bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Thessalonians 5
1 Thessalonians 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣሕዋትና፥ ብዛዕባ ጊዜያቱን ወርሓቱን ግና፥ ክንፅሕፈልኩም ኣየድልን እዩ።
2
ሰራቒ ብለይቲ ኸም ዝመፅእ፥ መዓልቲ ጐይታውን ከምኡ ኸም እትመፅእ፥ ንስኻትኩም ብርግፅ ትፈልጡ ኢኹም እሞ።
3
ሰባት “ሰላም እዩ፤ ዘተኣማምን እዩ” ኽብሉ እንተለዉ፥ ከምቲ ንነፍሰ ፁር ሕማም ሕርሲ ዝሕዛ፥ ብድንገት ጥፍኣት ክመፆም እዩ፤ ፈፂሞምውን ከምልጡ ኣይኽእሉን እዮም።
4
ኣሕዋትና፥ ንስኻትኩም ግና፥ ኣብ ፀልማት ስለ ዘይትነብሩ፥ እታ መዓልቲ እቲኣ፥ ከም ሰራቒ ኣይትመፀኩምን እያ።
5
ንስኻትኩምስ፥ ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም። ንሕና፥ ደቂ ለይቲ ወይ ደቂ ፀልማት ኣይኮንናን።
6
እምበኣር ንንቃሕ፤ ርእስና ንቘፃፀር ደኣ እምበር፥ ከምቶም ካልኦት ደቀስቲ ኣይንኹን።
7
እቶም ዝድቅሱስ፥ ብለይቲ እዮም ዝድቅሱ፤ እቶም ዝሰኽሩውን፥ ብለይቲ እዮም ዝሰኽሩ እሞ።
8
ንሕና ግና፥ ደቂ መዓልቲ ስለ ዝኾንና፥ እምነትን ፍቕርን ከም ድርዒ ለቢስና፥ ናይ ድሕነት ተስፋ ኸዓ፥ ከም ቁራዕ ርእሲ ደፊእና፥ ርእስና ብምግታእ ንንበር።
9
እግዚኣብሄር፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ድሕነት ክንረክብ እምበር፥ ንቝጥዓ ኣይፀውዐናን እሞ።
10
እንተ ነቓሕና ወይ እንተ ደቀስና፥ ምስኡ ሓቢርና ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ፥ ክርስቶስ ምእንታና ሞተ።
11
ስለዙይ፥ ከምቲ እትገብርዎ ዘለኹም፥ ንስንሳትኩምውን ተተባብዑ፤ እቲ ሓደውን ነቲ ሓደ ይህነፆ።
12
እምበኣር ኣቱም ኣሕዋትና፥ ነቶም ኣብ ማእኸልኩም ዝፅዕሩን፥ ብጐይታውን ዝመርሑኹምን ዝምዕዱኹምን፥ ክተኽብርዎም ንልምነኩም ኣለና።
13
ስለ እቲ ስራሖም፥ ብፍቕሪ ኣብሊፅኩም ኣኽብርዎም፤ ንስንሳትኩምውን ብሰላም ንበሩ።
14
ኣቱም ኣሕዋትና፥ ነቶም ብዘይ ስርዓት ዝነብሩ ገስፅዎም፤ ነቶም ተስፋ ዝቐበፁ ኣተባብዕዎም፤ ነቶም ድኹማት ሓግዝዎም፤ ምስ ኵሉውን ዕጉሳት ክትኮኑ፥ ንምዕደኩም ኣለና።
15
ሓደኳ ነቲ ኽፉእ ዝገበሮ፥ ብኽፉእ ከይፈድዮ ተጠንቀቑ፤ ግና ዅልሻዕ፥ ንስንሳትኩም ኮነ፥ ምስ ኵሉ ሰብ፥ ሰናይ ንምግባር ፀዓሩ።
16
ኵልሻዕ ተሓጐሱ፤
17
እንተየቋረፅኩም ፀልዩ፤
18
ብዅሉ ኣመስግኑ፤ እዙይ ንኣኻትኩም፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ፥ ፍቓድ እግዚኣብሄር እዩ እሞ።
19
መንፈስ ኣይተጥፍኡ፤
20
ትንቢት ኣይትንዓቑ።
21
ንዅሉ መርምርዎ፤ ነቲ ሰናይ ሓዝዎ።
22
ክፉእ ካብ ዝኾነ ኵሉ ረሓቑ።
23
ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ፥ ንዅለንትናኹም ይቐድሶ፤ መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን፥ ብምፅኣት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዘይ ነቐፋ ምእንቲ ኽርከብ ይተሓሎ።
24
እቲ ዝፀውዐኩም እሙን እዩ፤ ንሱውን ክገብሮ እዩ።
25
ኣቱም ኣሕዋትና፥ ምእንታና ፀልዩ።
26
ንዅላቶም ኣሕዋትውን፥ ብቅዱስ ሰላምታ ሰላም በልዎም።
27
ነዛ መልእኽቲ እዚኣ፥ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ቅዱሳን ኣሕዋት ክተንብብዋ፥ ብእግዚኣብሄር ኣማሕፅነኩም ኣለኹ።
28
ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።
← Chapter 4