bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Corinthians 16
1 Corinthians 16
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብዛዕባ እቲ ነቶም ቅዱሳን ክኸውን ዝዋፃእ ገንዘብ ድማ፥ ኣብ ገላትያ ንዘለዉ ምእመናን ከም ዝሰራዕኽዎ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩ።
2
እቲ ምውፃእ ገንዘብ፥ ኣነ ምስ መፃእኹ ምእንቲ ኸይኸውን፥ ኣብ ሰሰሙን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ከከም እቶቱ ኣዋህሊሉ፥ ኣብ ገዛኡ የቐምጥ።
3
ኣነ ምስ መፃእኹ ድማ፥ ነቲ ውህብቶኹም ናብ ኢየሩሳሌም ምእንቲ ኸብፅሑ፥ ነቶም ዝሓረኹምዎም ሰባት መልእኽቲ ኣትሒዘ ኽሰዶም እየ።
4
ኣነ ክኸይድ ዘድሊ እንተ ኾይኑ ድማ፥ ምሳይ ይኸዱ።
5
ብመቄዶንያ ኽሓልፍ እየሞ፥ ናብ መቄዶንያ እንትሓልፍ ናባኻትኩም ክመፅእ እየ።
6
ናብቲ ዝኸዶ ዓዲ ምእንቲ ኽተፋንዉኒ፥ ምናልባሽ ምሳኻትኩም እፀንሕ ወይ እኸርም እኸውን እየ።
7
ከም ሓላፊ መንገዲ ኾይነ ኽሪአኩም ኣይደልን እየሞ፥ እግዚኣብሄር እንተ ፈቒድዎ፥ ቁሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም ክፀንሕ ተስፋ ኣለኒ።
8
ግና ኽሳዕ በዓለ ሓምሳ፥ ኣብ ኤፌሶን ክፀንሕ እየ።
9
ዓቢይን ፍረ ዘለዎን ኣፍ ደገ ተኸፊቱለይ ኣሎ፤ ተፃረርተይ ግና ብዙሓት እዮም።
10
ጢሞቴዎስ እንተ መፀ ኸዓ፥ ከምዝ ኸማይ ናይ እግዚኣብሄር ስራሕ እዩ ዝሰርሕ እሞ፥ ብዘይ ፍርሓት ምሳኻትኩም ክቕመጥ ተጠንቀቑሉ።
11
ሓደኳ ኣይንዓቆ፤ ምስቶም ኣሕዋት ክመፅእ እፅበዮ ኣለኹ እሞ፥ ዘድልዮ ሂብኩም ብሰላም ኣፋንውዎ።
12
ብዛዕባ ኣጵሎስ ሓውና ኸዓ፥ ምስቶም ኣሕዋት ናባኻትኩም ክመፅእ፥ ብዙሕ ለሚነዮ ነይረ፤ እንተ ኾነ ፍቓዱ ስለ ዘይኮነ፥ ሕዚ ኽመፅእ ኣይደለየን፤ ምስ መቸዎ ግና ኽመፅእ እዩ።
13
ንቕሑ፤ ኣብ እምነትኩም ፅንዑ፤ በርትዑ፤ ጠንክሩ፤
14
ኵሉ ነገር ብፍቕሪ ግበርዎ።
15
ኣሕዋተይ፥ ስድራ እስጢፋኖስ፥ ኣብ ሃገር ኣካይያ ቐዳሞት ኣመንቲ ኸም ዝኾኑን፥ ንቅዱሳን ኸገልግሉ ንርእሶም ከም ዘወፈዩን ትፈልጡ ኢኹም።
16
ንስኻትኩም ከዓ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉን፥ ነቶም ምሳና ዝሰርሑን ዝፅዕሩን፥ ክትእዘዝዎም እምዕደኩም ኣለኹ።
17
እስጢፋኖስን ፈርዶናጡስን ኣካይቆስን ብምምፅኦም ሕጉስ እየ። ክንዳኻትኩም ኮይኖም፥ ነቲ ዝጐደለኒ መሊኦምለይ ኢዮምሞ።
18
ንመንፈሰይን ንመንፈስኩምን ኣዕሪፎም እዮም እሞ፥ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ፍለጥዎም።
19
እተን ኣብ እስያ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ሰላም ይብላኹም ኣለዋ። ኣቂላን ጵርስቅላን ምስታ ኣብ ቤቶም እትእከብ ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም፥ ብጐይታ ብዙሕ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
20
ኵላቶም እቶም ኣሕዋት፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ብቕዱስ ሰላምታ ንስንሳትኩም ሰላም ተበሃሃሉ።
21
እዛ ሰላምታ እዚኣ፥ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብኢደይ ዝፀሓፍክዋ እያ።
22
ንጐይታና ዘየፍቅሮ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ዝተረገመ ይኹን። ማራናታ!
23
ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን።
24
ፍቕረይ ብኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።
← Chapter 15