bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 21
Genesis 21
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ከምቲ ዝተናገሮ ንሳራ ዘከራ። እግዚኣብሄርውን ከምቲ ዝተናገሮ ገበረላ።
2
ሳራ ጠነሰት፤ በቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ እዋን ከዓ፥ ንኣብርሃም ኣብ እርግናኡ ወዲ ወለደትሉ።
3
ኣብርሃም ድማ ነቲ ዝተወለደሉ ሳራ ንዝወለደትሉ ወዱ “ይስሓቅ” ኢሉ ሰመዮ።
4
ኣብርሃም ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ንወዱ ይስሓቅ ኣብ ሻምናይ መዓልቱ ገረዞ።
5
ይስሓቅ ክውለድ እንተሎ፥ ኣብርሃም ወዲ ሚእቲ ዓመት ኮይኑ ነበረ።
6
ሳራውን፥ “እግዚኣብሄር ሰሓቕ ገበረለይ፤ ነዙይ ዝሰምዐ ዅሉውን ምሳይ ክስሕቕ እዩ” በለት።
7
መሊሳውን “ሳራ ቘልዓ ኸም እተጥቡ፥ ንኣብርሃም መን ምነገሮ? ኣብ እርግናኡ ንኣብርሃም ወሊደሉ እየሞ” በለት።
8
እቲ ቘልዓ ኸዓ ዓበየ፤ ጡብውን ሓደገ። በታ ይስሓቅ ጡብ ዝሓደገላ መዓልቲ ድማ ኣብርሃም ዓብዪ ድግስ ገበረ።
9
ሳራ ድማ፥ እታ ግብፃዊት ኣጋር ንኣብርሃም ዝወለደትሉ ወዲ፥ ከላግፅ እንተሎ ረአየት።
10
ንኣብርሃም ድማ፥ “ወዲ እዛ ባርያ እዚኣ፥ ምስ ይስሓቅ ወደይ ኣይወርስን እዩ እሞ፥ ነዛ ባርያ እዚኣ ምስ ወዳ ስጐጓ” በለቶ።
11
እዝ ነገር እዙይ ብዛዕባ ወዱ እስማኤል ንኣብርሃም ጭንቂ ኾኖ።
12
እግዚኣብሄር ድማ ንኣብርሃም “ስለ ባርያኻን ስለ እቲ ህፃንን ኣይትጨነቕ፤ ብይስሓቅ እዩ ዘርኢ ዝስመየልካ እሞ፥ ንዅሉ እቲ ሳራ እትብለካ ስምዓዮ፤
13
ንወዲ እዛ ባርያውን ዘርእኻ ስለ ዝኾነ፥ ህዝቢ ኽገብሮ እየ” በሎ።
14
ንፅባሒቱ ኸዓ ኣብርሃም ኣንጊሁ ተሲኡ እንጀራን ሓርቢ ማይን ወሲዱ፥ ንኣጋር ሃባ፤ ኣብ ማእገራ ድማ ኣሰከማ፤ ነቲ ቘልዓ ሂቡውን ሰደዳ። ንሳ ኸዓ ኸይዳ ኣብ በረኻ ቤርሳቤህ ከርተት ትብል ነበረት።
15
እቲ ኣብ ሓርቢ ዝነበረ ማይ ምስ ተወድአ ድማ፥ ነቲ ቘልዓ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኦም ኣቐሚጣ ሓደገቶ።
16
“ሞት እዝ ቘልዓ እዙይ ኸይርኢ” ኢላ ድማ ኸደት እሞ፥ ምውርዋር ቀስቲ ዝኣክል ርሒቓ ኣብ መንፅሩ ተቐመጠት። ዓው ኢላ ድማ ትበኪ ነበረት።
17
ኣምላኽ ከዓ ድምፂ እቲ ቘልዓ ሰምዐ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንኣጋር “ኣጋር፥ እንታይ ኴንኪ ኢኺ? እግዚኣብሄር ድምፂ እቲ ቘልዓ ኣብታ ዘለዋ እንተሎ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፥ ኣይትፍርሒ።
18
ተስኢ፤ ነቲ ቘልዓ ኣልዒልኪ ብኢድኪ ደግፍዮ፤ ኣነ ኸዓ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብሮ እየ” በላ።
19
እግዚኣብሄር ድማ ዓይና ኸፈተላ፤ ማይ ዘለዎ ዒላውን ረአየት። ከይዳ ኸዓ ነቲ ሓርባ ማይ መሊኣ ነቲ ቘልዓ ኣስተየቶ።
20
እግዚኣብሄር ድማ ምስቲ ቘልዓ ነበረ፤ ንሱ ኸዓ ዓበየ፤ ኣብ ምድረ በዳውን ተቐመጠ፤ ቀስተኛ ኸዓ ኾነ።
21
እስማኤል ኣብ ምድረ በዳ ፋራን ይቕመጥ ነበረ። እኖኡ ድማ ኻብ ግብፂ ሰበይቲ ኣምፅአትሉ።
22
በቲ ዘመን እቱይ ድማ፥ ኣቢሜሌክ ምስ ኣኮዘት ሓለቓ መጓሰኡን፥ ምስ ፊኮል ሓለቓ ሰራዊቱን መፂኡ፥ ንኣብርሃም “ብእትገብሮ ዅሉ እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ።
23
ሕዚ ኸዓ ኸምቲ ኣነ ፅቡቕ ዝገበርኩልካ፥ ንኣይን ነዛ ስደተኛ ዄንካ እትነብረላ ዘለኻ ምድርን፥ ከምኡ ኽትገብር እምበር፥ ንኣይን ንደቀይን ንደቂ ደቀይን ክፉእ ከይትገብር ብእግዚኣብሄር መሓለለይ” በሎ።
24
ኣብርሃም ከዓ “ኣነ እምሕል ኣለኹ” በለ።
25
ኣብርሃም ድማ ብዛዕባ እታ ኣገልገልቲ ኣቢሜሌክ፥ ብሓይሊ ዝሓዝዋ ዒላ ማይ ንኣቢሜሌክ ወቐሶ።
26
ኣቢሜሌክ ከዓ “ነዚ ነገር እዙይስ መን ከም ዝገበሮ ኣይፈለጥኩን፤ ንስኻ ድማ ኣይነገርካንን፤ ኣነውን እንትርፊ ሎሚ ኣይሰማዕኹን” በለ።
27
ኣብርሃም ድማ ኣባጊዕን ከፍትን ወሲዱ ንኣቢሜሌክ ሃቦ። ክልቲኦም ከዓ ኺዳን ተኣታተዉ።
28
ኣብርሃም ድማ ኻብ መጓሰኡ ሸውዓተ ኣንስትዮ ኣባጊዕ ንበይነን ፈለየ።
29
ኣቢሜሌክ ከዓ ንኣብርሃም “እዘን ንበይነን ዝፈለኻየን ሸውዓተ ሽበን ኣባጊዕ እንታይ እየን?” በሎ።
30
ኣብርሃም ድማ፥ “ነዛ ዒላ እዚኣ ኣነ ኸም ዝዀዓትክዋ ምእንቲ ንኣይ ምስክር ክኾናኒ፥ እዘን ሸውዓተ ሽበን ኣባጊዕ እዚኣተን ካብ ኢደይ ንኣኻ ውሰድ” በሎ።
31
ስለዙይ ክልቲኦም ኣብኣ ስለ ዝተመሓሓሉ፥ ነታ ቦታ እቲኣ “ቤርሳቤህ” ኢሉ ፀውዓ።
32
ኣብ ቤርሳቤህ ኸዓ ኺዳን ተኣታተዉ። ኣቢሜሌክ ድማ ምስ ኣኮዘት ሓለቓ መጓሰኡን፥ ምስ ፊኮል ሓለቓ ሰራዊቱን፥ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ተመለሰ።
33
ኣብርሃም ከዓ ኣብ ቤርሳቤህ ተምሪ ተኸለ። ኣብኣውን ንስም እቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ዝኾነ እግዚኣብሄር ፀውዐ።
34
ኣብርሃም ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ስደተኛ ኾይኑ ነዊሕ ዘመን ተቐመጠ።
← Chapter 20
Chapter 22 →