bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ecclesiastes 7
Ecclesiastes 7
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ፅቡቕ ስም ካብ ክቡር ሽቱ ይበልፅ፤ ካብ መዓልቲ ልደትውን መዓልቲ ሞት ይበልፅ።
2
ናብ ድግስ ካብ ምኻድ ናብ ቤት ሓዘን ምኻድ ይሐይሽ፤ ንሱ ናይ ኵሉ ሰብ ፍፃሜ እዩ እሞ፥ ኵሉ ብህይወት ዘሎ፥ ብልቡ ይግንዘቦ እዩ።
3
ገፅ እንተ ሓዘነ፥ ልቢ ይበርህ እዩ እሞ ኻብ ሰሓቕስ ሓዘን ይሐይሽ።
4
ልቢ ጠቢባን ኣብ ቤት ሓዘን፥ ልቢ ሰነፋት ግና ኣብ ቤት ሓጐስ እዩ።
5
ሰብ ፀርፊ ዓያሹ ኻብ ክሰምዕ፥ ተግሳፅ ለባማት ምስማዕ ይሕሾ።
6
ሰሓቕ ዓሻ ኸምቲ ኣብ ትሕቲ ቝራዕ ብሓዊ ዝቃፀል እሾዅ እዩ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ።
7
ግፍዒ ንጥበበኛ የዕብዶ፤ ጕቦውን ንልቡ የጥፍኦ።
8
ናይ ነገር መወዳእታ፥ ካብ መጀመርታኡ ይበልፅ፤ ካብ ዕቡይ መንፈስ፥ ዓቃል መንፈስ ይሐይሽ።
9
ቍጥዓ ኣብ ሕቝፊ ዓያሹ እዩ ዝነብርሞ፥ ብነፍስኻ ንቝጥዓ ሽኩል ኣይትኹን።
10
“ካብዝ ዘመን እዙይ፥ እቲ ዝሓለፈ ዘመን ንምንታይ ሐሸ?” ኢልካ ኣይትናገር፤ ነዝ ነገር እዙይ ብጥበብ ኣይኮንካን እትጥይቕ ዘለኻሞ።
11
ጥበብ ምስ ርስቲ ፅብቕቲ እያ፤ ረብሓኣ ድማ ፀሓይ ንዝሪኡ ዅሎም ይጠቅም እዩ።
12
ፅላል ጥበብ ከም ፅላል ገንዘብ እዩ፤ ግናኸ ጥበብ እትበልፅ፥ ዘጥረያ ህይወት ምእንቲ ኽትህብ እዩ።
13
ንግብሪ እግዚኣብሄር ኣስተውዕል፤ ነቲ ንሱ ዘጕበጦ መን ከቕንዖ ይኽእል?
14
ብመዓልቲ ሓጐስ ደስ ይበልካ፤ ብመዓልቲ መከራ ድማ ኣስተውዕል፤ ሰብ ብድሕሪኡ መርሚሩ ምእንቲ ኸይረክብ እግዚኣብሄር ነዙይን ነቱይን ከምኡ ገበሮ።
15
ፃድቕ ብፅድቁ እንትጠፍእ፥ ሓጥእ ድማ ብኽፍኣቱ ነዊሕ ዘመን እንትነብር እዝ ኵሉ ኸንቱ ብዝኾነ ዘመነይ ረአኹ።
16
እምብዛ ፃድቕ ኣይትኹን፤ ንርእስኻውን እምብዛ ጥበበኛ ኣይትግበር፤ ስለ ምንታይ ንርእስኻ እተጥፍእ?
17
እምብዛ ኽፉእ ኣይትኹን፤ ህልኸኛውን ኣይትኹን፤ ንምንታይ ጊዜኻ እንተይበፅሐ እትመውት?
18
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝፈርሕ ካብዝ ዅሉ ይወፅእ እዩ እሞ፥ ነዙይ እንተ ሒዝካ ኻብዙይውን ኢድካ እንተ ዘየርሓቕካ ሰናይ እዩ።
19
ኣብ ከተማ ኻብ ዘለዉ ዓሰርተ ገዛእቲ፥ ጥበብ ንጥበበኛ ዝበለፀ ተበርትዖ።
20
ሰናይ እናገበረ፥ ብዘይ ሓጢኣት ዝነብር ፃድቕ ሰብ ኣብ ምድሪ ኣይርከብን።
21
ንስኻ ብዙሕ ጊዜ ንኻልኦት ከም ዝረገምካ ልብኻ ይፈልጥ እዩ እሞ፥ ባርያኻ ኽረግመካ እንተሎ ምእንቲ ኸይትሰምዕ፥ ንዅሉ ዝዛረብዎ ቓል ብልብኻ ኣይተቕልበሉ።
23
ነዝ ዅሉ ብጥበብ፥ መርመርኩዎ፤ “ኣነ ጥበበኛ ክኸውን እየ” በልኩ፤ ጥበብ ግና ኻባይ ረሓቐት።
24
ንሳ እታ ርሕቕትን የመና ዓማቝን እያ፤ መንከ መርሚሩ ኽበፅሓ ይኽእል?
25
ኣነ ግና ንጥበብን ናይ ኵሉ ነገር መወዳእታን መርሚረ ኽፈልጥ፥ ሓጢኣት ዕሽነት፥ ዕሽነትውን ዕብዳን ከመይ ከም ዝኾነ ኽርዳእ ልበይ ኣቕለብኩ።
26
ካብ ሞት ዝመርር ነገርውን ረኸብኩ፤ እዚኣ መርበብ እትመስል፥ ልባ ኸዓ መፈንጠር፥ ኣእዳዋ ድማ መቝሕ ዝኾነት ሰበይቲ እያ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰናይ ዝኾነ ሰብ ካብኣ የምልጥ፤ ሓጥእ ግና ብኣኣ ይተሓዝ።
27
እቲ ሰባኺ ኸምዙይ ይብል፦ ናብቲ መወዳእታ ኽበፅሕ በብሓደ እናመርመርኩ፥ እንሆ፥ እዙይ ረኸብኩ፦
28
ነፍሰይ ገና ዘይረኸበቶ ኣሎ፤ ካብ ሽሕ ሰብ ሓደ ቕኑዕ ሰብኣይ ረኸብኩ፤ ካብ ኵሎም ግና ሓንቲ ሰበይቲ ኣይረኸብኩን።
29
እግዚኣብሄር ንሰባት ቅኑዓት ገይሩ ኸም ዝፈጠረ፥ ነዙይ ጥራሕ ረኸብኩ፤ ንሳቶም ግና ብዙሕ ብልሓት ደለዩ።
← Chapter 6
Chapter 8 →