bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Amos 6
Amos 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እቶም ኣብ ፅዮን ሃዲኦም ዝቕመጡ፥ ኣብ እምባ ሰማርያ ድማ ተኣማሚኖም ዝነብሩ ቤት እስራኤል፥ ናብኣቶም ዝመፁዎም፥ መራሕቲ ኣህዛብ ወይለኦም!
2
ናብ ካልኔ ሕለፉን ጠምቱን፤ ካብኡ ድማ ናብታ ዓባይ ከተማ ሃማት ኪዱ፤ ቀፂልኩም ከዓ ናብ ጌት ከተማ ፍልስጥኤማውያን ውረዱ። ንሳተን ካብዘን መንግስታት እዚኣተን ይሐሻ ዲየን? ወይ ወሰናተን ካብ ወሰናታትኩምዶ ይሰፍሕ እዩ?
3
ንኽፍእቲ መዓልቲ ኻባኻትኩም ንእተርሕቑ፥ ወንበር ዓመፅ ንተቕርቡ፥
4
ኣቱም ብስኒ ሓርማዝ ኣብ ዝተሰርሐ ዓራት እትድቅሱ፥ ኣብ ልዕሊ መንፀፍኩም ድማ ተደላዲልኩም ንእትቕመጡ፥ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ ጥቦታት፥ ካብ ደምበ ኸፍቲ ምራኹት እትበልዑ፥
5
ብበገና እትደርፉ ኸም ዳዊት መሳርሒ ሙዚቃ እተዳልዉ፥
6
ብገፊሕ ዋንጫ ወይኒ እትሰትዩ፥ ዝተመረፀ ሽቱ ኸዓ እትቕብኡ፥ ብመከራ ዮሴፍ ግና ዘይትሓዝኑ ወይለኹም!
7
“ስለዙይ ሕዚ ምስቶም ኣቐዲሞም ዝማረኹ ኽትማረኹ ኢኹም። እቲ ኣብ ማእዲ እተውክዕዎ ዝነበርኩም ድማ ኽውዳእ እዩ።”
8
ኣምላኽ ሰራዊት ጐይታ እግዚኣብሄር “ንትዕቢት ያእቆብ እፅየፎ እየ፤ ኣደራሻቱ ኸዓ ፀላእኹ። ነታ ኸተማውን ምስቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ፥ ኵሉ ኣሕሊፈ ኽህባ እየ” ኢሉ ብርእሱ መሓለ።
9
ከምዙይ ድማ ክኸውን እዩ፦ ኣብ ሓንቲ ቤት ዓሰርተ ሰባት እኳ እንተ ተረፉ ኽሞቱ እዮም።
10
ዘመድ እቲ መዋቲ ምስ እቲ ዘቃፅሎ ሰብ፥ ነቲ ሬሳ ኻብ ገዛ ኸውፅኦ ምሰልዓሎ፥ ነቲ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዘሎ ኸዓ “ገናዶ ዝኾነ ሰብ ምሳኻ ኣሎ” ኢሉ ኽጥይቖ እዩ። ንሱ ድማ ሽዑ “ሓደ እኳ የለን” ኢሉ ኽምልሰሉ እዩ። እቱይ ድማ “ስም እግዚኣብሄር ክንሰሚ ኣይግብአናን እዩ እሞ፥ ስቕ በል” ክብሎ እዩ።
11
እንሆ፥ እግዚኣብሄር ክእዝዝ እዩ እሞ፥ እታ ዓባይ ቤት ክትፈርስ፥ እታ ንእሽተይ ቤት ከዓ ምእንቲ ኽትደቅቕ ክውቅዓ እየ።
12
ኣፍራስዶ ኣብ ልዕሊ ኰዅሒ ይጋልቡ እዮም? ኣብዑርከ ኣብ ልዕሊኡዶ ይሓርሱ እዮም? ንስኻትኩም ግና ንፍርዲ ናብ መርዚ፥ ንፍረ ፅድቂ ናብ ዕረ ለወጥኩምዎ።
13
ንስኻትኩም “ብኸንቱ ነገር እትሕጐሱ፥ ብሓይልናዶ ኣይኮናን ኣቕርንቲ ዝወሰድና እትብሉ ዘለኹም።
14
“ስለዙይ ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፥ እንሆ ህዝቢ ኸተስአልኩም እየ፤ ንሳቶም ከዓ ኻብቲ መእተዊ ሃማት ጀሚሮም፥ ክሳዕ ሩባ ዓረባ ከጨንቑኹም እዮም” ይብል ኣምላኽ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
← Chapter 5
Chapter 7 →