bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Galatians 6
Galatians 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ሓደ ሰብ ኣብ ሓጢኣት እንተ ተረኽበ፥ መንፈሳውያን ዝኾንኩም ንስኻትኩም፥ ነዝ ኸምዙይ ዝበለ ሰብ፥ ብለውሃት መንፈስ ምለስዎ። ንስኻውን ከምኡ ኸይትፍተን፥ ንባዕልኻ ተጠንቀቕ።
2
ነፍሲ ወከፍ፥ ናይ ካልእ ፆር ይፁር፤ በዙይ ከዓ ሕጊ ክርስቶስ ክትፍፅሙ ኢኹም።
3
ሓደ ሰብ፥ ንዘይኮኖ ኸም ዝኾነ እንተ መሰሎ፥ ንባዕሉ የታልል።
4
እንተ ኾነ፥ ነፍሲ ወከፍ ናይ ባዕሉ ስራሕ ይመርምር፤ ሽዑ ብናይ ብፃዩ ዘይኮነ፥ ብናይ ባዕሉ ስራሕ ክምካሕ እዩ።
5
ነፍሲ ወከፍ ናይ ባዕሉ ፆር፥ ክፀውር ይግባእ እዩ እሞ።
6
እቲ ነቲ ቓል ዝመሃር ከዓ፥ ካብቲ ዘለዎ ፅቡቕ ነገራት ምስቲ መምህሩ ይካፈሎ።
7
ኣይትስሓቱ፤ እግዚኣብሄር ኣይዕሾን እዩ፤ ሰብ ነቲ ዝዘርኦ እዩ ዝዓፅድ።
8
እቲ ንስጋኡ ኸሕጕስ ኢሉ ዝዘርእ፥ ካብ ስጋኡ ሞት ይዓፅድ። እቲ ንመንፈስ ከሕጕስ ኢሉ ዝዘርእ ከዓ፥ ካብ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይዓፅድ።
9
እዋኑ ምስ በፅሐ ኽንዓፅድ ኢናሞ፥ ሰናይ ስራሕ ንምስራሕ ኣይንሰልኪ።
10
እምበኣር ጊዜ እንተለና፥ ንዅሉ ሰብ፥ ብሕልፊ እኳ፥ ነቶም ብእምነት ኣሕዋትና ዝኾኑ፥ ሰናይ ንግበር።
11
ብኸመይ ዝበሉ ፍሩያት ፊደላት፥ ብኢደይ ከም ዝፀሓፍኩልኩም ረአዩ።
12
እቶም ብስጋ ኽምክሑ ዝደልዩ ሰባት፥ ክትግረዙ ግዲ ይብሉኹም ኣለዉ፤ ነዝ ዝገብርዎ ዘለዉ ኸዓ፥ ብሰንኪ መስቀል ክርስቶስ፥ ከይስደዱ ኢሎም እዮም።
13
ንሳቶም ብስጋኹም ምእንቲ ኽምክሑ፥ ክትግረዙ ይደልዩኹም ኣለዉ እምበር፥ እቶም ግሩዛት እኳ ባዕልቶም፥ ንሕጊ ኣይሕልዉን እዮም።
14
ኣነ ግና፥ ዓለም ንኣይ ዝተሰቕለትሉ፥ ኣነውን ንዓለም ዝተሰቐልኩሉ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ትምክሕቲ ኻባይ ይርሓቕ።
15
ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝርከብ ሓድሽ ፍጥረት ምዃን እምበር፥ ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ፥ ዝጠቕሞ የብሉን።
16
ኣብቶም በዛ መምርሒ እዚኣ ዝነብሩ ዅሎምን፥ ኣብቶም ናይ እግዚኣብሄር እስራኤልን፥ ሰላምን ምሕረትን ይኹን።
17
ኣነስ ምልክት መከራ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ ሰብነተይ እፀውር ኣለኹ እሞ፥ ድሕሪ ሕዚ ሓደኳ ኣየትክረኒ።
18
ኣሕዋተይ፥ ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።
← Chapter 5