bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Samuel 25
1 Samuel 25
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሳሙኤል ሞተ፤ ኵሎም እስራኤል ከዓ ተኣኪቦም በኸዩሉ፤ ኣብ ኣርማቴም ኣብ ገዛኡ ድማ ቐበርዎ። ሽዑ ዳዊት ናብ ምድረ በዳ ፋራን ወረደ።
2
ሓደ ኣብ ቀርሜሎስ መሬት ዝነበሮ ሰብኣይ ኣብ ፋራን ነበረ። ንሱ የመና ሃብታም ነበረ፤ ሰለስተ ሽሕ ኣባጊዕ፥ ሽሕ ኣጣልውን ነበራኦ። በቲ ጊዜ እቱይ ድማ ፀጕሪ ኣባጊዑ ኣብ ቀርሜሎስ ይቘርፅ ነበረ።
3
ስሙ ናባል፥ ስም ሰበይቱ ኸዓ ኣቢግያ ነበረ። ሰበይቱ የመና መስተውዓሊትን መልክዐኛን ነበረት። ንሱ ግና ጨካን፥ ግብሩ ድማ ኽፉእ ነበረ፤ ካብ ዓሌት ካሌብውን ነበረ።
4
ዳዊት ድማ ኣብ ምድረ በዳ እንተሎ፥ ናባል ፀጕሪ ኣባጊዑ ይቘርፅ ከም ዘሎ ሰምዐ።
5
ሽዑ ዳዊት ዓሰርተ ኣጓብዝ ልኢኹ፥ ከምዙይ በሎም፦ “ናብ ቀርሜሎስ ደይብኩም ናብ እንዳ ናባል እተዉ እሞ ብስመይ ሰላም በልዎ።
6
ከምዙይ ድማ በልዎ፦ ‘ሰላም ንኣኻ ይኹን። ንስኻን ቤተ ሰብካን ዘለካ ዅሉውን ብሰላም ክትህልዉ እምነየልኩም።’
7
“ሕዚ ኸዓ ፀጕሪ ኣባጊዕ ትቘርፅ ከም ዘለኻ ሰሚዐ። ጓሶትካ ምሳና ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣይዓመፅናዮምን፤ ኣብ ቀርሜሎስ ብዝነበሩሉ ጊዜ ኸዓ ዝኾነ እኳ ኣይጠፍኦምን።
8
ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ንኣገልገልትኻ ጠይቆም፤ ንሳቶም ከዓ ኽነግሩኻ እዮም። እምበኣር ብመዓልቲ በዓል መፂእና ኣለና እሞ፥ እዞም ኣጓብዝ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ይርከቡ። በይዛኻ ኣብ ኢድካ ዝተረኽበ ንኣገልጋሊኻን ንወድኻ ዳዊትን ሃቦም።”
9
እቶም ኣገልገልቲ ዳዊት ምስ መፁ ድማ ዅሉ እዝ ነገር እዙይ ብስም ዳዊት ንናባል ነገርዎ፤ ስቕ ኢሎም ከዓ ተፀበዩ።
10
ናባል ድማ ነቶም ኣገልገልቲ ዳዊት “ዳዊት መን እዩ? ወዲ እሴይከ መን እዩ? ሎሚ እኮ ኸካብ ጐይተቶም ዝመለቑ ኣገልገልቲ ብዙሓት እዮም።
11
እንጀራይን ወይነይን፥ እቲ ንቘረፅቲ ፀጕሪ ኣባጊዐይ ኢለ ዝሓረድክዎ ስጋን፥ ካበይ ምዃኖም ንዘይፈልጦም ሰባትዶ ኽህብ እየ?” ኢሉ መለሰሎም።
12
እቶም ኣገልገልቲ ዳዊት ድማ ዘይሮም ብዝመፁሉ መንገዲ ተመለሱ። መፂኦም ከዓ ዅሉ እዝ ነገር እዙይ ንዳዊት ነገርዎ።
13
ሽዑ ዳዊት ነቶም ሰዓብቱ “ነፍሲ ወከፍኩም ሰይፍኹም ተዓጠቑ” በሎም። ነፍሲ ወከፍ ድማ ሰይፉ ተዓጠቐ፤ ዳዊትውን ሰይፉ ተዓጠቐ። ደድሕሪ ዳዊት ከዓ ኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብኡት ደየቡ። ክልተ ሚእቲ ድማ ኣቑሑ ኽሕልዉ ተረፉ።
14
ንኣቢግያ ሰበይቲ ናባል ድማ ሓደ ኻብቶም ኣጓብዝ “እንሆ፥ ዳዊት ካብ ምድረ በዳ ንጐይታና ሰላም ክብልዎ ልኡኻት ሰዲዱ ነይሩ፤ ንሱ ኸዓ ሰጐጎም።
15
እዞም ሰባት እዚኣቶም ግና ንኣና የመና ሕያዎት እዮም ዝነበሩ፤ ኣይዓመፁናን፤ በቲ ኣብ ምድረ በዳ ምስኣቶም ዝነበርናሉ ጊዜ ድማ ዝኾነ እኳ ኣይጠፍአናን።
16
ኣባጊዕ ክንጓሲ ምስኣቶም እንተለና፥ ለይቲ ኾነ መዓልቲ፥ ኵልሻዕ ሓፁር ኮይኖምና ነበሩ።
17
ንሱ ድማ ሓደ እኳ ተዛሪቡ ኸስምዖ ዘይኽእል ክፉእ ሰብ እዩ እሞ፥ ሕዚ ንጐይታናን ንብዘላ ቤቱን ክፉእ ይመፆ ኣሎ፤ ስለዙይ ረአዪ፤ እትገብርዮ ኸዓ ፍለጢ” በላ።
18
ሽዑ ኣቢግያ ቐልጢፋ ኽልተ ሚእቲ እንጀራን፥ ክልተ ሓርቢ ወይንን፥ ሓሙሽተ ዝተዳለዉ ኣባጊዕን፥ ሓሙሽተ መስፈሪ ጥቡስ ሸዊትን፥ ሚእቲ ጎጎ ዘቢብን፥ ክልተ ሚእቲ ጎጎ በለስን ወሲዳ ኣብ ኣእዱግ ኣፅዓነቶ።
19
ንኣገልገልታ ኸዓ “ቐቅድመይ ሕለፉ፤ እኒሀኹ ኽስዕበኩም እየ” በለቶም። ንሰብኣያ ናባል ግና ኣይነገረቶን።
20
ኣብ ኣድጊ ተቐሚጣ፥ ነቲ ጎቦ ብኸውላ ኸውሊ ኽትድይብ እንተላ፥ እንሆ፥ ዳዊትን ሰዓብቱን ከዓ ይወርዱ ነበሩ። ንሳ ድማ ተራኸበቶም።
21
ዳዊት ከዓ ኸምዙይ ኢሉ ነበረ፦ “ኣነ ኣብ ምድረ በዳ ጥሪቱ ኸይጠፍኦ ኢለ ሓለኹሉ፤ ንሱ ግና ኸንቱ እዩ። ክንዲ ፅቡቕ ክፉእ መለሰለይ።
22
ፅባሕ ክሳዕ ዝወግሕ፥ ካብ ዘለዎ ዅሉ ወዲ ተባዕታይ ዝኾነ ሓደ እኳ እንተ ደኣ ብህይወት ሓዲገስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዳዊት ከምዙይ ይግበር፤ ከምዙይውን ይወስኽ ኢሉ ነበረ።”
23
ኣቢግያ ድማ ንዳዊት ምስ ረአየቶ፥ ቀልጢፋ ኻብቲ ኣድጊ ወረደት፤ ኣብ ቅድሚ ዳዊትውን ብገፃ ተደፊኣ ናብ ምድሪ ፍግም በለት።
24
ኣብ እግሩ ወዲቓ ኸዓ ኸምዙይ በለቶ፦ “ኣታ ጐይታይ! እዝ በደል እዙይ ኣባይ ጥራሕ ይኹን። በይዛኻ፥ ኣነ ገረድካ ኣብ እዝንኻ ኽዛረብ፤ ቃል ገረድካውን ስማዕ።
25
ጐይታይ! እልምነካ ኣለኹ፤ ኣብ ናባል፥ ኣብዝ ክፉእ ሰብ እዙይ፥ ኣይተቕልበሉ። ስሙ ናባል እዩ፤ ከም ስሙ ኸዓ ዓሻ እዩ፤ ከም ስሙውን ስራሕ ዓሻ ይሰርሕ። ኣነ ገረድካ ግና ነቶም ዝለኣኽካዮም ናይ ጐይታይ ሰባት ኣይረአኽዎምን።
26
“ሕዚ ኸዓ፥ ጐይታይ! እግዚኣብሄር ህያው እዩ! ብህያው ነፍስኻ እምሕል ኣለኹ። ኣብ ደም ካብ ምእታውን ብኢድካ ሕነ ኻብ ምፍዳይን ዝኸልከለካ እግዚኣብሄር እዩ። ሕዚ ድማ ፀላእትኻን እቶም ንኣኻ ንጐይታይ ክፉእ ዝደልዩልካን ከም ናባል ይኹኑ።
27
ሕዚ ኸዓ እዝ ኣነ ገረድካ ንጐይታይ ዘምፃእኹልካ ገፀ በረኸት ነቶም ንጐይታይ ዝኽተሉ ኣጓብዝ ይወሃብ።
28
ንስኻ ጐይታይስ ውግእ እግዚኣብሄር እትዋጋእ ሰብ ኢኻ እሞ፥ እግዚኣብሄር ፅንዕቲ መንግስቲ ኸም ዘቑመልካ ርግፅ እዩ። እምበኣርከስ፥ በይዛኻ፥ በደለይ በደል ገረድካ ይቕረ በለለይ። ብህይወት ክሳዕ ዘለኻ ድማ በዳሊ ዄንካ ኣይትረኸብ።
29
ሰብ እኳ ኽሰጐካን ክቐትለካን እንተ ተስአ፥ ንኣኻ ንጐይታይስ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይሓሉኻ፤ ንፀላእትኻ ግና ኸም ብወንጭፍ ገይሩ ይወንጭፎም።
30
እግዚኣብሄር ንጐይታይ ከምቲ ዅሉ ፅቡቕ ዘተስፈወካ ምስ ገበረ፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከዓ ንጉስ ክትከውን ምስ ሸመካ፥
31
ንፁህ ደም ኣፍሲሰ፥ ሕነይውን ፈድየ ኢልካ ኣብ ሕሊናኻ ነስሓ ኣይስምዐካን እዩ። እግዚኣብሄር ንኣኻ ንጐይታይ ፅቡቕ ምስ ገበረልካ ድማ፥ ንኣይ ንገረድካ ዘክረኒ።”
32
ሽዑ ዳዊት ንኣቢግያ ከምዙይ በላ፦ “እቲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽትራኸብኒ ዝሰደደኪ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስገን።
33
ለባም ስለ ዝኾንክን በዛ መዓልቲ እዚኣ ኻብ ምፍሳስ ደም ክምለስ ስለ ዝገበርክንን ብርኽቲ ኹኒ።
34
በቲ ኽፉእ ከይገብር ዝኸልከለኒ ህያው ዝኾነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እምሕል ኣለኹ፤ ንስኺ ኽትራኸብኒ ቐልጢፍኪ እንተ ዘይትመፅስ ንናባል ፅባሕ ክሳዕ ዝወግሕ ሓደ ተባዕታይ እኳ ኣይምተረፎን ነይሩ” በላ።
35
ዳዊት ድማ እቲ ዘምፅአትሉ ኻብ ኢዳ ተቐቢሉ፥ “እንሆ ዘረባኺ ሰሚዐ፥ ተቐቢለዮ ኣለኹ። ናብ ገዛኺ ብሰላም ተመለሲ” በላ።
36
ኣቢግያ ድማ ናብ ናባል ተመለሰት። እንሆ ኸዓ ንንጉስ ዝበቅዕ ምሳሕ ኣብ ገዛኡ ነበሮ። ናባል ብመስተ ተሓጒሱ የመና ሰኺሩ ነበረ። ስለዙይ ክሳዕ ንፅባሒቱ ምንም ኣይተዛረበቶን።
37
ንፅባሒቱ፥ ናባል ስኽራኑ ምስ ወፀሉ፥ ሰበይቱ እዝ ነገር እዙይ ነገረቶ። ሽዑ ልቡ ጠለሞ፤ ከም እምኒውን ኮነ።
38
ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ኸዓ እግዚኣብሄር ቀሰፎ እሞ ሞተ።
39
ዳዊት ድማ ሞት ናባል ምስ ሰምዐ፥ “እቲ ኻብ ናባል ዝበፅሐኒ ውርደት ዝፈረደለይ፥ ንኣይ ንባርያኡውን ክፉእ ከይገብር ዝኸልከለኒ እግዚኣብሄር፥ ይመስገን። ናባል ክፍኣት ስለ ዝገበረ እግዚኣብሄር ቀሰፎ” በለ። ዳዊት ድማ ንኣቢግያ ሰበይቱ ኽትኮኖ ኸም ዝደሊ ለኣኸላ።
40
እቶም ኣገልገልቲ ዳዊት ከዓ ናብ ቀርሜሎስ መፂኦም ንኣቢግያ “ዳዊት ሰበይቱ ኽትኮንዮ ኽወስደኪ ደልዩ፥ ናባኺ ልኢኹና” ኢሎም ነገርዋ።
41
ሽዑ ንሳ ተሲኣ ብገፃ ናብ ምድሪ ተደፍአት፤ “እኒሀኹ ኣነ ገረዱ፥ ኣእጋር ኣገልገልቲ ጐይታይ ንምሕፃብውን ድልውቲ እየ” በለት።
42
ኣቢግያ ከዓ ቐልጢፋ ተስአት፤ ኣብ ኣድጊ ድማ ተቐመጠት፤ ሓሙሽተ ኣግራዳ ኸዓ ተኸተላኣ። ደድሕሪ እቶም ልኡኻት ዳዊት ድማ ኸደት፤ ሰበይቱውን ኮነት።
43
ዳዊት ንኣኪናሆም በዓልቲ ኢይዝራኤል ድማ ወሲድዋ ነበረ። ክልቲአን ከዓ ኣንስቱ ኾና።
44
ሳኦል ግና ንጓሉ ሜልኮል፥ ሰበይቲ ዳዊት ዝነበረት፥ ንፋልጢ ወዲ ለሌሳ በዓል ጋሊም ሂብዎ ነበረ።
← Chapter 24
Chapter 26 →