bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Timothy 5
1 Timothy 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንኣረጋዊ ኣይተቃልል፤ እኳ ደኣ ንእኡ ኸም ኣቦ፥ ንኣጓብዝ ኸም ኣሕዋት፥ ንዓበይቲ ኣንስቲ ኸም እኖታት፥ ንኣናእሽቲ ኸም ኣሓት ቈፂርካ መዓዶም።
3
ነተን ብርግፅ መበለታት ዝኾና ኣኽብረን።
4
ዝኾነት መበለት ግና፥ ደቂ ወይ ደቂ ደቂ እንተ ሃልዮምዋ፥ ንሳቶም ኣቐዲሞም ንስድራኦም ብምክንኻን፥ መንፈሳዊ ግቡኦም ምፍፃም ይመሃሩ፤ በዙይ ከዓ ንወለዶም ሞሳ ኽመልሱ እዮም። እዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅቡል እዩ እሞ።
5
እታ ብርግፅ መበለት ግና፥ ተስፋኣ ኣብ እግዚኣብሄር ገይራ፥ ምእንቲ ኽረድኣ ለይትን መዓልትን፥ ብምህለላን ፀሎትን እያ እትተግህ።
6
እታ ናይዝ ዓለም እዙይ ደስታ እትደሊ መበለት ግና፥ ብህይወታ እንተላ ዝሞተት እያ።
7
ብዘይ ነቐፋ ምእንቲ ክኾኑስ፥ እዝ ትእዛዝ እዙይ ኣዝዞም።
8
ሓደኳ ነቶም ኣዝማዱ፥ ብሕልፊ እኳ ንስድራኡ ዘይሓሊ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ እምነቱ ዝኸሓደ፥ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።
9
ካብ ስሳ ዓመት ንላዕሊ፥ ሰበይቲ ሓደ ሰብኣይ ዝነበረት፥ ደቃ ብዝግባእ ዘዕበየት፥ ጋሻ ብምቕባል፥ እግሪ ቅዱሳን ብምሕፃብ፥ ንዝፀገሞ ብምሕጋዝ፥ እዝ ሰናይ ግብሪ እዙይ ብምግባር፥ ዝተመስከረላ ኽትከውን ይግባእ።
11
ብዕድመ ንኡሳት ዝኾና መበለታት ግና፥ ፍትወት ስጋ ምስ ተልዓለን፥ ካብ ክርስቶስ ርሒቐን፥ ክምርዐዋ እየን ዝደልያ እሞ፥ ምስተን መበለታት ኣይትመድበን።
12
እዚኣተን ነታ ቐዳመይቲ እምነተን ስለ ዝጠለማ፥ ክፍረደን እዩ።
13
ኣብ ልዕሊ እዙይውን፥ ገዛ ንገዛ እናዞራ፥ ምብኳር ስራሕ እየን ዝመሃራ፤ ምብኳር ስራሕ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ክዛረባኦ ዘይግባእ እናተዛረባ፥ ሓመይትን መውረይትን፥ ኣብ ዘየእትወን ዝኣትዋን እየን ዝኾና።
14
እምበኣር ፀላኢ ኣብ ልዕሊአን ዝዛረቦ ኽፋእ ምእንቲ ኸይረክብ፥ እተን ብዕድመ ንኡሳት ዝኾና መበለታት ክምርዐዋ፥ ውሉድ ክወልዳ፥ ስድራአን ብግቡእ ከመሓድራ እደሊ ኣለኹ።
15
ገሊኣተን እኳ ንሰይጣን ክስዕባ ዝተመለሳ ኣለዋ።
16
ሓደ ኣማኒ ሰብ ወይ ሓንቲ ኣማኒት ዝኾነት ሰበይቲ፥ መበለታት እንተ ሃልየናኦም፥ ነታ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኸይኸብድኣ፥ ባዕልቶም ይሓግዙወን። እታ ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ነተን ሓገዝ ዘድልየን፥ ናይ ብርግፅ መበለታት ንዝኾና ምእንቲ ክትሕግዘን፥ ንቤተ ክርስቲያን ኣየኽብዱላ።
17
ነቶም ብዝግባእ ዘገልግሉ ሽማግለታት፥ ብሕልፊ እኳ ነቶም ወንጌል ዝሰብኩን ዝምህሩን፥ ዕፅፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ።
18
መፅሓፍ “ኣፍ እቲ ዘኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር” ከምኡውን “ንሰራሕተኛ ዓስቡ ይግብኦ እዩ” ይብል እዩ እሞ።
19
ክልተ ወይ ሰለስተ ሰባት እንተ ዘይመስኪሮም፥ ኣብ ልዕሊ ሽማግለ፥ ክሲ ኣይትቀበል።
20
ነቶም ሓጢኣት ዝገብሩ ግና፥ እቶም ካልኦት ምእንቲ ኽፈርሑ፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ገስፆም።
21
ብዘይ ኣፈላላይን ብዘይ ኣድልዎን፥ ነዝ ምዕዶዙይ ክትሕሉ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ሕሩያት መላእኽትን፥ ኣማሕፅነካ ኣለኹ።
22
ኣብ ሓደኳ፥ ኢድካ ኣንቢርካ ንምሻም ኣይትተሃወኽ፤ ኣብ ሓጢኣት ካልኦት ከይትሳተፍ፤ ንባዕልኻ ብንፅህና ሓሉ።
23
ስለ ኸብድኻን ስለ እቲ ዝመላለሰካ ሕማምን፥ ቁሩብ ወይኒ ስተ እምበር፥ ማይ ጥራሕ ኣይትስተ።
24
ሓጢኣት ገሊኣቶም ሰባት ግሁድ እዩ፤ ነቲ ፍርዲውን የርኢ፤ ናይ ገሊኣቶም ግና ደሓር እዩ ዝግለፅ።
25
ከምኡ ኸዓ እቲ ሰናይ ግብሪ ግሉፅ እዩ፤ እቲ ግሉፅ ዘይኮነ ግና፥ ተሰዊሩ ኽተርፍ ኣይኽእልን እዩ።
← Chapter 4
Chapter 6 →