bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Timothy 4
2 Timothy 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ህያዋንን ኣብ ሙታንን ክፈርድ ዝመፅእ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ብመንግስቱን ብምፅኣቱን፥ ኣማሕፅነካ ኣለኹ።
2
ነቲ ቓል ስበኽ፤ ብምችዊ እዋንን ኣብ ዘይምችዊ እዋንን፥ ድልዊ ኹን፤ ኣረድእ፤ ምኸር፤ ገስፅ፤ ብዓብዪ ትዕግስቲ፥ ብምምሃር ትጋህ።
3
ነቲ ኣእዛኖም ክሰምዖ ዝህንጠዮ ነገር፥ ዝነግርዎም መምህራን ክእክቡ እምበር፥ ነቲ ሓቂ ዝኾነ ትምህርቲ፥ ንምስማዕ ዘይደልዩሉ ዘመን ክመፅእ እዩ እሞ።
4
ሓቂ ኸይሰምዑውን ኣእዛኖም ዓፅዮም፥ ናብ ተረት ከዘምብሉ እዮም።
5
ንስኻ ግና ዅልሻዕ ጥንቁቕ ኩን፤ ብጊዜ መከራ ፅናዕ፤ ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፤ ኣገልግሎትካ ፈፅም።
6
ኣነስ ድሮ ሰማዕት ክኸውን ቐሪበ ኣለኹ፤ መዓልቲ ሕልፈተይ በፂሓ እያ።
7
ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፤ ነቲ ጕያ ፈፂመ፤ ነታ እምነትውን ሓልየ እየ።
8
ደጊም እቲ ቕኑዕ ፈራዲ ዝኾነ ጐይታ፥ በታ መወዳእታ መዓልቲ እቲኣ፥ ዝህበኒ ኣኽሊል ፅድቂ ተዳልዩለይ ኣሎ። እዙይውን ንበይነይ ኣይኮነን፤ ነቶም ናቱ ምምፃእ ዝፈትዉ ዅሎምውን እምበር።
9
ጢሞቴዎስ፥ ቀልጢፍካ ናባይ ምፃእ።
10
ዴማስ ነዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዝፈተወ፥ ሓዲጉኒ ናብ ተሰሎንቄ ኸይዱ እዩ። ቄርቂስ ናብ ገላትያ፥ ቲቶውን ናብ ድልማጥያ ኸይዶም እዮም።
11
ሉቃስ በይኑ እዩ ምሳይ ዘሎ። ማርቆስ ንኣገልግሎት ስለ ዝጠቕመኒ፥ ክትመፅእ እንተለኻ ምሳኻ ተማልኣዮ።
12
ንቲኪቆስ ግና፥ ናብ ኤፌሶን ሰዲደዮ ኣለኹ።
13
ክትመፅእ እንተለኻ፥ ነቲ ኣብ ጢሮኣዳ ምስ ካርፑስ ዝሓደግክዎ ካባን፥ ነቲ መፃሕፍትን፥ ብፍላይ ነቲ ብራናታትን ተማልአለይ።
14
እቲ ኣንጠረኛ እስክንድሮስ፥ ብዙሕ ጕድኣት ኣብፂሑለይ እዩ። እግዚኣብሄር ከምታ ግብሩ ይፍደዮ።
15
ንሱ ነቲ መልእኽትና ብዙሕ ይፃረሮ እዩ እሞ፥ ንስኻ ድማ ኻብኡ ተጠንቀቕ።
16
መጀመርታ ጊዜ ናይ እተኸሰስኩሉ መልሲ ኸቕርብ እንተለኹ፥ እግዚኣብሄር ደኣ ኸም በደል ኣይቝፀረሎም እምበር፤ ኵላቶም ጠለሙኒ፤ ሓደኳ ምሳይ ኣይነበረን።
17
ግና እቲ ወንጌል ብምልኣት ብኣይ ምእንቲ ኽስበኽ፥ ኵሎም ኣህዛብውን ምእንቲ ኽሰምዕዎ፥ ጐይታ ምሳይ ኮይኑ ኣበርትዐኒ፤ ካብ ኣፍ ኣንበሳውን ኣናገፈኒ።
18
እግዚኣብሄር፥ ካብ ኵሉ ኽፉእ ግብሪ ኸናግፈኒ፥ ሓልዩ ኸዓ፥ ናብታ ሰማያዊት መንግስቱ ኸብቅዐኒ እዩ። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
19
ንጵርስቅላን ንኣቂላን ንስድራ ሄኔሴፎሩን ሰላም በለለይ።
20
ኣርስጦስ ኣብ ቆሮንቶስ ተሪፉ ኣሎ፤ ጥሮፊሞስ ግና ሓሚሙ፥ ሚሊጢን ኣብ ዝበሃል ከተማ ሓዲገዮ ኣለኹ።
21
ቅድሚ ኽረምቲ ንኽትመፅእ ዝከኣለካ ግበር። ኤውግሎስን ጱዴስን ሊኖስን ቀላውድያንን ኣሕዋትናውን፥ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ።
22
ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ መንፈስካ ይኹን። ፀጋ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።
← Chapter 3