bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Acts 5
Acts 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሓናንያ ዝስሙ ሓደ ሰብኣይ፥ ሰጲራ ምስ እትበሃል ሰበይቱ መሬቱ ሸጠ።
2
ምስ ሰበይቱ ተማኺሩ ድማ፥ ካብቲ ዋጋኡ መቒሉ ኣትረፈ፤ ነቲ ሓደ ምቃል ጥራሕ ኣምፂኡ፥ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት ኣንበሮ።
3
ጴጥሮስ ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ኦ ሓናንያ፥ ንመንፈስ ቅዱስ ክተታልል፥ ካብ ዋጋ እቲ መሬት መቒልካ ኽትሓብእ፥ ከመይ ሰይጣን ኣብ ልብኻ መልአ?
4
እንተይተሸጠስ፥ ናትካዶ ኣይነበረን? ምስ ሸጥካዮኸ፥ ኣብ ኢድካዶ ኣይነበረን? ከመይ ጌርካ ነዝ ነገርዙይ፥ ብልብኻ ሓሰብካዮ? ንሰብ ዘይኮነስ ንእግዚኣብሄር ኢኻ ሓሲኻ ዘለኻ።”
5
ሓናንያ እዝ ቓል እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ወዲቑ ሞተ። ኣብቶም ነዝ ነገር እዙይ ዝሰምዑ ዅሎም፥ ዓብዪ ፍርሓት ኮነ።
6
ካብኣቶም ኣጓብዝ ተሲኦም ገነዝዎ፤ ተሸኪሞም ኣውፂኦምውን ቀበርዎ።
7
ድሕሪ ሰለስተ ሰዓት ኣቢሉ ሰበይቱ፥ እቲ ዝኾነ እንተይፈለጠት ኣተወት።
8
ጴጥሮስ ከዓ፥ “እስኪ ንገርኒ፤ ንመሬትኩም በዝ ኽንድዙይ ዲኹም ዝሸጥኩምዎ?” ኢሉ ጠየቓ፤ ንሳ ድማ “እወ፥ ብኽንድኡ እዩ” በለቶ።
9
ጴጥሮስ ድማ “ከመይከ፥ ንመንፈስ እግዚኣብሄር ክትፈታተንዎ ሓበርኩም? ኣእጋር እቶም ንሰብኣይኪ ዝቐበሩ፥ እንሆ ኣብ በሪ ኣለዉ፤ ንኣኺውን ከውፅኡኺ እዮም” በላ።
10
ሽዑ ንሽዑ፥ ኣብ ጥቓ እግሩ ወዲቓ ሞተት። እቶም ኣጓብዝ ምስ ኣተዉ፥ ሞይታ ስለ ዝፀንሐቶም ተሸኪሞም ወሲዶም፥ ኣብ ጥቓ ሰብኣያ ቐበርዋ።
11
ኣብ ኵላ እታ ቤተ ክርስቲያንን፥ ኣብቶም ነዝ ነገር እዙይ ዝሰምዑ ዅሎምን ከዓ፥ ዓብዪ ፍርሓት ኮነ።
12
ብዙሕ ምልክትን ተኣምራትን፥ ብኢድ ሃዋርያት ኣብ ማእኸል እቲ ህዝቢ ተገብረ፤ ኵላቶም ድማ ብሓንቲ ልቢ ሓቢሮም፥ ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይእከቡ ነበሩ።
13
እቲ ህዝቢ የመና የኽብሮም እንተ ነበረ እኳ፥ ካብቶም ካልኦት ክሕወሶም ዝደፈረ ሓደኳ ኣይነበረን።
14
ካብ ቅድም ብዝበለፀ፥ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ብጐይታ እናኣመኑ፥ ናብኣቶም ይውሰኹ ነበሩ።
15
ጴጥሮስ ክሓልፍ እንተሎ፥ ፅላሎቱ ንኽዓርፎም፥ ነቶም ሕሙማት ብዓራታትን ብቓሬዛታትን ፆይሮም የምፅእዎም እሞ፥ ኣብቲ ኣደባባይ የንብርዎም ነበሩ።
16
ካብተን ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌም ዝነበራ ኸተማታት ድማ፥ ብዙሓት ሰባት ሕሙማትን ኣጋንንቲ ዝሓደርዎምን ሒዞም ይመፁ ነበሩ። ኵሎም ከዓ ይሓውዩ ነበሩ።
17
ሽዑ እቲ ሊቀ ካህናትን፥ እቶም ምስኡ ዝነበሩን ኵሎም ወገን ሰዱቃውያንን ብርቱዕ ቅንኣት ሓዲርዎም ተስኡ።
18
ንሃዋርያት ሒዞም ድማ፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም።
19
መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና፥ ብለይቲ ነቲ ማዕፆ ቤት ማእሰርቲ ኸፊቱ ኣውፅኦምሞ፥
20
“ኪዱ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢልኩም፥ ነዝ ናይ ህይወት ቃል እዙይ፥ ንህዝቢ ንገሩ” በሎም።
21
ሃዋርያት ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ ኣንጊሆም ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዮም መሃሩ። እቲ ሊቀ ካህናትን፥ እቶም ምስኡ ዝነበሩን መፂኦም፥ ነቲ መጋባእያን ነቶም ሽማግለታት ደቂ እስራኤልን ክእከቡ ፀውዕዎም። ንሃዋርያት ከምፅእዎም ድማ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ለኣኹ።
22
እቶም ሓሻኽር ግና፥ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ በፅሑ ሰኣንዎም። ተመሊሶም ድማ፦
23
“እቲ ቤት ማእሰርቲ ተዓፅዩ፥ እቲ ማዕፆ ድማ ብፅኑዕ ተሸጕሩ፥ እቶም ሓለውቲ እውን ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ፀኒሖምና፤ ምስ ከፈትናዮ ግና፥ ሓደኳ ኣይረኸብናን” ኢሎም ነገርዎም።
24
እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን፥ ሊቃነ ካህናትን፥ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዑ “እዙይ እንታይ ኮን ይኸውን?” ኢሎም ብዛዕባኣቶም ዝብልዎ ሰኣኑ።
25
ሓደ መፂኡ ግና፥ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘእተኹምዎም ሰባት እኒሀዉ፥ “ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎም ንህዝቢ ይምህሩ ኣለዉ” ኢሉ ነገሮም።
26
ሽዑ እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስ፥ ምስቶም ሓሻኽሩ ኸይዱ ኣምፅኦም። እንተምፅእዎምውን ብሓይሊ ዘይኮነስ ብምቅብጣር እዩ፤ እዙይውን እቲ ህዝቢ ብእምኒ ኸይቕጥቅጦም፥ ስለ ዝፈርሑ እዩ።
27
ምስ ኣምፅእዎም፥ ኣብቲ መጋባእያ ደው ኣበልዎም፤ እቲ ሊቀ ካህናት ከዓ፥
28
“ብስም እዝ ሰብ እዙይ ከይትምህሩዶ፥ ብፅኑዕ ኣዚዝናኩም ኣይነበርናን? እንሆ ኸዓ ንኢየሩሳሌም ብትምህርትኹም መላእኹምዋ። ደም እዝ ሰብ እዙይ፥ ኣብ ልዕሌና ኽተምፅኡ ዲኹም ትደልዩ ዘለኹም?” ኢሉ ጠየቖም።
29
ጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና፥ ከምዙይ ኢሎም መለሱሎም፦ “ካብ ንሰብስ፥ ንእግዚኣብሄር ክንእዘዝ እዩ ዝግባእ።
30
ነቲ ንስኻትኩም ኣብ ዕንፀይቲ ሰቒልኩም ዝቐተልኩምዎ ኢየሱስ፥ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣተስኦ።
31
ንእስራኤል ንስሃን ስርየት ሓጢኣትን ምእንቲ ኽህቦም፥ እግዚኣብሄር ንእኡ፥ ርእስን መድሓንን ገይሩ፥ ናብ የማኑ ልዕል ኣበሎ።
32
ንሕና ነዝ ነገር እዙይ ምስክር ኢና፤ እቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዝእዘዝዎ ዝሃቦም፥ መንፈስ ቅዱስውን ምስክር እዩ።”
33
ንሳቶም ነዙይ ምስ ሰምዑ ተቘጥዑ፤ ንሃዋርያትውን ክቐትልዎም ደለዩ።
34
እንተ ኾነ፥ ሓደ ገማልያል ዝስሙ ፈሪሳዊ መምህር ሕጊ፥ ብዅሉ ህዝቢ እውን ዝኸበረ፥ ንሃዋርያት ሓንሳእ ከግልስዎም ኣዘዘ።
35
ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ብዛዕባ እዝ ኣብዞም ሰባት እዚኣቶም ክትገብርዎ እትሓስብዎ ዘለኹም ነገር፥ ንባዕልኻትኩም ተጠንቀቑ።
36
ቅድሚ ሕዚ ቴዎዳስ፥ ኣነ ዓብዪ እየ ኢሉ ተሲኡ ነይሩ፤ ኣርባዕተ ሚእቲ ዝኣኽሉ ሰባት ከዓ ተኸተልዎ። እንተ ኾነ ንሱ ተቐተለ፤ እቶም ሰዓብቱ ድማ፥ ኵሎም ተበቲኖም ጠፍኡ።
37
ብድሕሪኡ ኸዓ ብጊዜ እቲ ህዝቢ ዝተቖፀረሉ ዘመን፥ ይሁዳ በዓል ገሊላ ተስአ፤ ብዙሕ ህዝቢ ድማ ኣስድዐ፤ ንሱ ተቐተለ፤ ኵሎም እቶም ዝሰዓብዎ ድማ ተበተኑ።
38
ሕዚ ኸዓ እነግረኩም ኣለኹ፥ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሕደግዎም፤ ኣይትንክእዎም፤ እዝ ምኽሪ እዙይን፥ እዝ ግብሪ እዙይን፥ ካብ ሰብ እንተ ኾይኑ ኽፈርስ እዩ።
39
ካብ እግዚኣብሄር እንተ ደኣ ኾይኑ ግና፥ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ክተጥፍእዎም ኣይትኽእሉን ኢኹም፤ ምስ እግዚኣብሄርውን ምብኣስ ከይኾነኩም።”
40
ነቲ ምኽሩ ተቐበልዎ፤ ንሃዋርያት ግና ፀዊዖም ገረፍዎም፤ ብስም ኢየሱስ ከይናገሩ ኣዚዞም ከዓ ሰደድዎም።
41
ንሳቶም ግና፥ ምእንቲ ስም ኢየሱስ፥ ውርደት ንምቕባል፥ ብቑዓት ኮይኖም ስለ ዝተቘፀሩ፥ ካብቲ መጋባእያ እናተሓጐሱ ወፁ።
42
በብመዓልቱ ኣብ ቤተ መቕደስን፥ ገዛ ንገዛ እናዞሩን፥ ኢየሱስ ክርስቶስ መሲሕ ከም ዝኾነ፥ እንተየቋረፁ ይምህሩን የብስሩን ነበሩ።
← Chapter 4
Chapter 6 →