bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Samuel 6
1 Samuel 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ታቦት እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ሸውዓተ ወርሒ ምስ ገበረ፥
2
ፍልስጥኤማውያን ነቶም ካህናትን ጠንቈልትን ፀዊዖም፦ “ንታቦት እግዚኣብሄር እንታይ ንግበሮ? ኸመይ ጌርና ናብ ቦታኡ ኸም እንመልሶ ኣፍልጡና” በልዎም።
3
ንሳቶም ድማ “ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል እንተ ሰደድኩምዎ፥ ጥራሑ ኣይትስደድዎ፤ መስዋእቲ በደል ደኣ ምለሱሉ፤ ሽዑ ኽትፍወሱ ኢኹም፤ ብብርቱዕ ዝቐፅዐኩምውን ብምንታይ ምኽንያት ምዃኑ ኽፍለጠኩም እዩ” ኢሎም መለሱሎም።
4
እቶም ፍልስጥኤማውያን ከዓ “እቲ መስዋእቲ በደል እንመልሰሉኸ ኸመይ ዝበለ እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎም። ንሳቶም ድማ ኸምዙይ በልዎም፦ “እቲ መዓት ንዅልኻትኩምን ንሹመኛታትኩምን ሓደ ዓይነት እዩ እሞ፥ ከም ቍፅሪ እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ብወርቂ ዝተሰርሐ ሓሙሽተ ምስሊ ሕበጥን፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ ሓሙሽተ ምስሊ ኣናፁን ኣቕርቡ።
5
እምበኣርከስ ምስሊ እቲ ሕበጥኩምን ምስሊ እተን ንሃገር ዘጥፍኣ ኣናፁን ግበሩ፤ ንኣምላኽ እስራኤል ከዓ ኽብሪ ሃብዎ፤ ምናልባሽ እቲ ኢዱ ኻብ ልዕሌኹምን፥ ካብ ልዕሊ ኣማልኽትኹምን፥ ካብ ልዕሊ ምድሪኹምን የቕልል ይኸውን።
6
ከምቲ ግብፃውያንን ፈርዖንን ልቦም ዘትረሩ፥ ስለ ምንታይ ልብኹም ተትርሩ ኣለኹም? እግዚኣብሄር ንኣኣቶም ብብርቱዕ ምስ ቀፅዖምዶ ኣይኮነን ክኸዱ ዝሓደግዎም እሞ፥ ንሳቶም ድማ ዝኸዱ?
7
“ሕዚ ኸዓ ሓደ ሓድሽ ሰረገላ ሰሪሕኹም፥ በርዑት ተቘሪነን ዘይፈልጣ ኽልተ ዘጥብዋ ኣላሕም ውሰዱ እሞ፥ ነተን ኣላሕም ኣብቲ ሰረገላ ፅመድወን፤ ነተን ብተያተን ከዓ ፈሊኹም ካብ ድሕሪአን ናብ ቤት ምለስወን።
8
ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ድማ ወሲድኩም ኣብቲ ሰረገላ ግበርዎ፤ እቲ ንመስዋእቲ በደል እትመልሱሉ ኣቕሑ ወርቂ ኸዓ ኣብ ሳፁን ጌርኩም ኣብ ጐድኑ ኣንብርዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ፤
9
ናበይ ከም ዝኸይድ ድማ ረአይዎ። ናብ ሃገሩ ዝወስድ መንገዲ ሒዙ ናብ ቤት ሳሚስ እንተ ደየበ፥ ሽዑ እዝ ብርቱዕ መቕፃዕቲ እዙይ ዘውረደልና እግዚኣብሄር እዩ፤ እንተ ዘይኮነ ግና፥ እዝ መዓት እዙይ ባዕሉ ዝኾነ እምበር፥ ዝወቕዐና ናቱ ኢድ ከም ዘይኮነ ኽንፈልጥ ኢና።”
10
እቶም ሰባት ከዓ ኸምኡ ገበሩ። ነተን ክልተ ዘጥብዋ ኣላሕም ወሲዶም ኣብቲ ሰረገላ ፀመድወን፤ ነተን ብተያተን ድማ ኣብ ቤት ዓፀውወን።
11
ንታቦት እግዚኣብሄርን ነቲ ሳፁንን ምስቲ ብወርቂ ዝተሰርሐ ምስልታት ኣናፁን ምስልታት ሕበጥን ኣብቲ ሰረገላ ፀዓንዎ።
12
እተን ኣላሕም ድማ፥ እምባሕ እናበላ፥ በቲ ጐደና የማነ ፀጋም እንተይበላ፥ ናብ ቤትሳሚስ ናብ ዝወስድ መንገዲ ኣቕኒዐን ከዳ። እቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኽሳዕ ወሰን ቤትሳሚስ ደድሕሪአን ከዱ።
13
እቶም ሰብ ቤት ሳሚስ ድማ ኣብቲ ውሽጢ ለሰ፥ ስርናይ ይዓፅዱ ነበሩ። ኣዒንቶም ቈላሕ ኣቢሎም ከዓ ነቲ ታቦት ረአይዎ እሞ ተሓጐሱ።
14
እቲ ሰረገላ ድማ ናብ ግራት ኢያሱ በዓል ቤት ሳሚስ መፂኡ፥ ኣብ ጥቓ ዓብዪ እምኒ ቖመ። ዕንፀይቲ እቲ ሰረገላ ፈሊፆም ከዓ ንተን ኣላሕም ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረቡሉ።
15
ሌዋውያን ከዓ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄርን፥ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ኣቑሑ ወርቂ ዘለዎ ሳፁንን ኣውሪዶም፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዪ እምኒ ኣንበርዎ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ እቶም ሰብ ቤት ሳሚስ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረቡ፤ መስዋእቲ እውን ሰውኡ።
16
እቶም ሓሙሽተ ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ነዝ ዅሉ ምስ ረአዩ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ኣስቀሎና ተመለሱ።
17
እቲ ፍልስጥኤማውያን ንእግዚኣብሄር ንመስዋእቲ በደል ዝመለሱሉ ኻብ ወርቂ ዝተሰርሐ ምስሊ ሕበጥ፥ ሓደ ብስም ኣዛጦን፥ ሓደ ብስም ጋዛ፥ ሓደ ብስም ኣስቀሎና፥ ሓደ ብስም ጌት፥ ሓደ ብስም ኣቃሮን ዝተልኣኸ ነበረ።
18
እተን ብወርቂ ዝተሰርሓ ኣናፁ ድማ ኻብተን ዕሩዳት ከተማታት ጀሚረን ክሳዕ ቝሸታት፥ ብቝፅሪ ዅለን እተን ሓሙሽተ ኸተማታት ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ዝተልኣኻ ነበራ። እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ዝተቐመጦ ዓብዪ እምኒ፥ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ግራት ኢያሱ በዓል ቤት ሳሚስ ዘሎ ምስክር እዩ።
19
ካብ ሰብ ቤት ሳሚስ ናብ ውሽጢ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዝጠመቱ ቐሰፎም፤ ካብቲ ህዝቢ ድማ ኻብ ሓሙሽተ ሽሕ፥ ሰብዓ ሰብ ቀተለ። እግዚኣብሄር ነቲ ህዝቢ ብብርቱዕ መቕሰፍቲ ስለ ዝቐሰፎ ድማ እቶም ህዝቢ በኸዩ።
20
እቶም ሰብ ቤት ሳሚስ ከዓ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ቅድሚ እዝ ቅዱስ ኣምላኽ እዙይ፥ መን ክቐውም ይኽእል? እዝ ታቦትከ ኻባና ወፂኡ ናብ መን ክኸይድ እዩ?” በሉ።
21
ነቶም ኣብ ቂርያትይዓሪም ዝነብሩ ሰባት ከዓ፥ “ፍልስጥኤማውያን ንታቦት እግዚኣብሄር መሊሶምዎ እዮም እሞ፥ ወሪድኩም ናባኻትኩም ኣደይብዎ” ኢሎም ልኡኻት ሰደዱሎም።
← Chapter 5
Chapter 7 →