bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ecclesiastes 12
Ecclesiastes 12
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ክፉኣት መዓልቲታት እንተይመፃ “ደስ ኣየብሉን” እትብለሉ ዓመታት ከዓ እንተይቀረበ፥ ብመዋእል ጕብዝናኻ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።
2
ብርሃንን ፀሓይን ወርሕን ከዋኽብትን እንተይፀልመቱ፥ ደመናታትውን ድሕሪ ዝናም እንተይተመለሱ፥
3
በታ ሓለውቲ ቤት ዝንቅጥቀጡላ፥ ብርቱዓት ሰባት ዝጐብጡላ፥ ውሑዳት ኮይኖም እዮምሞ፥ ጠሓንቲ ስራሕ ብዝፈትሓላ፥ ጠማቶውን ኣብ መሳዅቲ ዝፅልሙቱላ፥
4
ናብ ኣደባባይ ዘእቱ በርታት ከዓ ዝዕፀወሉ መዓልቲ፥ ድምፂ መጥሓን ምስ ላሸወ፥ ድምፂ ኣዕዋፍ ሰሚዑ እንትለዓል፥ ድምፂ ደረፍቲ ኣዋልድ እንትልሕትት፥
5
ሽዑ ንበረኽቲ ይፈርሑ፤ ኣብ መንገዲውን ድንጋፀ እንትኸውን እንተሎ፥ ለውዚ እንትዕምብብ፥ ኣንበጣውን ከም ፆር እንትኸብድ፥ ድሌት ኵሉ እንትጠፍእ፥ ሰብ ናብ ናይ ዘለኣለም መንበሪኡ እንትኸይድ፥ መልቀስቲውን ኣብ ኣደባባይ እንትዞሩ፥
6
ሓብሊ ብሩር እንተይተበትከ፥ ፍዮ ወርቂ እንተይተሰበረ፥ ዕትሮ ኣብ ዓይኒ ማይ እንተይተሰበረ፥ መንኰራዅር ኣብ ዒላ እንተይተሰባበረ፥
7
ሓመድ ድማ ናብቲ ዝነበሮ ምድሪ እንተይተመለሰ፥ መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ እግዚኣብሄር እንተይተመለሰ፥ ብመዓልቲታት ጕብዝናኻ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።
8
እቲ ሰባኺ “ናይ ከንቱ ኸንቱ፥ ኵሉ ኸንቱ እዩ” ይብል።
9
ምስ ናይዙይ ግና እቲ ሰባኺ ጥበበኛ ስለ ዝነበረ፥ ነቲ ህዝቢ ፍልጠት መሃረ። ኣስተንተነ፤ መርመረ፤ ደላለየ ብዙሕ ምስላታት ከዓ ሰርዐ።
10
እቲ ሰባኺ ዘሐጕስ ቃላት ክረክብ ደለየ፤ እቲ ዝፀሓፎ ኸዓ ቕኑዕን ቃል ሓቅን እዩ።
11
ቃላት ጠቢባን ከም መውግኢ ብዕራይ እዩ፤ ንሱ ኸዓ ብእኩባት መምህራን ኣፀቢቑ ዝተሸንከረ ሽንካራት እዩ፤ ብሓደ ጓሳ ኸዓ ዝተውሃበ እዩ።
12
ብዝተረፈ ወደይ፥ ንተግሳፅ ስማዕ፤ መፃሕፍቲ ምፅሓፍ መወዳእታ የብሉን፤ ብዙሕ ምምርማር ድማ ንሰውነት የድክም እዩ እሞ።
13
መወዳእታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ፤ እዙይ ናይ ሰብ ኵለንትናኡ እዩሞ፤ ንእግዚኣብሄር ፍራሕ፤ ንትእዛዛቱውን ሓሉ።
14
እግዚኣብሄር ንዅሉ ተግባራት፥ ንዅሉ ስውር ዝኾነ፥ ሰናይ ኮነ ኽፉእ፥ ናብ ፍርዲ ኸምፅኦ እዩ።
← Chapter 11