bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 12
Genesis 12
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም ከምዙይ በሎ፦ “ካብ ዓድኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ ዓዲ ኣቦኻን ውፃእ፤ ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ ኸዓ ኺድ።
2
ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን እየ፤ ንስምካውን ከዕብዮ እየ፤ ንበረኸት ድማ ኽትከውን ኢኻ።
3
ንዝባርኹኻ ኽባርኾም፥ ንዝረግሙኻ ድማ ኽረግሞም እየ፤ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ድማ ብኣኻ ኽባረኹ እዮም።”
4
ኣብራም ከዓ ናብቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኸደ፤ ሎጥውን ምስኡ ኸደ። ኣብራም ካብ ካራን ክወፅእ እንተሎ፥ ወዲ ሰብዓን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ።
5
ኣብራም ድማ ንሶራ ሰበይቱን ንሎጥ ወዲ ሓዉን ነቲ ዘጥረይዎ ዅሉ ጥሪቶምን፥ ነቶም ኣብ ካራን ዘጥረይዎም ሰባትን ሒዙ፥ ናብ ምድሪ ከነዓን ክኸይድ ወፀ፤ ኣብ ምድሪ ከነዓን ከዓ በፅሐ።
6
ኣብራም ድማ በታ ምድሪ ሓሊፉ ናብታ ሴኬም እትበሃል ቦታ፥ ናብታ ዓባይ ኦም ሞሬ በፅሐ። በቲ ዘመን እቱይ ድማ ከነዓናውያን ኣብታ ምድሪ ነበሩ።
7
እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም ተርኣዮ እሞ “እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ኽህባ እየ” በሎ። ኣብራምውን ነቲ ዝተርኣዮ እግዚኣብሄር፥ ኣብኣ መሰውኢ ሰርሐሉ።
8
ካብኡ ናብቲ ኣብ ምብራቕ ቤቴል ዘሎ እምባ ተጕዓዘ፤ ኣብኡ ድማ ድንኳኑ ተኸለ እሞ፥ ቤቴል ብወገን ምዕራቡ፥ ጋይ ከዓ ብወገን ምብራቑ ኾና። ኣብኡ ኸዓ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ዘቕርበሉ መሰውኢ ሰርሐ፤ ስም እግዚኣብሄርውን ፀውዐ።
9
ኣብራም ድማ ተልዒሉ ኸደ። ናብ ነጌብ ኣቢሉውን ተጕዓዘ።
10
ኣብታ ምድሪ ከዓ ጥሜት ኮነ። ኣብታ ምድሪ ጥሜት ስለ ዝበርትዐ ድማ፥ ኣብራም ኣብኣ ኽቕመጥ ናብ ግብፂ ተሰዲዱ ኸደ።
11
ናብ ግብፂ ኽኣቱ ምስ ቀረበ፥ ንሰበይቱ ሶራ “እንሆ፥ መልክዐኛ ሰበይቲ ኸም ዝኾንኪ ኣነ እፈልጥ እየሞ፥
12
ግብፃውያን ምስ ረአዩኺ ድማ ‘ሰበይቱ እያ’ ኽብሉ እዮም፤ ንኣይ ቀቲሎም ከዓ ንኣኺ ብህይወት ክሓድጉኺ እዮም።
13
እምበኣር ንኣኺ ኽብሉ ብፅቡቕ ምእንቲ ኽቕበሉኒ፥ ኣነ ድማ ብኣኺ ምእንቲ ኽድሕንስ፥ ‘ሓፍቱ እየ’ ደኣ በሊ” በላ።
14
ኣብራም ኣብ ግብፂ ምስ ኣተወ፥ ግብፃውያን እታ ሰበይቲ የመና መልክዐኛ ምዃና ረአዩ።
15
ሹመኛታት ፈርዖን ምስ ረአይዋ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ኣድነቑዋ፤ ናብ ቤተ መንግስቲ ፈርዖንውን ወሰድዋ።
16
ፈርዖን ድማ ምእንቲ ሶራ ኢሉ ንኣብራም ፅቡቕ ገበረሉ። ኣብራም ከዓ ኣገልገልቲ ኣወዳትን ኣንስትን፥ ኣባጊዕን፥ ኣብዑርን፥ ኣእዱግን፥ ኣግማልን ነበርዎ።
17
እግዚኣብሄር ግና ብምኽንያት ሶራ ሰበይቲ ኣብራም፥ ንፈርዖንን ንቤቱን ብብርቱዕ መቕሰፍቲ ቐፅዖም።
18
ፈርዖን ድማ ንኣብራም ናብኡ ፀዊዑ፥ “እዝ ኣባይ ዝገበርካዮ እንታይ እዩ? ስለ ምንታይ ኢኻኸ ሰበይትኻ ምዃና ዘየፍለጥካኒ?
19
ስለ ምንታይከ ሓፍተይ እያ በልካ? ሰበይተይ ክትከውን ወሲደያ ነይረ። ሕዚ ግና እኒሃትልካ ሰበይትኻ ሒዝካ ኺድ” በሎ።
20
ፈርዖን ድማ ንሓሻኽሩ ንኣብራም ከፋንውዎ ኣዘዞም። ንሳቶም ከዓ ንእኡን ንሰበይቱን ንዘለዎ ዅሉ ጥሪቱን ኣፋነውዎም።
← Chapter 11
Chapter 13 →