bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Corinthians 5
2 Corinthians 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እዛ ድንኳን ዝኾነት፥ ምድራዊት መንበሪትና እንተ ፈረሰት እኳ፥ ብኢድ ሰብ ዘይተሰርሐት፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝኾነት ናይ ዘለኣለም ቤት፥ ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና ንፈልጥ ኢና።
2
ኣብዙይ ግና ንግዕር ኣለና፤ እቲ ሰማያዊ ቤትና ኽንለብስ ከዓ፥ ንናፍቕ ኣለና።
3
ሰማያዊ ሰብነት ምስ ለበስና፥ ዕሩቓት ኴንና ኣይንርከብን ኢናሞ።
4
ኣብዝ ድንኳን ዝኾነ፥ ምድራዊ ሰብነትና ኽሳዕ ዘለና፥ ከቢዱና ንግዕር፤ እዙይውን ክንቅንጠጥ ደሊና ዘይኮንናስ፥ ሰማያዊ ሰብነት ምስ ለበስና፥ እቲ መዋታይ፥ ብህይወት ምእንቲ ኽወሓጥ እዩ።
5
ነዙይ ዘዳለወና እግዚኣብሄር እዩ፤ ዕርቡን መንፈሱውን ዝሃበና ንሱ እዩ።
6
ኣብዝ ሰብነት እዙይ ክሳዕ ዘለና፥ ካብ ጐይታ ብርሕቐት፥ ኣብ ስደት ከም ዘለና፥ እንተ ፈለጥና እኳ፥ ኵልሻዕ ብእኡ ንተኣማመን ኢና።
7
ብእምነት እምበር፥ ብምርኣይ ኣይኮንናን እንነብር ዘለናሞ።
8
ካብዝ ሰብነት እዙይ ተፈሊና፥ ምስ ጐይታ ኽንነብር ይሕሸና ኢልና፥ ብትብዓት ንዛረብ።
9
ብህይወት እናሃለና ኾነ እንተ ተፈለና፥ ንእኡ ንምሕጓስ ንፅዕር ኣለና።
10
ነፍሲ ወከፍና፥ ነቲ ብስጋዊ ህይወቱ እንተሎ ንዝገበሮ ሰናይ ኮነ ወይ ክፉእ፥ ዓስቢ ምእንቲ ኽቕበል፥ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ፥ ግድን ክንቀርብ ኢናሞ።
11
እምበኣር ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ እንታይ ከም ዝኾነ ስለ እንፈልጥ፥ ንዅሉ ሰብ ነረድእ ኣለና፤ ንሕና ንእግዚኣብሄር ግሁዳት ኢና፤ ንሕሊናኹምውን፥ ግሁዳት ከም ዝኾንና ተስፋ እገብር።
12
ነቶም ብልቢ ዘሎ ዘይኮነ፥ ብዝረአ ኣፍኣዊ ንዝምክሑ፥ መልሲ ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ብኣና ኽትምክሑ፥ ምኽንያት ንህበኩም ኣለና እምበር፥ መሊስና ንባዕልትና ኽንንእድ ኢልና ኣይኮንናን።
13
ንሕናስ ዕቡዳት እንተ ዄንና፥ ንእግዚኣብሄር እዩ፤ ለባማት እንተ ዄንና ድማ፥ ንኣኻትኩም እዩ።
14
ሓደ፥ ቤዛ ዅሉ ኸም ዝሞተ፥ ኵላቶም ከዓ ተኻፈልቲ ሞቱ ኸም ዝኾኑ ስለ ዝተረዳእና፥ ፍቕሪ ክርስቶስ ግዲ ይብለና እዩ እሞ።
15
እቶም ብህይወት ዝነብሩ፥ ነቲ ምእንትኣቶም ዝሞተን ዝተስአን እምበር፥ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፥ ክርስቶስ ምእንቲ ዅላቶም ሞተ።
16
እምበኣር፥ ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ብስጋዊ መንገዲ፥ ንሓደኳ ኣይንፈልጥን ኢና። ንክርስቶስ ብስጋዊ መንገዲ ፈሊጥናዮ እንተ ነበርና እኳ፥ ሕዚ ግና ኸምኡ ኣይንፈልጦን ኢና።
17
ስለዙይ ሓደኳ ብክርስቶስ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፤ እቲ ብሉይ ሓሊፉ፥ እንሆ ዅሉ ሓድሽ ኮይኑ እዩ።
18
እዝ ዅሉውን፥ ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ ገይሩ ዝተዓረቐና፥ ኣገልግሎት ዕርቂ እውን ካብ ዝሃበና፥ እግዚኣብሄር እዩ።
19
እዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ገይሩ፥ ንዓለም ምስ ባዕሉ ኽዓርቕ እንተሎ፥ በደሎም ኣይቈፀረሎምን፤ ኣባናውን ቃል ዕርቂ ኣንበረ።
20
ስለዙይ ንሕና ናይ ክርስቶስ መልእኽተኛታት ኢና፤ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ብኣና ገይሩ ይዕድም ኣሎ። ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ድማ “ምስ እግዚኣብሄር ተዓረቑ” እናበልና፥ ክንዲ ክርስቶስ ንልምነኩም ኣለና።
21
ንሕና ብክርስቶስ፥ ተኻፈልቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽንከውን፥ ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ንእኡ ከም ሓጢኣት ገበሮ።
← Chapter 4
Chapter 6 →