bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Chronicles 13
2 Chronicles 13
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንጉስ ኢዮርብዓም ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ፥ ኣብያ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ።
2
ኣብ ኢየሩሳሌም ሰለስተ ዓመት ነገሰ። እኖኡ ሚካያ እትበሃል ጓል ኡሪኤል በዓል ገባዖን ነበረት። ኣብ መንጎ ኣብያን ኢዮርብዓምን ከዓ ውግእ ኮነ።
3
ኣብያ ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ምሩፃት ተዋጋእቲ ሒዙ ተሰለፈ። ኢዮርብዓም ከዓ ሸሞንተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ተዋጋእቲ ሒዙ ምስኡ ኽገጥም ተሰለፈ።
4
ኣብያ ኸዓ ኣብ እምባ ኤፍሬም ኣብ ዘላ ዀረብታ ፅማራይም ኮይኑ ንኢዮርብዓምን ንሰራዊት እስራኤልን ከምዙይ በሎም፦ “ኢዮርብኣምን ኵልኹም እስራኤልን ስምዑኒ፥
5
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንዳዊትን ንደቁን፥ ንዘለኣለም ዘይድምሰስ ናይ ጨው ቃል ኪዳን ከም ዝሃቦምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?
6
ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ፥ ሓሽከር ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ግና ተሲኡ ኣብ ጐይታኡ ዓመፀ።
7
ክፉኣትን ዘይረብሑ ሰባትን ናብኡ ተኣከቡ፤ ንሳቶም ከዓ ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን በርትዕዎ። ሮብዓም ድማ ለግለግ መንእሰይ ስለ ዝነበረ ኽምክቶም ኣይከኣለን።
8
“ሕዚ ኸዓ ነታ ንደቂ ዳዊት ዝሃባ መንግስቲ እግዚኣብሄር ኽትቃወምዋ ትሓስቡ ኣለኹም። ብርግፅ ንስኻትኩም ዓብዪ ህዝቢ ኢኹም፤ እቶም ኢዮርብዓም ኣማልኽትኹም ክኾኑ ብወርቂ ዝሰርሖም ምራኹትውን ምሳኻትኩም ኣለዉ።
9
ነቶም ካህናት እግዚኣብሄር ዝኾኑ፥ ደቂ ኣሮንን ሌዋውያንን ኣይሰጐጕኩምዎምንዶ? ኸም ልማድ እቶም ካልኦት ኣህዛብ ባዕልኻትኩምዶ ካህናት ኣይገበርኩምን? ኵሉ ንባዕሉ ኽቕደስ ሓደ ዝራብዕን ሸውዓተ ማጓሉን ሒዙ ዝመፀ ነቶም ኣማልኽቲ ዘይኮኑ ካህን ይኸውን።
10
“ንኣና ግና ኣምላኽና እግዚኣብሄር እዩ፤ ንሕናውን ኣይሓደግናዮን። እቶም መገልገልቲ እግዚኣብሄር ኻብ ደቂ ኣሮን ካህናቱን ሌዋውያኑንውን፤ ብስራሖም ምሳና እዮም።
11
ንግሆን ምሸትን ከዓ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእትን ጥዑም ዝመዓዛኡ ዕጣንን የዕርጉ ኣለዉ፤ ኣብቲ ኸም ስርዓት ፅሩይ ዝኾነ ጠረጴዛ፥ ሕብስቲ ቝርባን የቕርቡ ኣለዉ፤ ምሸት ምሸት ከብርህውን ነቲ ናይ ወርቂ ቐዋሚ ቐንዲል ምስ መቕረዙ የዳልዉ ኣለዉ። ንሕናውን ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንሕሉ ኣለና፤ ንስኻትኩም ግና ሓዲግኩምዎ ኢኹም።
12
እንሆ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌና ሓለቓ እዩ፤ እቶም መለኸት ዝነፍሑ ኻህናቱ ኣብ ልዕሌኹም ክነፍሑ ድማ ምሳና እዮም። ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ኣይትዋግኡ፥ ኣይቐንዐኩምን እዩ።”
13
ኢዮርብዓም ግና ብድሕሪት ይሁዳ ሕቡእ ሰራዊት ኣዳልዩ ነበረ። ንሱን እቶም ዝተረፉ ሰራዊቱን ግና ኣብ መረኣእይቲ ይሁዳ ደው ኢሎም ነበሩ።
14
ይሁዳ ግልፅ እንተ በሉ፥ እንሆ እቲ ሰራዊት ብድሕሪትን ብቕድሚትን ነበረ። ሽዑ ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤ እቶም ካህናትውን መለኸት ነፍሑ።
15
ሰብ ይሁዳ ምስ ኣእወዩ፥ እግዚኣብሄር ድማ ንኢዮርብዓምን ንዅሉ ህዝቢ እስራኤልን ኣብ ቅድሚ ኣብያን ኣብ ቅድሚ ይሁዳን ሰዓሮም።
16
ደቂ እስራኤል ከዓ ኻብ ቅድሚ ይሁዳ ሃደሙ፤ እግዚኣብሄርውን ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ሃቦም።
17
ኣብያን ህዝቡን ከዓ ዓቢዪ ውቅዒት ወቕዑዎም፤ ካብ እስራኤል ድማ ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ሰባት ተቐቲሎም ወደቑ።
18
በዝ ኸምዙይ ህዝቢ እስራኤል ተዋረዱ፤ ህዝቢ ይሁዳ ግና ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝኣመኑ ሰዓሩ።
19
ኣብያ ድማ ንኢዮርብዓም ኣሳጐጎ፤ ንኸተማታት ቤቴልን ይሻናንን ዔፍሮንን መምስ ቍሸታተን ወሰደ።
20
ኢዮርብዓም፥ በቲ ኣብያ ነጊሱሉ ዝነበረ ጊዜ፥ ስልጣኑ ኸጠናኽር ኣይከኣለን። ኣብ መወዳእታ ድማ እግዚኣብሄር ስለ ዝቐሰፎ ሞተ።
21
ኣብያ ግና እናበርትዐ ኸደ። ዓሰርተ ኣርባዕተ ኣንስቲ ኣእተወ፤ ዕስራን ክልተን ኣወዳትን ዓሰርተ ሽዱሽተ ኣጓላትን ድማ ወለደ።
22
እቲ ዝተረፈ ናይ ኣብያ ታሪኽ፥ ዝበሎን ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ነቢይ ኣዶ ተፅሒፉ ኣሎ።
← Chapter 12
Chapter 14 →