bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ephesians 6
Ephesians 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣቱም ውሉድ፥ ግቡእ እዩ እሞ፥ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም።
2
ሰናይ ክኾነልካ፥ ኣብ ምድሪ እውን ዕድሜኻ ምእንቲ ኽነውሕ፥ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር። ንሳውን ናይ ተስፋ ቓል ዘለዋ፥ ቀዳመይቲ ትእዛዝ እያ።
4
ኣቱም ወለዲውን፥ ብናይ ጐይታ ምኽርን ተግሳፅን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፥ ንደቅኹም ኣይተቘጥዕዎም።
5
ኣቱም ኣገልገልቲ፥ ነቶም ብስጋ ጐይቶትኩም፥ ብፍርሓትን ብራዕድን ብቕኑዕ ልብን፥ ከም ንክርስቶስ ጌርኩም ተኣዘዝዎም።
6
ፈቓድ እግዚኣብሄር ከም ዝገብሩ፥ ከም ኣገልገልቲ ክርስቶስ እምበር፥ ንሰብ ከም እተሐጕሱ፥ ንይምሰል ከም እትግዝኡ ኣይትኹኑ።
7
ንሰብ ዘይኮነስ፥ ንጐይታ ኸም እትግዝኡ፥ ብትግሃትን ብሰናይ ድልየትን ተገዝኡ።
8
ኣገልጋሊ ኾነ፥ እቲ ተገልጋሊ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰናይ ዝገበረ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዓስቡ ኸም ዝቕበል ፍለጡ።
9
ንስኻትኩምውን ኣቱም ጐይቶት፥ ምፍርራሕ ሓዲግኩም፥ ልክዕ ከምኡ ግበሩሎም። እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ናታቶምን ናታትኩምን ጐይታ፥ ገፅ ሰብ ሪኡ ዘየዳሉ ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም።
10
ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ብጐይታን ብፅንዓት ሓይሉን ጠንክሩ።
11
ንተንኰል ሰይጣን ምክልኻል ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኣፅዋር እግዚኣብሄር ብምሉኡ ልበሱ።
12
ውግእና ምስ ኣሕሉቕን፥ ስልጣናትን፥ ምስቶም ነዝ ዘመን ፀልማት ዘመሓድሩ ገዛእቲ ዓለምን፥ ምስቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ኽፉኣት መናፍስትን እዩ እምበር፥ ምስ ስጋን ደምን ኣይኮነን።
13
ስለዙይ በታ ኽፍእቲ መዓልቲ፥ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኵሉ ስዒርኩም ድማ ደው ክትብሉስ፥ ምሉእ ኣፅዋር እግዚኣብሄር ኣልዕሉ።
14
እምበኣር ሕቘኹም ብሓቂ ተዓጢቕኩም፥ ድርዒ ፅድቂ እውን ተኸዲንኩም ቁሙ።
15
ነቲ ናይ ሰላም ወንጌል ብምድላው፥ ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ብምእታው፥ ተዳሊኹም ቁሙ።
16
ምስ እዝ ዅሉ ኸዓ፥ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ሃልሃል ዝብል ኵሉ ፍላፃታት ኽተጥፍኡሉ እትኽእሉ፥ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ።
17
ናይ ምድሓን ቁራዕ ርእሲ ድፍኡ፤ ናይ መንፈስ ሰይፊ ድማ ሓዙ፤ ንሱውን ቃል እግዚኣብሄር እዩ።
18
ብኹሉ ፀሎትን ብልመናን ኵልሻዕ ብመንፈስ ፀልዩ። ምስ እዙይውን፥ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብፀሎት ትግሁ።
19
ምእንታይውን፥ ክዛረብ እንተለኹ፥ ነቲ ምስጢር ወንጌል ብትብዓት ምእንቲ ኽነግር፥ ቃል ክወሃበኒ ፀልዩለይ።
20
ምእንቲ ወንጌል እሱር ዝኾንኩ ልኡኽ እየ እሞ፥ ምእንታኡ ኸምቲ ዝግብአኒ፥ ብትብዓት ምእንቲ ኽዛረብ ፀልዩለይ።
21
ሕዚ ኸዓ ኸመይ ከም ዘለኹን፥ እንታይ ከም ዝገብርን ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ እቲ ፍቑር ሓወይን ብጐይታ ኸዓ፥ እሙን ኣገልጋልን ዝኾነ ቲኪቆስ፥ ኵሉ ኽነግረኩም እዩ።
22
ናባኻትኩም ዝሰደድክዎውን፥ ብዛዕባና ዅሉ ፈሊጥኩም፥ ልብኹም ምእንቲ ኽፀናናዕ ኢለ እየ።
23
ሰላምን ፍቕርን ምስ እምነት፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ነቶም ኣሕዋትና ይኹን።
24
ነቶም፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዘየቋርፅ ፍቕሪ ዘፍቅሩዎ ዅሎም፥ ፀጋ ይኹነሎም።
← Chapter 5