bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Corinthians 14
1 Corinthians 14
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንፍቕሪ ሰዓብዋ፤ ንመንፈሳዊ ውህብቶታት፥ ብሕልፊኳ ኽትንበዩ ኣብሊፅኩም ተመነዩ።
2
ብቛንቋታት ዝዛረብ ንእግዚኣብሄር እምበር፥ ንሰብ ኣይኮነን ዝዛረብ፤ ነቲ ዝዛረቦ ዘስተውዕሎ ሓደኳ የለን፤ ንሱ ግና ብመንፈስ ቅዱስ፥ ምስጢራት እዩ ዝዛረብ።
3
ትንቢት ዝንበ ግና፥ ንሰብ ዝሃንፅን ዘተባብዕን ዘፀናንዕን እዩ ዝዛረብ።
4
ብቛንቋታት ዝዛረብ ንባዕሉ ይሃንፅ፤ ትንቢት ዝናገር ግና፥ ንቤተ ክርስቲያን ይሃንፅ።
5
ሕዚ ኸዓ ዅልኻትኩም ብቛንቋታት ክትዛረቡ፥ ብሕልፊኳ ኽትንበዩ ድልየተይ እዩ። እታ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኽትህነፅ፥ ነቲ ብቛንቋታት ዝተዛረቦ እንተ ዘይተተርጐመ፥ ካብቲ ብቛንቋታት ዝዛረብ፥ እቲ ዝንበ ይበልፅ።
6
ሕዚ ግና ኣሕዋተይ፥ ብራእይ ወይ ብፍልጠት፥ ወይ ብትንቢት ወይ ብትምህርቲ ዘይኮነስ፥ ናባኻትኩም መፂአ ብቛንቋታት እንተ ተዛረብኩ፥ እንታይ ምጠቐምኩኹም?
7
እቲ ህይወት ዘይብሉ፥ ከም እምብልታ ወይ መሰንቆ ዝመሰለ፥ ዝደምፅ ነገራት፥ ፍሉይ ዝኾነ ቃና እንተ ዘየስምዐ፥ እቲ ብእምብልታ ወይ ብመሰንቆ ዝተቓነየ እንታይ ምዃኑ ይፍለጥ?
8
መለኸትከ ዘይፍሉጥ ድምፂ እንተ ኣስምዐ፥ መን እዩ ንውግእ ዝስለፍ?
9
ከምኡ ኸዓ ንስኻትኩም፥ ሰብ ብዘይርድኦ ቛንቋ እንተ ተዛረብኩም፥ ነቲ ዝተዛረብኩምዎ፥ መን ክርድኦ ይኽእል? ምስ ንፋስ ከም ዝዛረብ ኢኹም እትኾኑ።
10
ኣብ ዓለም፥ በበይኑ ዝኾነ ብዙሕ ቋንቋታት ኣሎ፤ ትርጕም ዘይብሉ ግና የለን።
11
እምበኣር ኣነ ናይቲ ዝተነግረ ቛንቋ ትርጕም ዘይፈልጥ እንተ ኾይነ፥ ነቲ ኣነ ዝዛረቦ፥ ባዕዲ እየ ዝኾኖ፤ እቲ ዝዛረብ ከዓ፥ ባዕዲ እዩ ዝኾነኒ።
12
ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ውህብቶታት መንፈስ፥ ሃረር እትብሉ ኻብ ኮንኩም፥ እቶም ንቤተ ክርስቲያን ዝሃንፁ ውህብቶታት ክበዝሑልኩም ድለዩ።
13
ብቛንቋታት ዝዛረብ፥ ምትርጓም ምእንቲ ክኽእል ይፀሊ።
14
ብቛንቋታት እንተ ፀለኹ፥ መንፈሰይ እዩ ዝፅሊ፤ ኣእምሮይ ግና ብዘይ ፍረ እዩ።
15
እሞ እንታይ ደኣ ኽገብር? ብመንፈስ ክፅሊ፥ ብኣእምሮይውን ክፅሊ እየ፤ ብመንፈስ ክዝምር፥ ብኣእምሮይውን ክዝምር እየ።
16
እንተ ዘይኮነ፥ ብመንፈስ ክትባርኽ እንተለኻ፥ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ዘይርድኦ ሰብ፥ ነቲ እትብሎ እንተ ዘይፈለጦ፥ ከመይ ገይሩ ብምስጋናኻ “ኣሜን” ክብል ይኽእል?
17
ንስኻ ፅቡቕ ጌርካ ተመስግን ኣለኻ፤ እቲ ኻልእ ግና ኣይህነፀሉን።
18
ካብ ዅልኻትኩም ብዝበለፀ፥ ብቛንቋታት ስለ ዝዛረብ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኖ እየ።
19
ኣብ ቤተ ክርስቲያን ግና፥ ንኻልኦት ምእንቲ ኽምህር፥ ብቛንቋታት እልፊ ቓላት ካብ ዝዛረብ፥ ብኣእምሮ ሓሙሽተ ቓላት ክዛረብ እፈቱ።
20
ኣሕዋተይ፥ በተሓሳስባኹም ከም ህፃናት ኣይትኹኑ፤ ንኽፉእ ደኣ ህፃናት ኩኑ እምበር፥ በተሓሳስባኹምስ ብሱላት ኩኑ።
21
ኣብ ኦሪት፦ “ ‘ነዝ ህዝቢ እዙይ ብኻልእ ዝቛንቋኣቶም ሰባትን፥ ብኣፍ ጓኖትን ገይረ ኽዛረቦም እየ፤ ምስ እዝ ዅሉ እኳ፥ ኣይሰምዑንን እዮም’ ይብል እግዚኣብሄር” ተብሂሉ ተፅሒፉ ኣሎ።
22
ስለዙይ ብቛንቋታት ምዝራብ፥ ነቶም ዝኣምኑ ዘይኮነስ፥ ነቶም ዘይኣምኑ ምልክት እዩ፤ ትንቢት ከዓ ነቶም ዘይኣምኑ ዘይኮነስ፥ ነቶም ዝኣምኑ እዩ።
23
እታ ቤተ ክርስቲያን ብምልእታ ምስ ተኣከበት፥ ነፍሲ ወከፍ ከዓ ብቛንቋታት እንተ ዝዛረብ እሞ፥ ዘይተምሃሩ ወይ ዘይኣምኑ ሰባት እንተ ዝመፁ፥ “እዚኣቶም ዓቢዶም እዮም” ኣይምበልዎምንዶ?
24
ኵላቶም እንተ ዝንበዩ ግና፥ ሓደ ዘይኣምን ወይ ዘይተምሃረ እንተ ዝኣቱ፥ በቲ ዅላቶም ዝብልዎ ምተወቕሰ፤ በቲ ዅሎም ዝብልዎውን ምተፈርደ።
25
እቲ ኣብ ልቡ ዝተሰወረ ነገርውን ምተገልፀ፤ “ብርግፅ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ማእኸልኩም ኣሎ” እናበለ ድማ፥ ብገፁ ተደፊኡ ንእግዚኣብሄር ምሰገደ።
26
እምበኣርከስ ኣሕዋተይ፥ እንታይ ይሐይሽ? ክትእከቡ እንተለኹም፥ ንስንሳቱ መዝሙር ኣለዎ፤ ትምህርቲ ኣለዎ፤ ራእይ ኣለዎ፤ ብቛንቋታት ናይ ምዝራብ ኣለዎ፤ ትርጉም ኣለዎ፤ ዅሉ ውህብቶ፥ ንምሕናፅ ይገበር።
27
ብቛንቋታት ዝዛረቡ እንተ ሃልዮም፥ ክልተ፥ እንተ በዝሑ ኸዓ ሰለስተ በብተራ ይዛረቡ፤ ሓደ ድማ ይተርጕሞ።
28
ተርጓሚ እንተ ዘየለ ግና፥ እቲ ብቛንቋታት ዝዛረብ፥ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ስቕ ይበል፤ ንባዕሉን ንእግዚኣብሄርን ጥራሕ ይዛረብ።
29
ነቢያት ክልተ ወይ ሰለስተ ኾይኖም በብተራ ይዛረቡ፤ እቶም ካልኦት ድማ ይመርምሩ።
30
ካብቶም ተቐሚጦም ዘለዉ፥ ንሓደ ራእይ እንተ ተገልፀሉ ግና፥ እቲ ቐዳማይ ስቕ ይበል።
31
ኵላቶም ምእንቲ ኽመሃሩ፥ ኵላቶምውን ምእንቲ ኽተባብዑስ፥ ኵልኻትኩም በብሓደ ኽትንበዩ ትኽእሉ ኢኹም።
32
እቶም መናፍስቲ ነቢያት ነቶም ነቢያት ይግዝእዎም እዮም እሞ።
33
እግዚኣብሄር ናይ ሰላም ኣምላኽ እምበር፥ ናይ ሁከት ኣምላኽ ኣይኮነን። ኣብ ኵለን ናይ ቅዱሳን ኣብያተ ክርስቲያናት ከምዙይ እዩ።
34
ኣንስቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክዛረባ ኣይተፈቐደለንን እዩ እሞ፥ ስቕ ይበላ። ግና ኸምቲ ሕጊ ሙሴ ዝብሎ ይተኣዘዛ።
35
ክመሃራ እንተ ደለያ ኸዓ፥ ኣብ ገዛኣተን ንሰብኡተን ይጠይቓ፤ ንሰበይቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምዝራብ ነውሪ እዩ እሞ።
36
ቃል እግዚኣብሄር ካባኻትኩም ድዩ ወፂኡ? ወይ ኣባኻትኩም ጥራሕ ድዩ በፂሑ?
37
ሓደ “ኣነ ነቢይ እየ” ወይ “መንፈሳዊ ውህብቶ ኣለኒ” ዝብል እንተ ሃልዩ፥ እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ምዃኑ ይፍለጥ።
38
ነዙይ ኽፈልጥ ዘይደሊ እንተ ሃልዩ፥ ንሱውን ኣይፍለጥን።
39
ስለዙይ ኣሕዋተይ፥ ክትንበዩ ሃረር በሉ፤ ብቛንቋታት ምዝራብ ድማ ኣይትኸልክሉ፤
40
እንተ ኾነ ዅሉ ብስርዓትን ብኣገባብን ደኣ ይኹን።
← Chapter 13
Chapter 15 →