bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 16
Exodus 16
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኵሎም ማሕበር እስራኤል ካብ ኤሊም ተልዒሎም፥ ኣብ መንጎ ኤሊምን ሲናን ናብ ዘሎ ሲን ዝበሃል ምድረ በዳ በፅሑ። እዙይ ከዓ ኻብ ምድሪ ግብፂ ምስ ወፁ፥ ኣብ ካልአይቲ ወርሒ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ነበረ።
2
ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ድማ ኣብቲ ምድረ በዳ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙ።
3
ኣስዒቦም ከዓ “እቲ ኣብ ጥቓ ስጋ ዝመልአ ቝራዕ ኮፍ ኢልና እንትንበልዕ፥ ዝደለናዮ እንጀራ በሊዕና ኸዓ ኽንፀግብ እንተለና፥ ብኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ግብፂ እንተንመውት ምሐሸና። ንስኻትኩም ግና ንዅልና ብጥሜት ክትቀትሉና፥ ናብዝ በረኻ እዙይ ኣውፃእኹምና” በልዎም።
4
ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ “እንሆ፥ ኣነ ኻብ ሰማይ እንጀራ ኸዝንመልኩም እየ። እቶም ህዝቢ ብትእዛዘይ ዝኸዱ እንተ ኾይኖምን እንተ ዘይኮይኖምን ምእንቲ ኽፍትኖምስ እናወፁ በብመዓልቱ ነታ ዕለት ዝኣክል ይኣክቡ።
5
እቲ ብሻድሸይቲ መዓልቲ ዝእክብዎ ግና ዕፅፊ እቲ ንሓደ መዓልቲ ዝእክብዎ ይኹን” በሎ።
6
ሙሴን ኣሮንን ድማ ንዅሎም ደቂ እስራኤል “እግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ግብፂ ኸም ዘውፅአኩም ሎሚ ምሸት ክትፈልጡ ኢኹም።
7
እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘጕረምረምኩምዎ እግዚኣብሄር ሰሚዕዎ እዩ እሞ፥ ፅባሕ ንግሆ ኽብሩ ኽትሪኡ ኢኹም። ኣብ ልዕሌና እተጕረምርሙስ፥ ንሕና እንታይ ኢና?” በልዎም።
8
ሙሴ ድማ “እግዚኣብሄር እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘጕረምረምኩምዎ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፥ ብምሸት ስጋ ኽትበልዑ፥ ብጊሓት ከዓ ምግቢ ኽትፀግቡ ዝህበኩም እግዚኣብሄር እዩ። እቲ ኣብ ልዕሌና ዘጕረምረምኩምዎ፥ ብእግዚኣብሄር ኢኹም ዘጕረምረምኩም እምበር ብኣና ኣይኮነን። ንሕና ደኣ እንታዎት ኴንና!” በሎም።
9
ሙሴ ድማ ንኣሮን “ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል፥ ‘እግዚኣብሄር ምጕርምራምኩም ሰሚዑ እዩ እሞ፥ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅረቡ’ በሎም” በሎ።
10
ኣሮን ከዓ ንዅሉ ማሕበር እስራኤል ምስ ተዛረበ፥ ንሳቶም ገፆም ናብ ምድረ በዳ ኣቢሎም ጠመቱ፤ እንሆ ድማ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብ ደመና ተርኣየ።
11
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ
12
“ምጕርምራም ደቂ እስራኤል ሰሚዐ እየ። ‘ብምሸት ስጋ ኽትበልዑ ኢኹም፤ ጊሓት ድማ እንጀራ ኽትፀግቡ ኢኹም። ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም’ ኢልካ ተዛረቦም” በሎ።
13
ንምሸቱ ብርንሂጎታት መፂአን ነቲ ሰፈር ከደናኦ። ብጊሓት ድማ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ዛዕዛዕታ ወዲቑ ነበረ።
14
እቲ ህቦ ምስ ተነነ ኸዓ፥ ከም ኣስሓይታ ዝምድቃቑ ደቂቕን ከቢብን ዝኾነ ነገር ኣብቲ ምድረ በዳ ኣብ ምድሪ ተርኣየ።
15
ደቂ እስራኤል ድማ ነዙይ ምስ ረአዩ፥ እንታይ ምዃኑ ስለ ዘይፈለጡ፥ “እዙይ እንታይ እዩ?” ኢሎም ንስንሳቶም ተጠያየቑ። ሙሴ ኸዓ “እዙይ እግዚኣብሄር ክትበልዕዎ ዝሃበኩም እንጀራ እዩ።
16
እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ነገር ድማ እዙይ እዩ፦ ነፍሲ ወከፍ ዝኣኽሎ ይኣክብ። ነቶም ኣብ ድንኳን ምስኡ ዘለዉውን ብቝፅሮም፤ ንነፍሲ ወከፎም ሓደ ምሸ ይውሰደሎም” በሎም።
17
ደቂ እስራኤል ድማ ኸምኡ ገበሩ። ገሊኣቶም ብዙሕ ገሊኣቶም ከዓ ውሑድ ኣከቡ።
18
ብምሸ ሰፈርዎ፤ ነፍሲ ወከፍ እቲ ዝኣኽሎ ደኣ ኣከበ እምበር፥ እቲ ብዙሕ ዝኣከበ ኣየትረፈን፤ እቲ ውሑድ ዝኣከበ ኸዓ ኣየጕደለን።
19
ሙሴ ድማ “ሓደ እኳ ኻብኡ ንፅባሕ ኢሉ ኣየትርፍ” በሎም።
20
ንሙሴ ስለ ዘይሰምዕዎ ግና፥ ዝተወሰኑ ሰባት ካብኡ ንፅባሒቱ ዝኾኖም ኣትረፉ፤ ንሱ ኸዓ ሓሰኸን ጨነወን። ሙሴ ድማ ተቘጥዖም።
21
ነፍሲ ወከፍ ንግሆ ንግሆ ኻብኡ ዝኣኽሎ ይእክብ ነበረ። ሙቐት ፀሓይ እናበርትዐ ምስ ከደ ግና እቲ ዝተረፈ ይመክኽ ነበረ።
22
በታ ሻድሸይቲ መዓልቲ ኻብቲ እንጀራ ዕፅፊ፥ ክልተ ምሸ ንሓደ ሰብ ኣከቡ። ኵሎም መራሕቲ ደቂ እስራኤል ድማ መፂኦም ንሙሴ ነገርዎ።
23
ንሱ ኸዓ “እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ እዙይ እዩ፦ ፅባሕ፥ መዓልቲ ዕረፍቲ፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰት ሰንበት እያ፤ እትስንክትዎ ሰንክቱ፤ እተብስልዎ ኣብስሉ። እቲ ዝተረፈ ዅሉ ንፅባሕ ክኾነኩም ኣሕድርዎ” በሎም።
24
ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞም ከዓ ንፅባሒቱ ክኾኖም ኣሕደርዎ። ኣይጨነወን ኣይሓሰኸንውን።
25
ሙሴ ኸዓ “ሎሚ ናይ እግዚኣብሄር ሰንበት እያ፤ ኣብ በረኻ ዝብላዕ ኣይትረኽቡን ኢኹምሞ ነቲ ዘሕደርኩምዎ ሎሚ ብልዕዎ።
26
ሽዱሽተ መዓልቲ ኣክቡ፤ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና፥ ሰንበት ስለ ዝኾነት፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣይርከብን እዩ” በሎም።
27
ካብቶም ህዝቢ ገሊኣቶም በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኽእክቡ ወፁ፤ ይኹን እምበር ዝብላዕ ኣይረኸቡን።
28
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ትእዛዛተይን ሕግጋተይን ምሕላው እትኣብዩ?
29
ረአዩ፥ ኣነ ሰንበት ሂበኩም ኣለኹ፤ ስለዙይ ከዓ እየ በታ ሻድሸይቲ መዓልቲ ንኽልተ መዓልቲ ዝኸውን እንጀራ ዝህበኩም ዘለኹ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዘዘለዎ ይቀመጥ፤ ሓደ እኳ ኻብ ስፍራኡ ኣይውፃእ” በሎ።
30
እቲ ህዝቢ ኸዓ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕረፈ።
31
ህዝቢ እስራኤል ድማ ነቲ ምግቢ፥ መና ኢሎም ሰመይዎ፤ ፍረ ፃቕዳ ዝመስል ፃዕዳ ነበረ። ጣዕሙ ድማ ኸም ቅጫ መዓር ዝጥዕም ነበረ።
32
ሙሴ ኸዓ “እግዚኣብሄር እቲ ኻብ ግብፂ ኸውፅአኩም እንተለኹ፥ ኣብ ምድረ በዳ ዝመገብኩኹም እንጀራ ምእንቲ ኽሪኡስ፥ ካብቲ መና ሓደ ምሸ መሊእኹም ንውሉድ ወለዶኹም ዕቘርዎ ኢሉ ኣዚዙ እዩ” በሎም።
33
ሙሴ ድማ ንኣሮን “ኣቕሓ ኣምፂእኻ ሓደ ጎመር መና ውሰድ፤ ንውሉድ ወለዶ ኽዕቈር ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንብሮ” በሎ።
34
ኣሮን ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ እቲ መና ኽዕቈር ኣብ ቅድሚ እቲ ምስክር ናይ ኪዳን ታቦት ኣንበሮ።
35
ደቂ እስራኤል ናብታ ዝነብሩላ ምድሪ ኽሳዕ ዝኣትዉ፥ ነርብዓ ዓመት ዝኣክል መና በልዑ። ናብ ወሰን ከነዓን ክሳዕ ዝበፅሑ መና በልዑ።
36
ሓደ ምሸ ዓስራይ ኣፍ ናይ ኢፍ እዩ።
← Chapter 15
Chapter 17 →