bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ecclesiastes 10
Ecclesiastes 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ዝሞቱ ፅንፅያታት ነቲ ብጥዑም ጨና ተቐሚሙ ዝተሰርሐ ሽቱ ኸም ዘጭንውዎ፥ ንእሽተይ ዕሽነትውን ንጥበብን ክብርን ተበላሽዎ።
2
ልቢ ጥበበኛ ኣብ የማኑ፥ ልቢ ዓሻ ግና ኣብ ፀጋሙ እዩ።
3
ዓሻ ብመንገዲ ኽመላለስ እንተሎ ምስትውዓል ይጐድሎ፤ ኩሉ ዝሓስቦውን ዕሽነት እዩ።
4
ትዕግስቲ ንዓብዪ በደል ተህድእ እያ እሞ፥ ገዛኢ እንተ ተቘጥዐካ ስፍራኻ ኣይትሕደግ።
5
ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝረአኽዎ ኽፍኣት ኣሎ፤ ንሱ ኸዓ ብገዛእቲ ዝፍፀም ጌጋ እዩ።
6
ዓያሹ መዓርግ ኣብ ዘለዎ ስፍራ ተቐሚጦም፤ ሃብታማት ግና ኣብ ትሑት ቦታ ተቐመጡ።
7
ባሮት በፍራስ፥ መሳፍንቲ ኸዓ ኸም ባሮት ብእግሪ ክኸዱ እንተለዉ ረአኹ።
8
ጕድጓድ ዝዅዕት ናብኣ ይወድቕ፤ መካበቢያ ዘፍርስ ድማ ተመን ይነድፎ።
9
ኣእማን ዝፈናቕል ብእኡ ይሓምም፤ ዕንፀይቲ ዝፍልፅውን ብእኡ ይጕዳእ።
10
ሓፂን እንተ ጐተመ እሞ ንብልሑ ኸዓ እንተ ዘይስሒልካዮ፥ ብዙሕ ሓይሊ የድሊ፤ ጥበብ ግና ስራሕኻ የስልጠልካ።
11
ተመን እንተይተዓዘመ እንተሎ እንተ ነደፈ፥ ዓዛሚ ጥቕሚ የብሉን።
12
ጥበበኛ ሰብ ዝዛረቦ ሞገስ የውህቦ፤ ንዓሻ ግና ኸንፈሩ ይውሕጦ።
13
መጀመርያ ነገሩ ዕሽነት እዩ፤ መወዳእታ ዘረብኡ ኸዓ ሕሱም ዕብደት እዩ።
14
ዓሻ ዘረባ የብዝሕ፤ ሰብ ከዓ ነቲ ዝኸውን ኣይፈልጦን፤ ነቲ ብድሕሪኡ ዝኸውን ድማ መን ይነግሮ?
15
ንሰነፍ ስራሑ የድክሞ፤ ናብ ከተማ ምውፃእ ኣይፈልጥን እዩሞ።
16
ንጉስኪ ቘልዓ ዝኾነ፥ መሳፍንትኺ ድማ ኣንጊሆም ዝበልዑ ሃገር፥ ወይለኺ!
17
ንጉስኪ ወዲ ኽቡራት ዝኾነ፥ መሳፍንትኺ ድማ ንምስካር ዘይኮነስ፥ ሓይሊ ኽረኽቡ ብግቡእ ጊዜ ዝበልዑ ሃገር ብርኽቲ ኢኺ።
18
ብሰንኪ ትህኺት፥ ናሕሲ ይንህል፤ ብሰንኪ ህኩያት ኣእዳው ከዓ ቤት የንጥብ።
19
ድግስ ንሰሓቕ፥ ወይኒ ኸዓ ንህይወት ደስ የብል፤ ግና ዅሉ ብገንዘብ እዩ ዝዕደግ።
20
ንንጉስ ብሓሳብ እኳ ኣይትሕመዮ፤ ንሃብታምውን ኣብ መደቀሲኻ ዄንካ ኣይትፅረፎ። ዒፍ ሰማይ ነቲ ቓልካ ኽተብፅሖ እያ፤ በራሪ ዒፍውን ነገርካ ኽተውርየልካ እያ።
← Chapter 9
Chapter 11 →