bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Galatians 4
Galatians 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣነ ዝብሎ እዙይ እዩ፦ እቲ ወራሲ ኣብ ጊዜ ህፃንነቱ፥ ናይ ኵሉ ጐይታ እንተ ኾነ እኳ፥ ካብ ባርያ ኣይፍለን።
2
ክሳዕ እቲ ኣቦኡ ዝወሰነሉ ጊዜ፥ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሓለውትን መገብትን እዩ።
3
ከምኡውን ንሕና ህፃናት እንተለና፥ ኣብ ትሕቲ ኣተሓሳስባ ዓለም ባሮት ኴንና ነበርና።
4
ጊዜኡ ምስ በፅሐ ግና፥ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሕጊ ዝነበሩ ምእንቲ ኽቢዘው፥ ንሕናውን ናይ ውሉድነት ስልጣን ምእንቲ ኽንረክብ፥ ንወዱ ለኣኾ፤ ካብ ሰበይቲ እውን ተወለደ፤ ንሕጊ እውን ተኣዛዚ ኾነ።
6
ውሉድ ስለ ዝኾንኩም ከዓ፥ ነቲ “ኣባ፥ ኣቦ” ኢሉ ዝፅውዕ መንፈስ ወዱ፥ ናብ ልብኹም ለኣኾ።
7
ደጊም ውሉድ እምበር ባርያ ኣይኮንካን። ውሉድ ካብ ኮንካ ድማ፥ ብክርስቶስ ናይ እግዚኣብሄር ወራሲ ኢኻ።
8
ቀደም ንእግዚኣብሄር ከይፈለጥኩምዎ እንተለኹም፥ ነቶም ብባህርዮም ኣማልኽቲ ዘይኮኑ፥ ብባርነት ትግዝኡ ነበርኩም።
9
ሕዚ ግና ንእግዚኣብሄር ምስ ፈለጥኩምዎ፥ ብሕልፊ እኳ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ምስ ፈለጠኩም፥ ከመይ ኢልኩም ድኣ፥ ናብቲ ድኹምን ዘይጠቅምን ስርዓት ዓለም ትምለሱ ኣለኹም? መሊስኩምዶ ንኣኣቶም ባርያ ዄንኩም ክትግዝኡ ትደልዩ ኣለኹም?
10
ንስኻትኩም፥ ፍሉያት መዓልቲታትን ኣዋርሕን ዘመናትን ዓመታትን ተኽብሩ ኣለኹም።
11
ኣባኻትኩም ንኸንቱ ደኺመ ኸይከውን እፈርሕ ኣለኹ።
12
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ከምቲ ኣነ ንኣኻትኩም ዝመሰልኩ፥ ንስኻትኩምውን ንኣይ ክትመስሉ እልምነኩም ኣለኹ፤ ሓንቲ እኳ ኣይበደልኩምንን።
13
ብመጀመርታ ጊዜ ወንጌል ዝሰበኽኩልኩም፥ ካብ ድኻም ስጋ ዝተልዓለ ኸም ዝነበረ ትፈልጡ ኢኹም።
14
እቲ ሕማመይ ንኣኻትኩም ፈተና እኳ እንተ ነበረ፥ ኣይነዓቕኩምንን፤ ወይ ኣይተፀየፍኩምንን። እኳ ደኣ፥ ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ከም ክርስቶስ ኢየሱስ ጌርኩም ተቐበልኩምኒ እምበር።
15
እቲ ምሕጓስኩም ደኣ ኣበይ ኣሎ? ዝከኣል ነይሩ እንተ ዝኸውን፥ ዓይንኹም እኳ እንተይተረፈ፥ ኣውፂእኹም ምሃብኩምኒ ኔርኩም ኢለ፥ ባዕለይ እምስክረልኩም ኣለኹ።
16
እሞኸ ሓቂ ስለ ዝነገርኩኹምዶ፥ ፀላኢ ኾይነኩም እየ?
17
ኣበርቲዖም ይደልዩኹም ኣለዉ፤ ግና ንፅቡቕ ኣይኮነን፤ ንኣኣቶም ምእንቲ ኽትደልዩ፥ ክፈልዩኹም ኢሎም እዮም እምበር።
18
ንፅቡቕ ደኣ ይኹን እምበር፥ ንሰብ ምሕላይ ሰናይ እዩ፤ እዙይ ግና ኣነ ምሳኻትኩም እንተለኹ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ኵልሻዕ ክኸውን ኣለዎ።
19
ኣቱም ደቀይ፥ ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዝቕረፅ፥ መሊሰ ንኣኻትኩም፥ ከም ሕማም ሕርሲ እፀዓር ኣለኹ።
20
እቲ ብዛዕባኻትኩም ዝብሎ ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ምሳኻትኩም እንተ ዝህሉ ፅቡቕ ነይሩ፤ ሕዚ ግና ዝብሎ ጠፊኡኒ ኣሎ።
21
ኣቱም ትሕቲ ሕጊ ንንበር እትብሉ ዘለኹም፥ ንሕጊዶ ኣይትሰምዕዎን ኢኹም? እስኪ ንገሩኒ።
22
ኣብርሃም ክልተ ኣወዳት፥ ሓደ ኻብታ ባርያ፥ ሓደ ኸዓ ኻብታ እመቤት ከም ዝወለደ ተፅሒፉ እዩ።
23
ወዲ እታ ገረድ፥ ከም ናይ ስጋዊ ልማድ ተወለደ፤ ወዲ እታ እመቤት ግና፥ በቲ ተውሂቡ ዝነበረ ተስፋ ተወለደ።
24
እዙይ ምሳሌ እዩ፤ እዘን ኣንስቲ እዚኣተን፥ ክልተ ኺዳን እየን ዘመልክታ። ብኣጋር ዝተመሰለት፥ እታ ንባርነት እትወልድ፥ ናይ ደብረ ሲና ኺዳን እያ።
25
ኣጋር ከዓ ኣብ ሃገር ዓረብ ዘላ፥ ደብረ ሲና እያ እተመልክት። ንሳ ምሳሌ ናይታ ሕዚ ምስ ደቃ፥ ኣብ ባርነት ዘላ ኢየሩሳሌም እያ።
26
እታ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ግና፥ ብነፃነት እትነብር እያ፤ ንሳ ኸዓ እኖና እያ።
27
“ኣቲ ዘይወለድኪ መኻን፥ ደስ ይበልኪ፤ ኣቲ ንምውላድ ዘይፀዓርኪ ዕልል በሊ፤ ካብ ደቂ እታ ሰብኣይ ዘለዋስ፥ ደቂ እታ ንበይና ዘላ ይበዝሑ” ዝብል ተፅሒፉ ኣሎ እሞ።
28
ኣሕዋተይ፥ ንሕና ኸም ይስሓቅ ደቂ ተስፋ ኢና።
29
ግና ኸምቲ ሽዑ እቲ ብናይ ስጋ ዝተወለደ፥ ነቲ ብናይ መንፈስ ዝተወለደ ዘሳጐጎ፥ ሕዚ እውን ከምኡ እዩ።
30
እቲ ፅሑፍ ግና “ወዲ እታ ባርያ፥ ምስ ወዲ እታ እመቤት ኣይወርስን እዩ እሞ፥ ነታ ባርያ ምስ ወዳ ስደዳ” ይብል።
31
ስለዙይ ኣሕዋተይ፥ ንሕና ደቂ እታ እመቤት እምበር፥ ደቂ እታ ባርያ ኣይኮንናን።
← Chapter 3
Chapter 5 →