bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 42
Ezekiel 42
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ ንሱ ናብቲ ናብ ሰሜን ዘብል መንገዲ ናብ ወፃኢ ዓፀድ ኣውፅአኒ፤ ናብቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ጥራሑ ዘሎ ቦታን፥ ኣብ ግምባር እቲ ናብ ሰሜን ዝርኢ ህንፃን፥ ዘሎ ኽፍሊ ቤት ከዓ ኣእተወኒ።
2
እታ ደጊኣ ናብ ሰሜን ኣቢላ እትርኢ፥ ምንዋሓ ሚእቲ እመት፥ ወርዳ ኸዓ ሓምሳ እመት ነበረ።
3
ኣብ ኣንፃር እታ ዕስራ ዝእመታ ውሽጣዊት ዓፀድ፥ ኣብ መንፅር እቲ ኣብ ወፃኢ ዓፀድ ዘሎ ምድሪ ቤት እምኒ ኸዓ፥ መተሓላለፊ ኣብቲ ሰለስተ ደርቢ ነበረ።
4
ኣብ ቅድሚ እተን ክፍልታት ኣባይቲ ድማ፥ ዓሰርተ እመት ዝወርዱ መተሓላለፊ ነበረ፤ ናብ ውሽጢ ኸዓ ሓደ ዝእመቱ መንገዲ ነበረ፤ ደገታታውን ናብ ሰሜን ኣቢለን እየን።
5
እቲ መተሓላለፊታት፥ ቦታ ስለ ዝወሰደለን፥ እተን ላዕለዎት ክፍልታት ኣባይቲ፥ ካብተን ታሕተዎትን ማእኸለዎትን ናይቲ ህንፃ ይፀባ ነበራ።
6
ንሳተን ሰለስተ ደርቢ እየን እሞ፥ ኣዕምዲስ ኸምተን ናይ ዓፀድ ኣዕምዲ ኣይነበረንን፤ ስለዙይ ካብ ምድሪ ቤት ሒዙ እተን ላዕለዎት ክፍልታት ኣባይቲ፥ ካብተን ታሕተዎትን ማእኸለዎትን ይፀባ ነበራ።
7
እተን ኣብ ወፃኢ ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ፥ ምንዋሐን ሓምሳ እመት ነበረ፤ እቲ ኣብ መንፅር ቤተ መቕደስ ዝነበረውን፥ ሚእቲ እመት ነበረ እሞ፥ እቲ ኣብ ቅድሚ ኽፍልታት ኣባይቲ፥ ናብቲ ወፃኢ ዓፀድ ዘብል፥ ኣብ ወፃኢ ኣብ ኣንፃር እቲ ኽፍልታት ኣባይቲ ዝነበረ መንደቕ፥ ምንዋሑ ሓምሳ እመት ነበረ።
9
ነቶም ካብ ወፃኢ ዓፀድ ዝኣትዉ፥ ኣብ ትሕቲ እዘን ክፍልታት ቤት እዚኣተን ብወገን ምብራቕ መእተዊ ኣሎ።
10
ኣብ ወገን ምብራቕ ኣብ መእተዊ እቲ መንደቕ ዓፀድ፥ ቅድሚ እቲ ጥራሑ ዘሎ ቦታን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ህኑፅን ክፍልታት ኣባይቲ ነበራ።
11
ኣብ ቅድሚአን ከዓ፥ ከምቲ ናብ ሰሜን ዘብል ክፍልታት ኣባይቲ መተሓላለፊ ነበረ፤ ምንዋሐንን ወርደንን መውፅኢአንን ስርዓተንን ደገአንን ማዕረ ማዕረ ነበረ።
12
ከምተን ናብ ደቡብ ዘብላ ደገታት ክፍልታት ኣባይቲ፥ ኣብ ልዕሊ እታ መንገዲ ደገ ነበረ፤ ንሳውን ነቶም ካብ ምብራቕ ዝአትዉ ኣብ ቅድሚ እቲ መንደቕ ዝነበረት እያ።
13
በለኒውን፥ እዘን ኣብ ቅድሚ እቲ ጥራሑ ዘሎ ቦታ፥ ናይ ሰሜንን ደቡብን ክፍልታት ኣባይቲ፥ ቅዱሳት ክፍልታት ኣባይቲ እየን፤ ኣብአን እቶም ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርቡ ኻህናት፥ ነቲ የመና ቅዱስ ነገር ክበልዑ እዮም። ቅዱስ ቦታ እዩ እሞ፥ ኣብኡ ነቲ የመና ቅዱስ ነገር መስዋእቲ እኽልን፥ መስዋእቲ ሓጢኣትን፥ መስዋእቲ በደልን ከንብሩ እዮም።
14
እቶም ካህናት ምስ ኣተዉ፥ እተን ዘገልገሉለን ኣልባሳት ቅዱሳት እየን እሞ፥ ኣብኡ ኸየንብርወን፥ ካብታ መቕደስ ናብ ወፃኢ ዓፀድ ኣይውፅኡ፤ ካልእ ክዳውንቲ ይከደኑ እሞ፥ ናብቲ ንህዝቢ ዝተመደበ ቦታ ይውፅኡ።
15
ነታ ውሽጣዊት ቤት ኣሚቱ ምስ ወድአ፥ በታ ናብ መንገዲ ምብራቕ እተብል ደገ ኣውፅአኒ፤ በዙይን በቱይን ብዙርያኣ ድማ ኣመታ።
16
ነቲ ወገን ምብራቕ በታ መአመቲት ዘንጊ ኣመቶ፤ በታ መአመቲት ዘንጊ ኸዓ ብዙርያኡ ሓሙሽተ ሚእቲ ዘንጊ ኾነ።
17
ነቲ ወገን ሰሜን ከዓ ኣመቶ፤ በታ መአመቲት ዘንጊ ድማ፥ ብዙርያኡ ሓሙሽተ ሚእቲ ኾነ።
18
ነቲ ወገን ደቡብ ከዓ ኣመቶ፤ በታ መአመቲት ዘንጊ፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ዘንጊ ኾነ።
19
ናብቲ ወገን ምብራቕ ዞረ፤ በታ መአመቲት ዘንጊ ድማ ሓሙሽተ ሚእቲ ዘንጊ ኣመቶ።
20
ነቲ ኣብ ዙርያኡ ዘሎ መንደቕ፥ በርባዕቲኡ ወገን ኣመቶ፤ ምንዋሑ ሓሙሽተ ሚእቲ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ሓሙሽተ ሚእቲ እመት ኮነ፤ እዙይ ነቲ ቕዱስ ካብቲ ዘይቅዱስ ዝፈሊ ነበረ።
← Chapter 41
Chapter 43 →