍሮን ኬጢያዊ ምስታ ግራት ዝዓደጋ፥ ኣብ በዓቲ ግራት ማክጴላ ቐበርዎ።
14
ዮሴፍ ነቦኡ ምስ ቀበረ፥ ምስ ኣሕዋቱን ምስቶም ነቦኡ ኽቐብሩ ምስኡ ዝኸዱ ዅላቶምን ናብ ግብፂ ተመለሰ።
15
ኣሕዋት ዮሴፍ ኣቦኣቶም ከም ዝሞተ ምስ ረአዩ፥ “ምናልባሽ ዮሴፍ ተቐይሙና ኸይኸውን እሞ ኸም ኢድና ደኣ ኸይፈድየና!” ተበሃሃሉ።
16
ንዮሴፍ ድማ ኸምዙይ ኢሎም ለኣኹሉ፦ “ኣቦና ቕድሚ ሞቱ ኸምዙይ ኢሉ ኣዚዙና ነይሩ።
17
‘እቲ ኣሕዋትካ ዝበደሉኻ ይቕረታ ኸም እትገብረሎም ሕድርኻ፥ በልዎ’ ኢሉና ነይሩ። ሕዚ ኸዓ ባሮት ኣምላኽ ኣቦኻ ናይ ዝኾንና በደል ይቕረ ኽትብል፥ ንልምነካ ኣለና” በልዎ። ዮሴፍ ከዓ ምስ ተዛረብዎ በኸየ።
18
እቶም ኣሕዋቱ ድማ ኸይዶም ኣብ ቅድሚኡ ፍግም ኢሎም ሰገዱ፤ “እንሆ ንሕና ሓሻኽርካ ኢና” በልዎ።
19
ዮሴፍ ድማ፥ “ኣይትፍርሑ፤ ኣነዶ ኣምላኽ እየ?
20
ንስኻትኩም ንኽፉአይ ሓሰብኩም፤ እግዚኣብሄር ግና፥ ከምቲ ሎሚ ኾይኑ ዘሎ ምእንቲ ኽገብርን፥ ብዙሕ ህዝቢ ምእንቲ ኸድሕንን ንፅቡቕ ገበሮ።
21
ሕዚ ኸዓ ኣይትፍርሑ፤ ኣነ ንኣኻትኩምን ንቘልዑኹምን ክቕልበኩም እየ” በሎም። ንልቦም ዘረጋግዕ ቓላት ብምዝራብ ከዓ ኣፀናንዖም።
22
ዮሴፍ ምስ ኵሎም ቤተ ሰብ ኣቦኡ ኣብ ግብፂ ተቐመጠ። ዮሴፍ ክመውት እንተሎ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ገይሩ ነበረ።
23
ዮሴፍ ክሳዕ ሳልሳይ ትውልዲ፥ ደቂ ኤፍሬም ረአየ። ደቂ ማኪር ወዲ ምናሴ ኣብ እንዳ ዮሴፍ ተወሊዶም ኣብኡ ዓበዩ።
24
ዮሴፍ ድማ ነሕዋቱ፥ “ኣነ ኽመውት እየ። እግዚኣብሄር ግና ብሓቂ ኽምልከተኩም እዩ፤ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ኸዓ ናብታ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ዝመሓለሎም ምድሪ ኽመልሰኩም እዩ” በሎም።
25
ዮሴፍ ድማ ንደቂ ያእቆብ፥ “እግዚኣብሄር ብሓቂ ኽምልከተኩም እዩ እሞ፥ ነዕፅምተይ ካብዙይ ከም እትወስድዎ ግበሩ” ኢሉ ኣምሓሎም።
26
ዮሴፍ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኮነ ሞተ። ብምዑዝ ቅብኢ ድማ ደረዝዎ፥ ኣብ ሳፁን ገይሮም ከዓ ኣብ ግብፂ ኣንበርዎ።
← Chapter 49