bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 35
Genesis 35
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ንያእቆብ “ተስእ እሞ ናብ ቤቴል ደይብ፤ ኣብኣውን ተቐመጥ። ካብ ሓውካ ኤሳው ሃዲምካ ኽትከይድ እንተለኻ ንዝተገለፀልካ እግዚኣብሄር መሰውኢ ስራሕ” በሎ።
2
ሽዑ ያእቆብ ንስድራኡን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎምን “ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ባዕዳን ኣማልኽቲ ኣርሕቑ፤ ንፁሃትውን ኩኑ፤ ክዳውንትኹም ድማ ለውጡ።
3
ንዑናይ ናብ ቤቴል ንደይብ፤ ኣነ ኸዓ ኣብኣ ነቲ ብመዓልቲ መከራይ ዝሰምዐንን፥ ኣብ ዝኸድክዎ መንገዲ ምሳይ ንዝነበረ ንእግዚኣብሄር፥ መሰውኢ ኽሰርሕ እየ” በሎም።
4
ንሳቶም ከዓ ምስኣቶም ዝነበሩ ዅሎም ባዕዳን ኣማልኽትን፥ ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ዅትሻታትን ንያእቆብ ሃብዎ። ያእቆብ ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ጥቓ ሴኬም ዝነበረ ዓብዪ ኦም ቀበሮ።
5
ክጐዓዙ ኸዓ ጀመሩ፤ ኣብተን ኣብ ዙርያኣቶም ዝነበራ ኸተማታት ድማ ኻብ እግዚኣብሄር ዓብዪ ፍርሓት ወደቐን። ንደቂ ያእቆብ ከሳጕጎም ኢሉ ዝሰዓቦም ከዓ ሓደ እኳ ኣይነበረን።
6
ያእቆብን ኵሉ እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን፥ ናብታ ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘላ ሎዛ፥ ሕዚ ቤቴል ናብ እትበሃል መፁ፤
7
ኣብኣ ድማ መሰውኢ ሰርሐ። ካብ ሓዉ ኽሃድም እንተሎ እግዚኣብሄር ኣብኣ ስለ ዝተገልፀሉ፥ ነታ ቦታ “ኤል ቤቴል” ኢሉ ስም ኣውፅአላ።
8
መጕዚት ርብቃ ዝነበረት ዲቦራ ድማ ሞተት፤ ኣብ ቤቴል፥ ኣብ ትሕቲ እቲ ዓብዪ ኦም ድማ ተቐበረት። “ኦም ብኽያት” ኢሎም ከዓ ሰመይዎ።
9
እግዚኣብሄር ድማ ያእቆብ ካብ ማእኸል ክልተ ሩባታት ካብ ሶርያ ምስ ተመለሰ፥ መሊሱ ተገለፀሉ፤ ባረኾውን።
10
ቀፂሉውን “ስምካ ያእቆብ እዩ፤ ድሕሪ ደጊም እስራኤል እምበር ያእቆብ ኣይትበሃልን ኢኻ” ድማ በሎ። ስለዙይ እግዚኣብሄር “እስራኤል” ኢሉ ሰመዮ።
11
እግዚኣብሄር ድማ “ኣነ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እየ። ፍረን ብዛሕን፥ ህዝብን ማሕበር ኣህዛብን ካባኻ ኽወፁ እዮም። ነገስታትውን ካብ ሕቘኻ ኽወፁ እዮም።
12
እዛ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ዝሃብክዎም ምድሪ ንኣኻ ኽህባ እየ። ብድሕሬኻ ድማ እዛ ምድሪ ንዘርእኻ ኽህባ እየ” በሎ።
13
እግዚኣብሄር ከዓ ኻብታ ምስ ያእቆብ ዝተዛረበላ ቦታ ንላዕሊ ዓረገ።
14
ያእቆብ ድማ ኣብታ ምስ እግዚኣብሄር ዝተዘራረበላ ቦታ ብእምኒ ዝተሰርሐ ሓወልቲ ኣቖመ። ኣብኣ ድማ መስዋእቲ መስተ ኣፍሰሰ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ዘይቲ ኣፍሰሰ።
15
ያእቆብ ከዓ ነታ እግዚኣብሄር ምስኡ ዝተዘራረበላ ቦታ፥ ቤቴል ኢሉ ስም ኣውፅአላ።
16
ሽዑ ያእቆብን ስድራኡን ካብ ቤቴል ተልዓሉ። ንኤፍራታ ኽበፅሑ ቑሩብ መንገዲ ምስ ተረፎም፥ ራሄል ሕማም ሕርሲ ተትሓዘት፤ ፃዕሪ ኸዓ በርትዓ።
17
ሕርሲ በርቲዑዋ ኽትፀዓር እንተላ ድማ እታ መሕረሲት “ሕዚ ድማ ወዲ ረኺብኪ ኢኺ እሞ ኣይትፍርሒ” በለታ።
18
ክትመውት ኢላ፥ ነፍሳ ኽትወፅእ እንተላ ድማ ቤንኦኒ ኢላ ሰመየቶ። ኣቦኡ ግና ብንያም ኢሉ ሰመዮ።
19
ራሄል ድማ ሞተት። ኣብ መንገዲ ኤፍራታ፥ ኣብታ ሕዚ ቤተልሔም እትበሃል ዘላ ተቐበረት።
20
ያእቆብ ድማ ኣብ መቓብራ ሓወልቲ ኣቖመ፤ ንሱ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ ሓወልቲ፥ መቓብር ራሄል እዩ።
21
እስራኤል ከዓ፥ ካብኡ ተልዒሉ ድንኳኑ ኣብ መንፅር ግንቢ ጋዴን ተኸለ።
22
እስራኤልውን ኣብታ ምድሪ እቲኣ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ሮቤል፥ ዕቅብቲ ኣቦኡ ናብ ዝኾነት ናብ ባላ ኣተወ። ያእቆብ ድማ ብዛዕባኡ ሰምዐ። ደቂ ያእቆብ ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
23
ደቂ ልያ፦ ሮቤል በዅሪ ወዱ ንያእቆብ፥ ስምኦን፥ ሌዊ፥ ይሁዳ፥ ይሳኮር፥ ዛብሎን።
24
ደቂ ራሄል፦ ዮሴፍ፥ ብንያም።
25
ደቂ እታ ኣገልጋሊት ራሄል ባላ፦ ዳን፥ ንፍታሌም።
26
ደቂ እታ ኣገልጋሊት ልያ ዘለፋ፦ ጋድ፥ ኣሴር። እዚኣቶም ኣብ ማእኸል ክልተ ሩባታት ዝተወለዱ ደቂ ያእቆብ እዮም።
27
ያእቆብ ድማ ናብ ኣቦኡ ይስሓቅ ናብ መምሬ፥ ናብ ቂርያትኣርባቅ መፀ። ንሳ እታ ኣብርሃምን ይስሓቅን ተቐሚጦምዋ ዝነበሩ፥ ሕዚ ኬብሮን እትበሃል እያ።
28
ዕድመ ይስሓቅ ሚእትን ሰማንያን ዓመት ኮነ።
29
ይስሓቅውን ነፍሱ ሃበ፤ ሞተውን፤ ኣሪጉ፥ ዕድመ ፀጊቡ ድማ ናብ ወገናቱ ተኣከበ። ደቁ ኤሳውን ያእቆብን ከዓ ቐበርዎ።
← Chapter 34
Chapter 36 →